Literature

ARTICLE

ትሕትንኣ

ብ ኣማኒኤል ግደይ Download | Comment | Share Share

#ትሕትና ማለት ጽቡቕ ጠባይ ምህላው ምስ ኩሉ ሰብ ልኡም ምኻን ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት ዘለካ ኣመለኻኽታ ዝተፈወሰን ካብ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዚብል ሓራ ዝወጸን ናይ ጎይታ ሓሳብ ብምሕሳብ ንኻልኦት ብኣርኣያ ምግልጋል ማለት እዩ።
#ፊልጲ2፡2-11

ሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ።
ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሐደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ።
ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።
እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።
ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን።
መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ።
ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።
ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ።

Posted by:
Amanuel Ghidey
Oct 05, 2017

0 Comments
33 Views

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = 0ld4dcw5xrw