እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይንሃብ!

Posted on 2013-04-26 · 1666 · 1 · 0

30 resources uploaded

ሲምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፡ ኣብኣ ኸአ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ አተወ።... ድሕርዚ ኸአ ኾነ፡ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ደዩቦም፡ ኣሲርና ኽንመልኮስ ከምይ ጌርና ኸም እንኽእሎ፡ እቲ ዓብዩ ሐይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትርእዩ ሓባብልዩ፡ ንሕና ኸአ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ክንህበኪ ኢና በልዋመሳ። ኩሉ ልቡ ኸአ ገለጸላ፡ ኣነ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚረ ናዝራዊ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ርእሰይ መላጸ ኣይሐለፈን፡ ስለዚ ኣንተ ተላጼኹ፡ ሓይለይ ካባይ ይኸይድ፡ እደክም ድማ፡ ከም ኩሉ ሰብ ከአ እኸውን፡ በላ። ደሊላ ድማ ኩላ ልቡ ኸአ ገሊጹለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ደይቡ፡ በለቶም። ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤምውያን እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ሒዞም ናብኣ ደየቡ። ንሳ ኸአ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸአ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ። ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነው ኣብ ልዕሌኻ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራበረ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ኣይፈለጠን እሞ፡ ከም ቀዳማይ ግዛት፡ ፍንሕንሒለ ኽወጽእ እየ፡ ኢሉ ሐሰበ። እቶም ፍልስጤኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጎጥጎጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣሰራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከአ ይጥሕን ነበረ። እቲ ጸጉሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቁል ጀመረ። 16፤ 1, 4-5, 17-22።

ደሊላ ድማ ኩላ ልቡ ገሊጹለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ደይቡ፡ በለቶም። መስ 16፤18
1. ካብ ጸጋናን ቅብኣትናን ራእይ ልብናን ዝሰርቁ ሰባት ወይ ነገራት ንርሓቕ

ንሳ ኸአ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸአ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ። መሳ 16፤ 19
2. ሓይልኻ ንጋሻ ሰበይቲ ንኣመንዝራ ኣይትሃብ። ኣብ ህይወትካ ኣምርበኪኹ ክገዝኣካ ዝደሊ እንታይ ኣሎ፧ ሎሚ ካብቲ ደቂስካዮ ዘለኻ ንውድቀት ገጹ ዝመርሓካ ነገራት ክትበራበር ይግብኣኻ።

ንሳ ኸአ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸአ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ። መሳ 16፤ 19
3. እቲ ትማሊ ክትስዕሮ ዝግብኣካ፤ ብዘይምስዓርካ፤ ሎሚ ምውዳቕካ ምስክር እዩ። ብተደጋጋሚ እንተ ደኣ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣትን ንኣምላኽ ባህ ዘይብልን ኩነት ትመላለስ ኰንካ፤ ሓይሊ ኣምላኻ ካባኻ ይኸይድ፤ ነገራት ከኣ ክመልኹካ ይጅምሩ።

እቶም ፍልስጤኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጎጥጎጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣሰራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከአ ይጥሕን ነበረ። መሳ 16፤ 21
4. እቲ ዝሰዓረካ ንሱ እዩ ጐይታኻ ዝኸውን። ስለዚ ሓጢኣትዶ ወይስ ጽድቂ፤ ደኢላዶ ወይስ ጐይታ መን ዩ ኣብ ልብና ዝስዕር ዘሎ፧ ሎሚ ኣርጊጽና ክንምርምርን ክንፈልጥን ይግብኣና እዩ። ኣምላኽ ግና ጐይታን ገዛእን ናይ ህይወትና ክኸውን እዩ ዝደሊ።

እቲ ጸጉሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቁል ጀመረ። መሳ 16፤ 22
5. ኣጆና ግና ኣምላኽ ናይ ካልኣይ ዕደል ኣምላኽ እዩ። በቲ ዝተጋገኻዮ ብኡ ጌርካ ኪድ ጥፋእ ኣይብልን’ዩ።

6. እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልካዮ ቅብኣትካ ጸጋኻ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዝገበርካዮ ጌጋኻ እንተ ተኣሚንካን ተንስሕካን ክምለሰካ እዩ (ኺበቁል ጀመረ እዩ ዝብል እቲ ጽሑፍ)።

ስለዚ ጐይታ ኽብሪ ከምዚ እናበለ ይምዕደና -- “እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዋ እሞ፡ ተመሊሶምከይትርትሩኹም።” ማቴዎስ 7:6 ። እቲ መንፈስ ክብሪ ከኣ “ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና (መንፈስ ቅዱስ)፡ ንምዕደኩም ኣሎና።” 2ይ ቈረንቶስ 6:1።

0 comments
Other Article