ከም ኩሉ ሰብ ዘይምንባር

Posted on 2012-03-27 · 1739 · 1 · 1

37 resources uploaded

ትምቢት ዳኒኤል 2
ግዚኡ ነበክዱናጸር ነጊስሉ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን እዩ። ኣማኸርቱ ስለ ዝደረኽዎ ሓደ ኣዋጅ ኣዊጁ። ብወርቂ ዝተለብጠ ምስሊ ኪገብር እም ኣብ ሓደ ቦታ ከቑሞ: ኩሉ ሰብ ድማ ኪሰግደሉ: ዘይሰገደሉ ድማ ተኣሲሩ ናብ ሓዊ ክድርበ ክእዝዝ እዩ ዝነበረ። እቲ ንጉስ ድማ ምኽሮም ስለ ዝሰመሮ: ሕራይ ብምባል ብሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኣጽንዖ። እዚ ድማ ኣዝዩ ጽኑዕ ዝኾነ ሕጊ ምንባሩ የመልክተና። ኣዝዩ ነዊሕ ዝቅሞቱ ብወርቒ ዝተለበጠ: ኩሉ ሰብ ዝርእዮ ምስሊ ድማ ተገብረ። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድምጺ መለኸት ምስ ዝሰምዕ ፍግም ኢሉ ኪሰግድ ድማ ተነግሮ። ነዚ ድማ ኩሉ ተቀቢልዎ እዩ። የግዳስ እቲ ነዚ ኣዋጅ ዝተቀበለ ህዝቢ ካብ ፍርሂ ድዩ ወይስ ካብቲ ንንጉስ ዝነበሮ ኣኽብሮት: ወይስ ሞጎስ ንጉስ ብምድላይ ወይ’ውን ካብቲ ንጉስ ዝረኽቦ ጥቅሚ ስለ ዝነበረ እዩ ዝተፈልጠ ኣይነበረን። ሐደ ነገር ግና ግሉጽ እዩ ነይሩ: ነቲ ዝተነግረ ኣዋጅ ዝሰዓረ: ካብቲ ዝነበረ ኣካይዳ ዝወጸ: ካብቲ ህዝቡ ተፈልዩ መከራ ኪጸግብ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ኣዋጅ ዘተግብሩ: ዝኸውን ዘሎ ዝጸናተዉ ኻድረታት ኣለዉ። ነቲ ዝተሰርዐ: ኩሉ ሰብ ንዝተቀበሎ ዝብድሁ: ኣንጻሩ ደው ዝብሉ ድማ ተቀላጢፍካ ናብ ንጉስ ንምምጻእ ዝተዓጥቁ: ገለ ተቖጺሮም ልኦት ድማ ብወለንታኦም: ዝሰርሑ ነይሮም እዮም። ስለ ዝኾነ ሓደ እካ ደፊሩ ንብጻዩ ንኽዛረብ ትብዓትን ምትእምማንን ዝረኸበ ኣይነበረን።

ገለ ንማንታይ ከም ዝትቀበልዎ ምስ ተሓትቱ ዝሃብዎ መልሲ እንተነይሩ: እንታይ ገዲሱና ነዛ ዘላ ተመሳሲልና’ዶ ንሓልፋ ወይስ ኣብ ርእስና ውርደት ከነምጽእ ዝብል እዩ ነይሩ። ገሊኦም ከኣ ደቀይ እሞ ብድሕረይ እንታይ ኩኾኑ እዮም: ዋላ እካ ኣነ እንተዘይተቀበልክዎ ምእንቲ ደቀይ ኪብል ኪገብሮ ይግደድ ዚብል እዩ። ካልኦት ከኣ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ግዲ የብሎምን። ክሳብ ዘይተተንከፉ ሃዲኦም ክሳዕ ዝነበሩ እንታይ ይኸውን ኣሎ ዘገድሶም ኣይኮነን። ኣብ ከባቢኦም ዝግበር ዘሎ ንምፍላጥ ወልሓደ ህንጡዩነት የብሎምን። ገሊኣቶም ድማ ካብ ንጉስ ዝረኽብዎ ጥቅሚ: ዝጽበይዎ ሽመት ስለ ዘሎ ምስ ሕልናኦም እናትባእሱ ንዕኡንምርካብ ምስ ንጉስ ዝውጽኦ ኣዋጅ ክመሳሰሉ ምኽሮም ቆሪጾም እዮም። ገለ ከኣ መቅርብ ንጉስ እዮም: ስለዚ ዝገብሮ ምሕታት ከም ምጥላም ስለ ዝቆጽርዎ: ብዝተኻእሎም መጠን ስለ ቤተ ሰብ ኢሎም ዘይኣምንሉ’ውን እንተኾነ ምስ ዘሎ ኣካይዳ ኪሰማምዑ ከም ግድን ዝቆጸርዎ እዮም። ገለ’ውን ክም ብሃም ኣድጊ ዝተባህሎም ከይመርመሩ ዝተቀበልዎ: ትኽኽል ዝመሰሎም ብሓጎስ እሺ ዝበሉ የዋሃት ኣይተሳእኑን።

ኣብ ማእከል እዚ ኹሉ ምንዋጽን ቅለትን ግና: ምስ ዝወጸ ኣዋጅ ዘይተሰማምዑ: ንዝግብር ዘሎ ትእዛዝን ስርዓትን ድማ ዘይተቀበሉ ሰለስተ ሰባት ተረኺቦም። እዞም ሰለስተ ሰባት ነቲ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ሰብ ዝተቀበሎ ኣዋጅ: ስርዓት እምቢ ንምባል: ትኽኽል ከም ዘይኮነ ድማ ንምዝራብ ደው ዝበሉ እዮም። ኣንጻር ጌጋ ዝተዓጥቁ ናይ ኣምላኽ ሰባት። ገጽ ሰብ ዘየፍርሆም: ገጽ ሰብ ርእዮም ድማ ዘየድልዉ: ኣንጻር ሓሳብ ኣምላኽ ዝኾነ ንምቕዋም ግምባሮም ከም ዓረ ዝገበሩ ጀጋኑ። ከም ጊደዎን እካ ፈሪህካ ኣብ መጽሞቅ ወይኒ ስርናይ ከም ዝዝበጥ ዝፈልጡ እንተነበሩ: ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ንዝጻላእ ልዕል ዝበለ ናይ ሰብ ኣጀንዳ: ካብ መዓሙቕ ዝኾነ ምኽሪ ንምቅዋም ህይወቶም ዝሃቡ ሓያላት ሰባት። እቲ ንኣምላኹ ዝፈልጥ ህዝቢ ከም ዝገብርን ከም ዝብርትዕን ዝተረድኡ መስተውዓልቲ። ክብረት ካብ ሰሜን ወይ ካብ ደቡብ: ወይ’ውን ካብ በረኻ ከም ዘይምጽእ ዝተረድኡ: የግዳስ እ/ሄር ንዝደለዮ ዘዋርድ ንዝደለዮ ድማ ዘኽብርን ዓስቢ ዝህብ ኣምላኽ ምኻኑ ዝተሰወጦም ብጹሓት ብኣምላኽ ብሩኻት እዩም ዝነበሩ። ንዘለዎም ምርዳእን ኣቓውማን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዉ እዮም። ኩሉ ግዜ ሓንቲ ዝመልሶም: ምምስሳል ዘይፈልጡ ጽኑዓት እዩም። ካብ ናይ ንጉስ ኣዳኸርትን: ካብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ መክራ ዘይፈርሁ: ናይ ኣምላኽ ሓሳብን መገድን ከም መልህቅ ነፍሲ ዝሓዙ እዩም።

ነዚ ዝነበሮም መርገጺ ዝተረድኡ መቅርቦም ግና: ንሓቂ ደው ምባሎም ከም ትዕቢት ዝለ ዝቖጸርዎ ትሕት ክብሉ መዓድዎም። ነቶም ነቲ ግጉይ ዝኾነ ኣዋጅን ኣካይዳን ተቀቢሎም ዝሰዓቡ መታን ክጠቅሙ ድማ ብህድኣት ተመሳሲሎም: ዝተባህሎም እሺ እናበሉ ተጸሚሞም ኪሓልፉ ኣትሪሮም መኸርዎም። ገለን ከኣ መርገጺኦም ከም ዘይቅይሩ ምስ ኣስተውዓሉ: ከም መዕገርገርቲ ቖጺሮም ንዘለዎም ርክብ ዝቆረጹ ኣለዉ። ገለ’ውን ዘላገጽሎም ዘባጨውሎም: ከም ሰንባኣጥን ጦብያን ዝነዓቅዎም ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን ኢሎም ዝሰሓቅዎም ኣይተሳእኑን። ገለ ከኣ ምርዳኦምን ትብዓቶምን ርእዮም ዝተቀበልዎምን ዘድነቅዎምን እካ እንተነበሩ: ደፊሩ ዝተጸምበሮም: ኣብቲ ዝነበሮም ኣምላኻዊ መርገጺ ምስኦም ዝተሰለፍ ግና ኣይነብረን። እዚ ኸኣ መግደራ እዩ።

እዞም ሰለስተ ሰባት ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ መከራ ዘየስተውዓሉ: ብሃውሪ ዝኸዱ ኣይነበሩን። የግዳስ ኣብ ኣምላኽ እምንተኦም ስለ ዝገብሩ ልቦም ጸኒዑ። ኣምላኽ ከም ዘናግፎምን ከም ዘኽብሮምን ልዕሊ ኽሉ ድማ ኣምላኽ ብእኦምን: በቲ ደው ኢሎምሉ ዘለዉ መገዲ ከም ዝኸብር ርጉጽነት ነይርዎም እዩ። ብኣንጻሩ’ውን ኣምላኽ ካብ ሞት ከናግፎም እንተዘይፈተወ: ስለ ስሙ ክሓስሩ ንሞት እንተኾነ’ውን ዝተዳለዉ እዮም። ህይወቶም ንኣምላክ ዝገበሩ: ምማት’ውን ንረብሓኦም ምኻኑ ዘስተውዓሉ ብጹሓት አዮም ነይሮም። ከም ኩሉ ሰብ ከይነብሩ ምኽሮም ስለ ዝቆረጹ: ስለ ስሙ መከራ ክጸግቡ ነዚ ሓሳብ ከም ኣጽዋር ስለ ዝሓዙ: ተቢዖም: “ኣምላኽ ከድሕነና ይኽእል አዩ: ከድሕነና እንተዘይፈተወ ድማ ነዚ ዘቆምካዮ ምስሊ ኣይንሰግዲን ኢና” በሉ። ልቦም ብኣምላኽ ስለ ዝተብዐ ድማ ተቢዖም: “ እ/ሔር ረዳእየይ እዩ: ሰብ’ከ እንታይ ከይገብረኒ በሉ” ልዕሊ ኩሉ ድማ ክብረት ካብ ሰሜን ወይስ ካብ ደቡብ: ውይ’ውን ካብ በረኻ ከም ዘይኮነ: ኣምላኽ ፈራዲ ሙኻኑ: ንሱ ንዝደለዮ ክብ ከም ዘብሎ: ንዘይደለዮ ድማ ከም ዘዋርዶ ተሰዊጥዎም ስለ ዝነበረ: ንንጉስ ኮነ: ነቲ ዝኣወጆ ኣዋጅ ከም ግዛዕ ኣይቆጸርዎን።

ብእምነት ደው ስለ ዝበሉ ሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ። ኩራ ሰብ እይወሓጦምን። ጸጉሪ ርእሶም እንተኾነ ኣይቓደረን: ጨና ሓዊ’ውን ኣይሓለፎምን። ኣብ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ንትእምርትን ንተኣምራትን ስለ ዝኾኑ: ነቲ ካብ ኣፎም ዝወጽእ ቃል ኩሉ ሰብ ንኽሰምዕ ኣእዛኑ ኣቅኒኑ። ኣምላኽ ስድራቅ ሚሳቕ ኣምላኽ ኣብደኔጎ ድማ ይባረኽ ተባሂሉ። ከም ኣምላኾም ዝበለ ከም ዘየለ ምእማን ኮይኑ። “ብዘይ እምነት ግና ሓደ እካ ንኣምላኽ ከስምሮ ዝኽእል የልቦን” ዝብል ቃል ኣባታቶም ሓቂ ኮይኑ። ነቲ ዘይርአ ተረዲኦም ስለ ዝነበሩ: ሓይሊ እታ ትመጽእ ዓለም ኣብ ህወቶምን ኣገልግሎቶምን ተገሊጹ። ከም ኩሉ ሰብ ብምኽሪ ሰብ ከይነብሩ ብእምነት ደው ስለ ዝበሉ: ኣብ ወለደኦም ንምስክርነት ኮኑ። ምስቶም ናይ እምነት ኣቦታት ተቆጺሮም: ንመዘከርታ ታሪኾም ተጻሒፉ።

ኣምላኽ ታሪኽ ክቅይር: ስሙ ኣብዛ ምድሪ ከጸውዕ ሒደት እዮም ዘድልይዎ። ኣብ ብዙሓት ተወኪሉ ኣይፈሊጥን: ብብዙሓት ድማ ምድሓን ኣይገበረን። ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ቅልጽሙን ስለዝተኣማመን: ሓደ’ውን ኣንተኾነ ንዑኡ እኹል እዩ። እዚ ኣብ ኣብርሃም: ሙሴ: ሲምሶን: ጊደዎን: ዳዊት..ተገሊጹ እዩ። ኣምላኽ ዝጠልቦ እንተሃለወ ልቡ ን ኣምላኽ ትሕጃ ዝሃበ: ርኹስ ከይትንኪ ከም ባህሊ ሰብን ከም ጥበብ ዓለም ድማ ከይነብር ብልቡ ዝሓለነ እዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ: ኣምላኽ ኣብ ኩሉ መኽበር ስሙ ይገብሮ: ልዕሊ ህዝቡ ድማ የቀምጦ። ካብ ሓይሊ ሓዊ የናግፎ: ኣብ ቅድሚ ነገስታት ድማ የኽብሮ። ኣብ ኩሉ መመስገኒ ስለ ዚገብሮ: ሰባት መጎሱ ከም ዝደልዩ ይገብሮም። እቲ ኣብ ቅዱስ ቃሉ እተጻሕፈ ከምዚ ኪብል: “ክርስቶስ ኣባኹም ኪኸብ ንስኻትኩም ድማ ብእኡ ኽትከብሩ ነታ ዝተጸዋዕኩሙላ ጽውዓት ብቁዓት ክትኮኑ” ተፈጻምነት ይረኽብ።

ጻድቅ ብእምነቱ እዩ ዚንብር: ክፉእ ድማ ኣይፈርህን።

1 comments

· 2012-07-17
ኣምላክ ይባርካ ናይ ብሃኪ ዳስ ዘአብል ካል!
Other Article