Literature

ARTICLE

ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምንባር

ብ ናሆም ተስፋስላሴ Download | Comment | Share Share

እግዚብኣብሄር ኣብ ታሪኽ ናይ ደቂ ሰባት ባህሪያቱን ኣክይዳኡን ዘይልወጥ ስለ ዝኾነ፣ ይጽውዕ አምበር ኣይጽዋዕን፡ ይስሕብ አምበር ኣይሰሓብን።ነዚ ቃሉ፣ መዝ119:89-90 ከነጽረልና ከሎ፣ “ዎ እግዚኣብሄር፣ ቃልካ ንዘለአለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ ኣሎ። ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ” አንዳበል ቃሉ ፍጹም ከም ዘይልወጥን እታ ናብ ሂወት ትመርሕ ሓቂ ውን ኣብ ዘመናት ከምዘይተቐየረት ይገልጸልና። ስለዚ ክንድሕን አንተድኣ ኾይንና፥ ናብቲ ዘይናወጽ ከረኑ ክንድይብ ከም ዘለና ደጋጊሙ ይምዕደና። አግዚኣብሄር ንሎጥ ካብቲ ቁጥዓ ናይ ሶዶምን ጎሞራን ክንሕፎ ምስ ደለየ፥ ናብቲ ከረን ኣቢሉ ክድሕን ኣብ ዘፍ 19:17 ከም ዝኣዘዞ ይነግረና። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ መዝ 91: 9-12, “ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፥ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ።አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ አብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።” ዝበሎ አግዚኣብሄር ንሎጥ መላአኽቱ ሰዲዱ፥ ብኢዶም ሒዞም ክሳዕ ዘውጽእዎም ካብቲ ከቢድ ጥፍእት ከመይ መዕቆቢ ከም ዝኾኖም ይገልጸልና። ካብዚ አቲ ዝዓበየ ክንርድኦ ንኽእል አምበኣር፥ አግዚኣብሄር ባዕልና ብዝገበረናዮ ጽቡቕ ስራሕ ዘይኮነ፥ ቅድም ናብቲ ንድሕነሉ ከረን ዝዓደመናን ዝጸውዓናን ንሱ እዩ። ከድሕነና ከሎ ገና ሓጥኣን ከሎና አዩ ኣብ መስቀል ሞይቱልና፥ ምስ ኣመንናዮ ድማ ብሞቱ ተጠሚና ኣብ ቅዱስ ከረኑ ክንቅመጥን ንኩሎም ቅዱሳን ውን ደቂ ዓዶም ክንከውን ኣኽኢሉና። ስሙ ይመስገን። ኣብ አብ12:20-24,” ንሳቶም፡ እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንከየ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት፡ ዚብል ትእዛዝ ኪጸርዎ ኣይተኻእሎምን። ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን አሎኹ፡ ክሳዕ ዚብል፡ እቲ ትርኢቱ ክሳዕ ክንድዚ ዜፍርህ ነበረ። ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌም ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ ናብ ጉባኤ ዅሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኵሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማን ጻድቃንን፡ ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም አሎኹም።” እንዳበለ ብደም ገንሸል ጎይታና የሱስ ካብቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ቅዱሳን ዝበልጽ ክቡር ስፍራ ከም ዘቐመጠናን ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ባዕሉ ከኣልቲ ከም ዝገበረና ይነግረና።
እምበኣር እቲ እግዚኣብሄር ዝነብረሉ ከረን፥ ንሰብ እቲ እንኮ መዕቆብን መህድእን ምዃኑ ኣብ መዝ46:10-11፥ “ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ። ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።” እንዳበለ ኣብኡ ጥራይ ክንውከል ይምዕድ። እዚ ከረን አዚ ግን ኣምላኽ ሓንሳአ ብጸግኡ ምስ ኣደየበና ውረድ ዝብሉና ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ኩሉ ግዜ ኣብዚ ከረን እዚ ምስ አግዚኣብሄር ጥቡቕ ሕብረት ክህልወና ይግባአ። ኤልያስ ሓደ ግዜ ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ውረድ ዝብልዎ ምስ መጹ፥ ሓዊ ካብ ሰማይ መጺኡ ከም ዝበልዕም ኣብ 2 ነገ 1:9-10 ይነግረና። ኣብዚ ከረን እምበኣር ሰይጣን ክቐርቦ ፍጹም ዘይክእል፥ ግና ብሓሶትን ክፉእ ሓሳስባትን ንሰባት ከርዶም ወትሩ ምስ ጸዓተ እዩ። ኣምላኽ ሓደ ህያው መኣዝን ሓደ ህያው ከውሕን ክርስቶስ ምዃኑን ህዝቡ ድማ ኣብኡ ፍጹም ክንውከሉ ይምዕድ። ጸላኢ ኸኣ ብዙሕ ናይ ጥፍኣት በረኽቲ አንዳኣርኣየ፥ ከምቲ ንይሁዳን አስራኤልን ንዘመናት ዘጋገዮም፥ ነቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘርከብና ድማ ናይ ክርስቶስ ትውክልቲ ዘይብሉ ትምህርቲ አንዳ ኣርኣየ ናብ ዓሞቕቲ ከውርደና ይደሊ። ሓደ እኳ ካባይ ዘይብለሉ ፍጹም ምድሓን ኣምላኽ ብጸጋኡ ንኹላ ዓለም ተገሊጹ ክነሱ፥ ጸጋ ኣምላኽ አንታይ ምዃኑ ብልክዕ ዘይርድኦ መእመን ውሑድ ኣይኮነን። ጸጋ ኣምላኽ ከም ዘድሕን ጥራይ እምበር ከም ዝምዕድ ዘይነስተውዕ ክንደይ ኢና። ኣብ ቲቶ 2:11-13,” ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ።” አንዳበለ ልብና ኩሉ ግዜ በዚ ጸጋ አዚ ክጸንንዕ አሞ፥ ሰይጣን ክረኽቦ ኣብ ዘይክእል፥ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ አተሰወረት ሂወት ሒዝና ክንመላለስ ይደልየና። መንፈስ ቅዱስ እምበኣር ኣብዚ ውሑስ ከረን፥ ኣብ ጸግኡ ኩሉ ግዜ ክንውከል ይምዕደና እዩ። ኣምላኽ ከም ፍቓድ ዘይብሎም ሓወልቲ ዘይኮነስ ኣብቲ ቕዱስ ከረኑ ተኺሉና፥ ኩሉ ግዜ ኣቦን ወድን ኮይንና ንኹሉ ሓሶት ሰይጣን ጸማም እዝኒ ክንህብ ይደልየና። ዘማራይ ዳዊት እቲ ቐንዲ ምስጢር ናይ ዓወቱ ኣብ ኣምላኽ ምውካል እዩ ኔሩ። ኣብ መዝ 52:8, “ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ እየ፣ ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለአለም ኣለም እውከል።” እንዳበሉ ንፍቓድ እምላኽ ኣገልጊሉ ከም ዝሓለፈ ንርኢ።
እምበኣር ከምቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ መዝሙር ንሰምዕዖ፥ ኣብ በረኽቲ ቦታ ነግዚኣብሄር ክንዝምረሉ ኢና ክንብል ከሎና፥ ምስ ሓውና ሓፍትና እንዳተዃረናን እንዳተቐያየምናን ፥ ወይ ኣብ ድላይና እንዳወዓልና ዘይኮነ ንኹሉ ግፍዕን ዓለማውነትን ክሒድና እንተገበርናዮ እዩ። ኣብ መዝ 15፡1-5, “ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣ ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።” እንዳበለ ኣምላኽ ብምሕረቱ ናብዚ ከረን ከደይበና ከሎ ንዑ እንዳመስልና፥ ከም ሙሴ ብርሃንና ክደምቕ እምበር፥ ሓሳባት ገዛእ ርእስና ክንገብር ኣይኮነን። ክርስቶስ የሱስ መሰልናን ነገርና ክውድእ ከሎ ንስጋን ዓለምን ሰይጣንን ፍጹም ስዒሩ እዩ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚቱ። እቶም ናቱ ዘበሉ ድማ ኣብዚ ቅዱስ ከረኑ ብመንፈስ ንኹሉ ሰዓርቲ ኮይኖም ክመላለሱ ይደሊ። ሰሙን ምሉእ ልብናን ሓሳብናን ብናይ ሓልዮት ሓዳርን ካልእ ነገራትን መሊኡ ከሎ፥ ሰምበት ተቓሊስና ናብ ቤት-ክርስትያን ብምርካብና፥ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ንመላለስ ዘሎና ኮይኑ ከይስምዓና ነዚ ነስተውዕሎ።ከምቲ ቅዱስን መዕረፍን ከረን ዘሎ፥ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ናይ ሂወት ኣይትሓልፍን ኢኻ ዝብሉ ከለከልቲ ኣኽራናትውን ከም ዘለዉን፥ ብመንፈስ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ብሓይልን ብኽእለትን ከም ዘይስገሩን ዘካ 4:6-7 ይነግረና። ከምቲ ጎይታ መንፈስ እዩ ህያው ዝገብር ዝበሎ በቲ ዘይጠቅም ስጋዊ ሂወት ምንባር ሓዲግና ብመንፈሱ ምስ ተመላለስና ጥራይ እዩ ኣምበኣር እዚ ከልካሊ ከረን ጎልጎል ዝኸውን። ስለዚ ብስጋ እንተተዋጋእናን፥ ናይ ዂናት ቃላት እንተኣብዛሕናን እቲ ኣብ ሃዋርያት ዝሰርሐ ቅዱስ ስም ንሕና ብዘይምቕዳስና ኣብ ሂወትና ኣየስልጥን።
ካብቲ ኣዝዩ ባህ ዘብል ነገር ናይዚ ከረን፥ እዚ ቅዱስ ስፍራ ንኹሉ ዝርአ ኣብ ዝበረኸ ቦታ ኮይኑ ዝበርህ፡ ሰብ ካብ ርሑቕ ስፍራ ርእይዎ ከይተጋገየ ክቐርበሉ ዝኽእል ግሉጽ ስፍራ ምዃኑ እዩ። ሰብ ግና ካብ ብርሃን ጸልማት ስለ ዝመርጽ ነቲ ንኹሉ ሰብ ምድሓን ዘምጽአ ጸጋ ኣምላኽን ሓቁን ገዲፉ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ በረኽቲ ይመላለስ ኣሎ።ሰብ ጥበብ ካብ ምብራቕ ካብ ርሑቕ ስፍራ ፥ በቲ ብርሃን ናይቲ ኮኾብ ተመሪሖም ናብ ጎይታ ከመጹን ክሰግዱን፥ እቶም ጸልማት ዝመረጹ ብዙሓት ደቂ ዓዱን ፈሪሳውያንን ግና ነዚ ህያው ከውሒ ከም ዝነዓቕዎ ኢና ኣብ ቃሉ ነንብብ። ከምቲ ለባማት ኢና እዳበሉ ዓሸዉ ዝብሎ ግና፥ ዓለም ብጥበብ ጌራ ንኣምላኽ ክትረኽቦ ከም-ዘይትኽእል ንርዳእ። እዛ ጥበብ ናይ እምላኽ እምበኣር ኣብ በረኽቲ ኮይና ትጽውዕ ኣላ። ኣብ ምሳ 8:1-7፣ “ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ∶ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ∶ ኣብ ጫፍ በረኽትን፡ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢላ፡ ኣብ ጥቓ ደጌታት፡ ኣብ መእተው ከተማ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር፡ ኣቱም ሰባት፡ ንኣኻትኩም እጽውዓኩም ኣሎኹ፡ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ። ኣቱም ዓያሱ፡ ኣእምሮ ተምሀሩ፡ ኣቱም ደናቝርቲ ኸኣ፡ ለብሙ። ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኸፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኽዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከኣ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ።” አንዳበለ እቲ ለባም ሃዲሙ ዝጽግዓሉ ከረን እግዚኣብሄር ከመይ ግሁድን ንኹሉ ዝኸውን መዕረፍን ምዃኑ ይነግረና። ስለዚ ከምቲ ሙሴ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ዝፈርህን ዝምብድበድን ዝነበረ፡ እቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብክርስቶስ የሱስ ዝበለጸን ዝኽበረን ኣገልግሎት ዝረኸብና ብጥንቃቐ ክንመላለስን በቲ ናይ ጥበብ መጀመርታ ዝኾነ ፍርሃት ኣምላኽ ክንነብርን ኣምላኽ ምስትውዓልና ይኽፈት።


Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = 6q1usee8dt5