Literature

POEM

. . . ልቢ ኸዕብየልና

ብ ኤርምያስ ጸጋይ(ETB) Download | Comment | Share Share

ሰብ ምዃን ውህብቶ'ዩ ናይ እዝጊ ግንዖ
ፈጣሪ ኹላ ዓለም ካብ ጥንቲ ዝሰርዖ
ውሱን ዕድመ ኽነብር'ዩ እተሰልዖ
ልብና ነጠንቅቕ እዚ ኸይዝንግዖ/2

ኣብዚ ዘመን እወ ኣብዚ እዋን
ልቢ ስሕዩ በዚሑ ምትዕናን
ልቦና ምስ ጠፍአ ገዚኡ ምትፍናን
ህውከት ኣይተጸልአን፡ ኸይንናፍቕ ንደሓን/2
ዕርቂ ክኸውን ነገር ኽጥሓን
ሰላም ክነግስ ጓህሪ ፍቕሪ ኽስሓን
ይቕረ ደኣ ንበል ገበርቲ ሰላም ንኹን
እከይ ንጽላእ ናብ ሰናይ ንወግን/2

መን'ዩ'ሞ ሎሚ ዝሓሊ ንብጻዩ
ጠፊኡ እቲ ሕልና፡ ትምኒት ዛይዱ
ልቢ ምስ ሸፈተ፡ ኣንፈት ስሒቱ
ትዕቢት ወጢርዎ ዓመጹ በዚሑ/2

ኹሉ ኣብ ብጻዩ ምስ ኮነ ዳይና
ቕንዕና ሃዲማ፡ ፍጹም ተሳኢና
ፍቕሪ'ውን ኮይና ንልቢ ጓና
ኡይ በሊ! ኣእውዪ ሕልና
እዝጊ ኽረድእ ልቢ ኸዕብየልና/2
 . . . . . . . . . .* * * . . . . . .
"እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዚዝምብል ሰብ ኣብ ኣኼባ ምዉታት ይነብር።"(ምሳሌ 21: 16)

Comment
Be the first to post your comment!!
Conference AD