Literature

ARTICLE

ስለ ስድራ ቤቱ ዝዋጋእ ሰብኣይ (ቀዳማይ ክፋል)

ብ ሳምሶን ም-ኣብ Download | Comment | Share Share

1ሳሙ30

እዚ ምዕራፍ ብምልኡ ብዛዕባ ዳዊትን ሰቡን ምስ ንጉስ ኣኪሽ ምስደቂ እስራኤል ክዋግኡ ኣንስቶምን ደቆምን ዘለዎም ኩሉ ገዲፎም ምስ ከዱ ዝዀነን፣ ምስ ተመልሱ ዝጸንሖምን ዝሃብዎ ምላሽን'ዩ ዝትርኽ። ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንጺቅላግን ሓደጋ ወዲቖም፣ ነንስትን ኣብኣ ንዝጸንሑ ዅሎምን ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾም፣ መገዶም ከዱ። ዳዊቱን ህዝቡን ምስ ተመልሱ፣ ዝዀነ ምስ ረኣዩ ልቦም ተዘቢሑ፣ ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ኸኣ ዓው ኢሎም በኸዩ። (1ሳሙ30) ኣንስቶምን ደቆምን ብኣማሊቃውያን ከምዝተማረኹ ምስ ረኣዩ ምሕዛኖምን እምባዛ ምጉሃዮም ግቡእ'ዩ ነይሩ። ክሳብ ክንድኡ ኣብ ዳዊት ክንድሩ'ኳ እንተዘይነበሮም፣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ምብካዮም ሕቶ ዘየድልዮ ግብረ መልሲ'ዩ። ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ደኣ ኰይኑ እምበር፣ ጎሮሮኦም ክሳብ ዝልሕትት ምብካዮም ክውሕድ ከማን። ሰበይቱን ደቁን ብጸላኢ ዝተማረኽዎ ሰብኣይ ክሓዝን ክበኪ ግቡእ'ዩ። ካብኦም ንላዕሊ ዝቀርቦ የብሉን። ካብቲ ኣብኡን ኣዲኡን ገዲፉ ምስ ሰበይቱ ዝጠበቀላ መዓልቲ፤ ሰብኣይ ናይ መጀመርያ ሓላፍነቱ ስድርኡ ስለ ዝዀኑ፤ ኣብኦም ዝኸውን ብቀጥታ ክጸልዎ ናይ ግድን’ዩ። በቶም እ/ሔር ዝጸልኦምን ዝፍንፍኖም ኣማልቃውያን ምምራዀም ከኣ ድርብ ሓዘን'ዩ ነይሩ። ንድኹም ዘጥቅዑ፣ ምሕረትን ድንጋጸን ዘይነበሮም ጸላእቲ'ዮም።(ዘዳ25፣18) ንጉስ ሳኦል ብጥራስ ኣጥፊእዎም እንተዝኸውን፣ እዚ ዝገጠሞም ፈተናን ክሳራ ኣይምበጽሖምን። ግን ክኣ ብምልኣት ንእ/ሔር ዘይምእዛዝ፣ ነቲ ዘይእዘዝ ጥራይ ዘይኰነ፣ ንወለዶ ዝገድፎ ፈተናን መከራን ከም ዘሎ መን የስተውዕሎ? ኣብዚ ጥቅሲ 1ይን 2ይን እንተነቢብና ከኣ ንሓሳብና ዝስሕብ ገለ ነጥብታት ንርኢ።

1. ሓደጋ ወዲቆም

ጸላኢ እመጽእ ኣለኹ እናበለ ዝመጽእ እንተዝኸውን፣ ኩሉ ተዳልዩ ገዝኡ ምሓለወ። ግና ከምኡ ኣይኰነን። የሱስ ከምዚ ኢሉ፣

"ግናኸ ፍለጡ፡ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን" ማቴ24፣43።

ብዘይፈለጥካያ ግዜ ኣዳህሊሉ'ዩ ዝመጽእ። ኣብዚ ታሪኽ እንተርኢና ድማ ዳዊትን ሰቡን ምስ ንጉስ ኣኪሽ ምስ ከዱ፣ ኣማልቃውያን ዝቃወሞም ዘየለ ኩሉ ብዘይ ሓላዊ ምኻኑ ምስ ፈለጡ፣ ኣብ ድንኳውንቲ ዳዊትን ህዝቡን ሓደጋ ወዲቆም። ናይ ጸላኢ ስልቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ዘይተዳለኻሉ፣ ብዘይተጸባኻዮ ግዜ ሓደጋ ምውዳቅ'ዩ። ስለዚ ድማ'ዩ ኩሉ፣ ኣብ ኩሉ እዋን ነቂሑ ስድርኡ ክሕሉ ዘለዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፣

"ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ንቕሑ።(1ጰጥ5፣8)

ብዓቢ መጠንቀቅታ ዝጻሓፎ ይመስል። ተጠንቀቁ ምባሉ ድማ ግቡእ'ዩ ምኽንያቱ ቅንያቱ ክፉእ ስለ ዝዀነ። ሓይልታት ጸልማት ኣንጻር ሓሳብ ኣምላኽን ነቶም ንፍቃድ ኣምላኽ ንምግልጋል ደው ክብሉ ዝደልዩ ንምቅዋም ብሓይሊ ዝተስእሉ እዋን ስለ ዘለና። ነዚ ኣብዚ ተጻሒፉ ዘሎ ንኽትገብሮ እንተ ተጠንቀቅካ...ተባሂልዎ ኣሎ ነቲ ንውግእ ዝወጽእ ዝነበረ እያሱ። ስድራ-ቤት ከም ፍቃድ ኣምላኽ ንምኻን ዓቢ ውግእ ከም ዘሎ እንተዘይተረዲእና፣ ንሓሳብ ጸላኢ ዝተሳዓርና ከይንኸውን ክንጥንቀቅ ኣለና። ብዛዕባ መንፈሳዊ ውግእ ክዛረብ ኢለ ኣይኰንኩን። የግዳስ ሰብኡት ኣብ ሓዳሮም ክጥንቀቁ ከም ዘለዎም ንምዝኽኻር'ዩ። ስጋዊ ሓሳብን ዓለማዊ ምህሮን ኣብ ኣፍ-ደገ ነፍሲ ወከፍ ስድራ የንኳሕኩሕ'ዩ ዘሎ። ነቶም ብጸሎት ብምህሮ ቃል ኣምላኽ ዘይነቅሑ ኣመንቲ ሰብኡት፣ ዝበጽሖም መከራ ኣዝዩ እናዝበዝሐ'ዩ።

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፣ ምሕላው ስድራ-ቤት ሓላፍነት ሰብኣይ እዩ። ከም ንቁሕ ወተሃደር ስድራኡ ክሕሉ ግብእ ኣለዎ። ኣብ ቦትኡ ዘይተረኽበ ሰብኣይ፣ ስድራቤቱ ከምቲ ከልካሊ ዘይብላ ከተማ ንኹሉ ዝተጋለጸት'ያ ትኸውን። ዝዀነ ክኣትዋን ክወጻን ዝኽልክል የለቦን። ሰብኣይ ሓላፍነቱ ስለ ዝረስዐ፣ ከየስተውዓለ ልቢ ሰበይቱ ዝሰኣነ፣ ጊዜን ፍቅርን ስለ ዝኸልኣ ካብ ካልእ ከተናዲ ኢላ ገዛ ገዲፋ ዝወጸት እሞ ብኻልእ ዝተጠልፈት? ወዱ ብግቡእ ክከታተልን ስርዓት ክምህርን ስለ ዘይከኣለ: ወዱ ብሕማቅ ኣዕሩኽ ተጠሊፉ ኣብ ዘይከውን ዝወደቀ: ጸኒሑ ድማ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ? ጓሉ ዝከታተላ ስለ ዝሰኣነት ተዓሽያ ካብ ካልእ ትረኽቦ መሲልዋ፣ መጻወቲ ብዙሓት ኣወዳት ዝዀነት፣ ጸኒሓ ድማ ዘይደለየቶ ጥንሲ ሒዛ ዝመጸት? በዚን ካልእን ልቡ ዝተሰብረ፣ እንታይ ከም ዝዀነን ዝገብረን ክርድኦ ዘይከኣለ ሰይብኣ ኣይስኣንን'ዩ። ክጉሂን ክበኪን ድማ ግቡእ'ዩ። ስለዚ ሰብኣይ ግብኡ ፈሊጡ፣ ብጥበብ ስድራኡ ክኣሊ፣ ኣብ ቦታኡ ክርከብ ሓላፍነት ኣለዎ። ነቲ ከም ሰራቂ ክሓርድን ከጥፍእን ዝመጽእ ጸላኢ፣ ኣብ ትኹል ፍቃድ ኣምላኽን ብቅድስናን ደው ኢሉ ካቃወሞ ኣለዎ።

2. ዝተመረረት ነፍሲ (bitter and desperate soul)

ናብቲ ምዕራፍ እንተተመሊስና፣ ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰብኡት ካብ ምሕዛንን ምጉሃይን ሓሊፎም፣ ምረት'ዩ ኣድሂብሎም። ክበኽዩን ክሓዝኑን ግቡእ እኳ እንተነበረ፣ ብነፍሶም ክሳብ ዝምረሩ (1ሳሚ30፣6) ምብጻሖም ግና ጌጋ'ዩ ነይሩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ምረት ነፍስኻ ኣቃሕትዩ፣ ናብ ዝገደደ ጌጋ ዝመርሕ ስለ ዝዀነ። (እዮ21፣25) ምረት ብቅኑዕ ከይትሓስብን እቲ ዝሓሸ ከይትውስንን ናይ ጸልማት ጉልባብ'ዩ። ስለዚ ድማ ነቲ ኣብ ግዜ መከራ ጽላል ዝዀኖም፣ ኩሉ ሰብ ክርሕቆምን ክፍንፍኖም፣ ኩሉ ማዳ ሕብረተሰብ ከምዝዀኑ ክቆጽሮም ከሎ ዝተቀበሎምን ዝሓቆፎምን ዳዊት፣ ኣብ ልዕሊኡ ብቁጥዓ ተላዒሎም ክቀትልዎ ዝደለዩ። (1ሳሚ22፡2) ምረት ስራሕ ኣምላኽ ከይትዝክርን ሰናይ ምዃኑ ከይትሓስብን ይገብር። ምረት መንፈሳዊ የዒንቲ የዕዊሩ፣ ከምቲ ገረድ ናብ ኢድ ኢመቤታ እትጥምት፣ ናብ'ቲ ኩልዝኽእል ፈጣሪ ከይትጥም ይገብር። ሰብ ምስ ተመረረ'ዶ ኣይኰነን፣ ካልእ ተስፋ ዘሎ ስለ ዘይመስሎ፣ ብመስተ ገዛእ ርእሱ ክርዕስ ዝደሊ? (ምሳሌ31፣6) ምረት ንኹሉ ጊዜ ክትቁዝም ይገብረካ። (እዮ7፣11, እብ12፣15) ኣብ መንጎ ዳዊትን እቶም ዝስዕብዎን ዝነበሩ ፍልልይ ድማ እዚ'ዩ ነይሩ። ንጉስ ዳዊት ከም ኩሉ ሰብ ኣንስቱን ደቁን ስለ ዝተማረኹዎ ሓዚኑን ግዒሩን'ዩ። ክሳብ ዝምምረር ግን ኣበጽሐን። ከምቲ ናእሚ ዝነበራ ኩሉ ምስ ጠፍኣ፣ ሓዘን ንልባ ስለ ዝኸበዶ፣ ምረት'ውን ንሓሳባ ስለ ዝደፈኖ፣ እቲ ብምምላስ ሩት እ/ሔር ኣብ ህይወታ ዝገብሮ ዝነበረ ክቡር ስራሕ ኣምላኽ ከተስተውዕሎ ስለ ዘይከኣለት፣ "ናእሚ ዘይኰነ ማራ በላኒ" ዝበለት፣ ዳዊት ክሳብ ክንዳኡ ኣርሒቁ ኣይከደን። ሰብኣይ ልቡ እንተተመሪሩ፣ ከቢድ ጌጋ ክገብር ኣብ የዒንቱ ቀሊል'ዩ። ብሰበይቱን ደቁን ዝተመረረ ሰብኣይ፣ ህድእ ክብልን ክምለስእን እንተዘይክኢሉ፣ ሰበይቱን ደቁን ጠንጢኑ ካልእ ዝኸበደ ዕንወት ክገብር ኣብ ቀረባ'ዩ። ዳዊት ካብ ኩሎም ፍልይ ዘበሎ ግና ልቡ ብኣምላኽ ጸኒዑ ብእምነት ስለ ዝበርትዐ'ዩ። (1ሳሙ30) ነገሩ ከቅንዕ ዝደሊ ሰብኣይ፣ ምርኰ ከምልስ እንተኰይኑ ብመጀመርያ ህድእ ክብል ኣለዎ።

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = aFOutvb6KJb