ወዳጀ ምሕረትን ፍቕርን ኣምላኽ

Posted on 2014-03-01 · 1453 · 0 · 0

30 resources uploaded

“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፋእን ዚፈልጥ ኮይኑ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ ንዘልኣለም ከኣ ህያው ኾይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡ ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዐይያ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤድን ኣውጽኦ። ከምኡ ንኣዳም፡ ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ ኣተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ፡ ኩሩቤል ኣቐመጠ።” ዘፍ 3.22-24

ኣብዚ እ/ግ ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤድን ምውጻኡ፣ እቲ ንደቂ ሰባት ዝዓበየ ምሕረቱን ፍቕሩን ዝገለጸሉ እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት እንተ ዘየውጽኦም ነይሩ ከምቲ ንሰይጣን ዳግም ክንሳሕ ዕደል ዘይብሉ፣ ደቂ ሰብውን ናብ ከምኡ ኩነት ምኣተዉ ነይሮም እሞ፣ ንዘልኣለም ካብ ኣምላኽ ተፈሊና ብዘይ ንስሓን ዳግም ምውላድን ምጠፋእና ኔርና። እቲ ከምዚ ዘብለና ዘሎ ከኣ እ/ር ባዕሉ ከምዚ ኢሉ ስለዝገለጸልና እዩ “ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ ንዘልኣለም ከኣ ህያው ኾይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡” ዘፍ3.22። ሰብ ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ኩሉ ብዘይካ ካታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ኩሉ ክበልዕ ተፈቒዱሉ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ካብታ ኦም ህይወት በሊዑ ንዘልኣለም ህያው ኮይኑ ምስ ኣምላኽ ክነብር ዕደል ተዋሂቡዎ ማለት እዩ። ነገር ግና ሰብ ካብ ኦም በሊዑ ምስ ኣምላኽ ንዘልኣለም ካብ ምንባር፣ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ክልክልቲ ኦም በሊዑ ንመንነቱ ኣበላሽዩ። ስለዚ ሰብ ብሓጢኣት ምስ ተበላሸወ፣ ኣምላኽ ስጉምቲ ከይወሰደ ሱቕ/ትም እንተ ዝብል ነይሩ እንታይ መጋጠመ ነይሩ፧ እቲ መልሲ ከኣ ኣምላኽ ባዕሉ ሂቡና ኣሎ ከምዚ ከኣ ይብል ““ሕጂ ኸኣ (ድሕሪ ብሓጢኣት ምብልሻዉ/ምውዳቑ) ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ ንዘልኣለም ከኣ ህያው (ዝተበላሸወ ግናኸ ህያው ንዘልኣለም ዝነብር) ኾይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡” ዘፍ3.22።” እዚ ማለት ምስ ሓጢኣቱ ክዕረ ዘይክእል ኮይኑ ንዘልኣለም ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ምነበረ ነይሩ። ወዳጀ ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ንሰብ። ስለዚ ኣምላኽ ንሰብ ካብ ገነት ኤድን ንግዜኡ ምስጓጉስ መግለጺ ፍቕሩ እምበር መግለጺ ጽልኡ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ ሰብ ካብ ገነት ኤድን ምስጓጉ ንጽቡቑን ንምድሓኑን ድኣ እምበር ንጥፍኣቱስ ኣይነበረን። ኣምላኽ ካብ ገነት እንተ ዘይጎም ነይሩ ኣዳምን ሄዋንን ዘርኦምን ካብታ ኦም ህይወት እንተ ዝበልዑ ነይሮም፣ ንዘልኣለም ዘይድሕኑን ክድሕኑ ዘይክእሉን ብሓጢኣት ዝተበላሸወ መንነት ሒዞምን ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ኣብ ሲኦል ምኾነ ነይሩ ስፍርኦም። “ስለዚ እቲ ንሱ ንሽዑ እተፈልየካ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ እዩ ዚኸውን።” ፊል15። ስለዚ እቲ ንሽዑ (ንግዜኡ) ካብ ገነት ኤድን ምስጓግናስ፣ ካብ ኣምላኽ ከኣ ምፍላይና፣ ኣምላኽ ንሓዋሩ (ንዘልኣለም) ብክርስቶስ ገይሩ ክመልሰናን ክረኽበናን ስለዝደለየ እዩ ዝነበረ።

ከመይ ዓቢይን ፈቃርን ኣምላኽ እዩ ዘለና። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ብክርስቶስ የሱስ ስለ እታ መግለጺ ዘይብላ ፍቕሪ ክብሪ ንእኡ ንበይኑ ይኹን። ብፍቕሪ ኣምላኽን ምሕረቱን ደስ ይበለና።

0 comments
Other Article