Literature

DEVOTIONALS

ጽድቅን ፍቕርን ኣምላኽ

ብ beteZION Ministry Download | Comment |

ኣብ ናይ ፊዚክስ ትምህርቲ ብዛዕባ ዓንኬላዊ ምንቅስቓስ (circular motion) ክትመሃር እንከሎኻ ክልተ ዓይነት ሓይሊ ከምዘሎ ይንገር። ካብቲ ማእከል ዓንኬል ንደገ ዝደፍእ - ሰንትሪፊጋል (centrifugal) ዝበሃል ሓይልን ናብቲ ማእከል ዓንኬል ዝስሕብ - ሰንትሪፒታል(centripetal)ዝበሃል ሓይልን እዮም። እዞም ክልተ ሓይልታት ድማ ንሓደ ነገር ኣብ ዙርያ እቲ ዝስሕቦምን ዝደፍኦምን ጸኒዖም ክዞሩ ይገብሮም። ጽድቅን ፍቕርን ኣምላኽ ድማ ከምኡ ኮይኖም ይስምዑኻ።

ኣምላኽ ጻድቕ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ኣበሳ እንተዝቆጻጸር፡ ሓጥኣን ስለዝኾንና፡ ጽድቁ ካብኡ ደፊኡ ኣብ ቅድሚኡ ክንቀውም ኣይመኽኣለናን። ግናኸ ሳላ ፍቕሩን ሳላ ምሕረቱን ናብኡ ክንቀርብ ዕድል ረኺብና። ከምቲ እቲ ዘማራይ ኣብ መዝ.32፡1 ዝበሎ "ኣበሳኡ እተሐድገሉ፡ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።" እዚ ብጽእና እዚ ብክርስቶስ ስለ ዝረኸብናዮ ድማ፡ ብትብዓት ኣብ ቅድሚኡ ክንቀውም ክኢልና።

3 comments
Kebreab Ymesgen ተባረኹ ቤተ-ጽዮን!
January 27, 2012 at 10:24pm
Abel Zerazion ንኣኻም ጐይታ ይባርኽካ፡ ክብረኣብ!
April 05, 2012 at 6:55am
Goitomuzit Asher Ashriel Ashley ጐይታ ይባርኽካ ኤርሚ ሓወይ!
November 07, 2014 at 2:04pm
Post your comment