Literature

ARTICLE

መልእኽቲ ንወለዲ

ብ ሪመይ ተስፎም Download | Comment | Share Share

ቈልዑ ዝርድእዎ ቋንቋ ኣሎ፣ ዘይርድኦም ቋንቋ ድማ ኣሎ።
“ወራሲ ብዘመን ቁልዕነቱ ኸሎ፣ ጐይታ ኹሉ ክንሱ፣ ክሳዕ እታ ኣቡኡ ዝመደበሉ ግዜ፣ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፣ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎም።” (ገላ.4፣1-2)

ደረጃ ዕድመ ሰብ፣ ብዕሸልነት ይጅምር እሞ ብህጻንነት ኣቢሉ ናብ ቁልዕነት ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ንእስነት ይሰግር። ካብ ንእስነት ድማ ብብጽሕና ኣቢሉ፣ ብማእከላይ ዕድመ ሓሊፉ ናብ እርጋን ይሰጋገር። ድሕሪ እርጋን ድማ ምስጋር ናብ ዓዲ ዘልኣለም ይኸውን። ዘልኣለማዊ ማሕደር ሰብ ድማ፣ በቲ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ከሎ ዝተማላለሶ ምምልላስ እዩ ዝውሰን። ቅድሚ ናብ ዓዲ ዘልኣለም ምግዓዙ ግና ሰብ ነዛ ህይወት እዚኣ ብዝለዓለ ኣስተማቒርዋ ኪሓልፍ ከሎ ዘጣዕስ ዘይብሉ ይኸውን። ከመይ ኮይኑ እንተ ሓለፋኸ እዩ ዝያዳ ኣስተማቒርዋ ዝበሃል፧ ህይወት ካብ ምንባር ንላዕሊ እዩ። ኩሉ ዝነበር ነጻነትን ዕጋበትን ስለ ዘይብሉ፣ ብህይወት ይነብር ኣሎ ክባሃል ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ድማ ሓጢኣት ዝበሃል ሕሱም ኣብ ልዕሊኡ ሰልጢኑ ዘሎ ሰብ፣ ባርነቱ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። ትርጉም ህይወት፣ ብናጽነት ዓጊብካ ምንባር እዩ። (ህይወት = ናጽነት + ዕጋበት)

እቲ ምስ ዓበና እንነብሮ ህይወት፣ ብዘይካ እቲ ብመለኮታዊ ምትእትታው ዝስዕብ ለውጢ፣ ቁሩብ ዝመሓየሽን ዝልወጥን እኳ እንተለዎ፣ ብሓፈሻ ግን ፍረ ናይቲ መንነትና እተሰርሓሉ ዕድመ (personality formation age) ቁልዕነትና እዩ። መንነት ሰብ ኣብ ግዜ ህጻንነቱን ቁልዕነትን እዩ ዝስራሕ። እምበኣርሲ፣ ካብ ኩሉ ካልእ ዕድመ ንላዕሊ፣ ዕድመ ቁልዕነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ነዚ እዩ። ስለዚ ሰብ፣ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ምቹእ ዝዓብየሉ፣ ማሕበራዊ፣ መንፈሳዊ፣ ክሊማዊ፣ ጸጥታዊ፣ ቁጠባዊ ከባቢ የድልዮ እዩ። እዚ፣ እቲ ቘልዓ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ክገልጾ ዘይክእል ድሌቱ ስለ ዝኾነ፣ ከይተዛረቦም ከሎ እቶም መዕበይቱ ክቕርቡሉ ዘለዎም እዩ። ኣብዛ ክፍሊ እዚኣ፣ ብዛዕብ ቈልዑ ዝርድእዎን ዘይርድእዎን ቋንቋ ክንርኢ ኢና።
ዳዊት ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ እዩ ንጉስ ክኸውን ብኣምልኽ ተቐቢኡ። ኣብ ስልጣን ንግስነት ከይምጸ ከሎ፣ ኣምላኽ ዘንገሶ ንጉስ ኔሩ። (1ሳሙ.16፣11-13) ስለዚ፣ ወለዲ ኣብ ቤቶም፣ ጽባሕ ውልቀ መላኺ ወይ’ውን መኽበር መሰል ሰብ፣ ዝኸውን ሰብ እዮም ዝኹስኩሱ ዘለዉ። ገለ ካብ ደቅና ድማ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዀይኖም፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ሒዞሞ ናብ ምንቕቓሕ ወይ’ውን ናብ ሕሙስ ህይወት ሒዞሞ ዝኸዱ እዮም። ውሉድ ዘዕብዩ ወለዲ፣ ናይ ጽባሕ መንነት ሃገርን ህዝብን እዮም ዝሃንጹ ዘለዉ። ናይ ሎሚ ኣባይቲ ናይ ጽባሕ ማሕበርን ኣምላኽን፣ ሕብረተሰብን ሒዙ ኣሎ።

ከምቲ ኹልና ተዛረብቲ እቲ ቋንቋ እንፈልጦ፣ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ፣ “ሰማያዊ” እትብል ቃል ክልተ ትርጉም ኣለዋ። ሓደ “ንሕብሪ” (blue) ዝገልጽ ኪኸውን ከሎ፣ እቲ ኻልኣይ ድማ፣ “ኣብ ሰማይ ዘሎ” (heavenly) ማለት እያ። ቤትኤል ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከላ፣ “ሰማያዊ” እትብል ቃል “ሕብሪ” ጥራይ ከም እትገልጽ ተማሂራ ፈሊጣታ ኔራ። ሓደ መዓልቲ ነዲኣ “እግዚኣብሄር ኣምላኽዶ ሕብሩ ሰማያዊ እዩ” ኢላ ፈጺሙ ዘይተለምደ ሕቶ ሓቲታታ። በዚ ሓድሽ ሓሳብ ፈጺማ ዝደንጸወት ኣደ፣ “እንታይ ማለትኪ እዩ” ኢላ ንጓላ ሓተተታ። ቤትኤል ነዲኣ፣ እዞም ኣቦይ ቐሺ ኣብ ገዛና መጺኦም ኪጽልዩ ከለዉ ኩሉ ግዜ፣ “ሰማያዊ ኣቦና” ኢሎም ጸሎቶም ዝጅምሩ ሕብሩ ሰማያዊ ስለ ዝዀነ መሲሉኒ፣ ኢላ ሕቶኣ ኣነጺራትላ። ቈልዑ ዝርድእዎ ቋንቋ ኣሎ። ዘይርድኦም ቋንቋ ድማ ኣሎ።

ሀርማን ካብ ንኣምላኽ ዘፍቕሩ ኣቦን ኣደን እተወልደ ቈልዓ እዩ። ክሳዕ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን፣ ብዛዕባ እቲ ብየሱስ ክርስቶስ እተገልጸት ፍቕሪ ኣምላኽ ሰብ፣ እናተማህረ ዪዓቢ ዩ፣ ንሱ’ውን ከም ወለዱ ንየሱስ ክርስቶስ ዘፍቅር ቈልዓ ዀይኑ ይዓቢ። “ነዚ የሱስ እዚ እፈትዎ ኣለኹ” ድማ ይብል። ኣብ ሻድሻይ ዓመቱ ምስ በጽሐ፣ እቲ ኣገልጋሊ “ንየሱስ ኣብ ልብኻ ተቐበሎ” ኢሉ ደጋጊሙ ይምህሮ እሞ፣ ሓደ ማዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ሀርማን ናብቲ ኣገልጋሊ ወንጌል እናነብዐ ካራ ሒዙ መጺኡ፣ “ከሕመኒ እዩ፣ ግናኸ ንየሱስ ስለ ዝፈትዎ እንካ ቀዲድካ ኣብ ልበይ ኣእትወለይ” ይብሎ። ቈልዑ ዝርድእዎ ቋንቋ ኣሎ። ዘይርድኦም ቋንቋ ድማ ኣሎ።

ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ቈልዓ ይድሕንዶ ኣይድሕንን፧ ዝብል ሕቶ ዘካራኽር እዩ። እንተ ድኣ ዝድሕን ዀይኑኸ ኣበየናይ ዕድመ እዩ ዝድሕን፧ ዝብል ሕቶ ዘስዕብ እዩ። ኵሉ መለኮታዊ ምጉት ግና ብመጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዝዳነ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቈልዓ ሰምዐ” (ዘፍ.21፣17) ዝብል ቃል ኣሎ። “ሕደግዎም ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ፣ ኢሉ የሱስ ባዕሉ።” (ማር.10፣14) “ካብዞም ብኣይ ዚኣምኑ - ካብ ዝኣምኑ ድማ ዝድሕኑ እዮም- ንሓደ ዘስሕት ግና፣” (ማቴ.18፣6) ኸኣ ይብል። እቲ ኣብ መወዳእታ እንበጽሖ መደምደምታ እዚ እዩ። ብኽርድኦ ዝኽእል ቋንቋ እንተ ድኣ ተነጊርዎስ ኣብ ኩሉ ዕድመ ኰይኑ ኪድሕን ይኽእል እዩ። ዝብል እዩ። እቲ ሕቶ እቲ መልእኽቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኽርድኦ ዝኽእል ቋንቋ ተነጊርዎዶ፧ እዩ።
ንባህርያዊ ፍጥረት ቈልዓ ኣብ ግምት እንተ ድኣ ኣእቲናዮ፣ ባህርይ ቈልዓ ልስሉስ እዩ። ናብቲ ዝደሌኻዮ መልክዕ ከተትሕዞ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ እዮም ወለድና፣ “ቆርበት ብርሕሱ ቈልዓ ብንኡሱ” ዝብሉ። ባህርይ ቈልዓ ዝያዳ ኣማኒን ተወካልን እዩ። ስለዚ ብኽርድኦ ዝኽእል ቋንቋ እንተ ተነጊርዎ፣ ካብቲ ዓቢ ሰብ ዝያዳ ቀልጢፉ ክድሕን ዝኽእል እዩ። ኮሚኒስት ከምዚ ኢሉ ፈኪሩ ይበሃል፣ “ንቈልዓ፣ ቅድሚ ሾውዓተ ዓመት ምግባሩ ሃበኒ፣ ኣነ ድማ ንምሉእ ዕድሚኡ ኮሚኒስት ክገብሮ እየ።”

መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ድማ፣ 85% ናይቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘለዉ ኣመንቲ ቅድሚ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ምብጻሖም ንጐይታ እተቐበሉ ኣዮም። እዚ ድማ ዕድመ ቁልዕነት እዩ። ካብቶም ምስ ዓበዩ ዝደሓኑ ድማ እቶም ብቑዕነቶም ጐይታ እተቐበሉ እዮም ዝያዳ ጽኑዓትን እሙናትን ኣባላት ዝኾኑ። እታ ብልሓተኛ ማሕበር፣ እቲ ዝዓበየ ሓይሊ ገንዘባን ጥበባን ግዜኣን፣ ኣብ ኣገልግሎት ቈልዑ እያ እተውዕሎ።
እቲ ቀዳማይ ቈልዓ ዝርድኦ ቋንቋ “ፍቕሪ” እዩ። ቈልዓ ክሳዕ ክንደይ ከም እተፍቅሮ ክሳዕ ዝፈልጥ፣ ክሳዕ ክንደይ ፍልጠት ከም ዝመላእካ ኣየገድሶን እዩ። ፍቕሪ ክትግለጽ ከላ፣ እቲ ህጻን ክቡር ምዃኑ ክፈልጥ ትገብሮ፣ ቅቡል ምዃኑ ክስምዖ ትገብሮ፣ ተቋጽሮ፣ ውሕስነት ትህቦ ናይ ስነ ምግባር ብሶላ (ኮምፓስ) ትህቦ። ፍቕሪ፣ ከምቲ ንገለ ወለዲ ዝመስሎም ብምቅንጣር ጥራይ ኣይትግለጽን ኣያ። ከም ሓቂ ፍቕሪ ኣይተቃባጥርን እያ። ፍቕሪ ትኣሊ ትምዕድ ትግስጽ ትቐጽዕ ትመክር ትምህር ተሰልጥን እያ። ፍቕሪ፣ ውሕስነት ትህብ፣ ተጽልል፣ ትፈቅድ ትኽልክል ድማ እያ።

እቲ ኣብ ግራት ልቢ ደቅኻ እትዘርኦ ዘሎኻ ዘርኢ ዓይነቱ ከመይ እዩ፧ ክርዳድ ወይስ ስርናይ፧ ሎሚ ወለዲ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ደቆም፣ ኣብ ህይወት ደቆም ዝዘርእዎ ዘርኢ፣ ኣብ ቀውዒ ንእስነቶምን ብጽሕናኦም በዚሑ ክዓጽድዎ እዮም። ደቅና ጽባሕ “ንወለደይ አመስግኖም” ዶ ይብሉና ይኾኑ፧ ወይስ ከምቲ ሓደ ውሉድ ብዛዕባ ኣዲኡ ዝበሎ፣ “ኣደይ እኳ ሓሳዊት ኣማኒት፣ ኣብ ቅድሚ ኣመንቲ ካልእ ኣብ ቤት ድማ ካልእ እያ፣ ኣምስሉ እያ።” ይብሉና ይዀኑ። በዚ ዀነ በቲ፣ ወለዲ ውሁድ ህይወት እናነበሩ፣ ደቆም ብዝርድእዎ ቋንቋ እናተዛረቡ፣ ናብ ፍልጠት ምድሓን ከብጽሖም ሓላፍነቶም እዩ።
ጢሞቴዎስ፣ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ንምድሓን ከለብማኦ ብዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ተኾስኲሱ ዓብዩ። (2ጢሞ.3፣14-15)

“ወራሲ ብዘመን ቁልዕነቱ ኸሎ፣ ጐይታ ኹሉ ክንሱ፣ ክሳዕ እታ ኣቡኡ ዝመደበሉ ግዜ፣ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መግብትን እዩ እምበር፣ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎም።” (ገላ.4፣1-2)
ናይ ሎሚ ዕንበባ ንጽባሕ ፍረ ኢዮም እሞ ነታ ቅንዕቲ መገዲ ሎሚ ነርእዮም።
ምሳሌ 22:6 ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = yvDu3029oI3