Literature

POEM

እግዚኦ ንበል !

ብ ኤርምያስ ጸጋይ(ETB) Download | Comment | Share Share

ከመይ 'ዩ ጉዳይ ሎሚ ከመይ'ዩ ነገሩ
በዚሖም 'ዶ ሓቀይ እንዳ ግኒ ዝዕስከሩ
ሕልና ጸቒጦም ብነገር ዝሰኽሩ
ንጥጅእ ዘረባ ከም ጽራይ ዘቃርሩ

እንታይ'ዩ ኾይኑ እዚ ሰብ ሎሚ?
ኣስናኑ እናስሓቐ ውሽጡ ዝደሚ
ኣፉ እናመረቐ  'ቲ ልቡ ረጋሚ
ብስስዐ መሊኡ ገዛእ ሓዉ ዘጓኒ
ኣብ መጋርያ ጽልኢ ኾፍ ኢሉ ሰሓኒ
ቕንዕና ሓዲጉ ክኸውን መሪጹ ዓማጺ

መሓረና ክርስቶስ ንበል ክትፍወስ 'ዛ ነፍሲ
ፍትሓት ክህበና ካብቲ ሕሱም ግኒ
ንልብና ኽመልሶ ኽንድሕን ካብ ደግሲ
ምንኻስ ተሪፉ ኽነግሰልና 'ቲ ፍቕሪ
ክወርደና ሰላም ርሒቑ 'ቲ ጽልኢ
እግዚኦ ንበል ኣሕዋት ኽንረክብ ፈውሲ

ጎይታ ብምሕረቱ ክህበና መፍትሒ
ከንቱ ኽገብረልና ናይ እኩያት ሽርሒ
መሓሪ'ዩ ንትሑታት፡ ጸረ በዓል ከይሲ
ብፍጹም ኣይሐልፍን ንዓመጽ ብዘይ ፍርዲ
ምለሰና ደኣ ንበሎ ኣምላኽ 'ዩ መላሲ
ባዕሉ ከጽንዓ ኸበርትዓ 'ዛ ነፍሲ
ኾለልና ኣብቂዑ ክኾነልና መልሲ
እግዚኦ ንበል ኣሕዋት ኽቕልጥፍና 'ቲ ፈውሲ
. . . . . . . . . . * * * . . . . . . . . .
"እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሄር።"(ት. ዮኤል 2 :12)

Comment
Be the first to post your comment!!