Literature

ARTICLE

ጨናና መታን ከይኸፍእ (3ይ ክፋል)

ብ ሳምሶን ም-ኣብ Download | Comment | Share Share

ጨናና መታን ከይኸፍእ (3ይ ክፋል)


ኣብ ዝሓለፈ 1ይን 2ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ካብ ኣካይዳ ደቂ ያእቆብ ተበጊሰ፣ ጨና ምባልና እንታይ ክብል ከም ዝደለኹን፣ ጨናና ብኸመይ ክበላሾ ከም ዝኽእልን ጽሒፈ ኣለኹ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንዘለና ድማ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ምኡዝ ጨና ከም ዘሎ፣ ማለት ክርስቶስ ኣባና ምሕዳሩን ተማቐልቲ ባህርይ ኣምላኽ ምኻናን፣ ጽሒፈ ኣለኹ። ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ ክድምድም ከለኹ እዚ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ማንነት፣ ማለት "መኣዛ፣ ጨና ክርስቶስ" ብኸመይ ክልቀቕ ይኽእል ዝብል ሕቶ ኣቅሪበ ኣለኹ። እምበኣር ኣብዚ ዝቕጽል፣ ነዚ ሕቶ ክምልስ'የ። ካብ 3 ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ተበጊሰ ድማ ብዝተኻእለኒ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጾ'የ። ዮሃ 12, መዝ 133, መሃ 4፣12-16።


እቲ ኣብ ውሽጥና ብእምነት ዝሓደረ ክርስቶስ፣ ኣብ ዝኸድናዮ ከም ጥዑም መኣዛ ሃነን ክብል፣ ካብቲ ዝተገልጸ ናይ ወንጌል መኣዛ ዝተላዕለ ድማ ሰባት ናብ ክርስቶስ ክምለሱ፣ ጻዊዒትና እዚ'ዩ። ከምቲ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ንምኡዝ ጨና ንመስዋእቲ ስለ ዝወፈየ፣ ኣቦ'ውን ባህ ኢልዎ ስለ ዘሽተቶ፣ ናይ ምድሓን ሓድሽ ኪዳን ዝኸፈተ (ኤፌ 5)፣ ከምኡ ድማ ንሕና እቲ ብመንፈሱ ኣባና ዝሓደረ ክርስቶስ፣ ኣብ ናብራናን ኣካይዳናን ንኽግለጽ፣ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ክበዝሓልና ኣለዎ። እቲ ናይ ሓቂ ማንነትና፣ መኣዛ ክርስቶስ ምኻና፣ ኣብ ኩሉ ዝግለጸሉ መገዲ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፣


1) ዝተሰብረ ልቢ (Brokenness)፣ ዮሃ 12፣1-12


ማርያም ሒዛቶ ዝመጸት ቅዱይ ቅብኢ፣ ጽሩይ ናርዶስ፣ ኣብ እግሪ የሱስ ኣየቐመጠቶን። እቲ ቅብኢ ፈሲሱ፣ እታ ቤት ድማ ብመኣዛ እቲ ቅብኢ ሃነን ክትብል፣ እቲ መትሓቲ ብልቃጥ ክስበር ነይርዎ። በዒንቲ ሰብ፣ እቲ ኣዝዩ ክቡር ቢልቃጥ ምስባር ዕሽነት እዩ ነይሩ። ስለዚ'ዩ ድማ ይሁዳ፡ እቲ ንየሱስ ዝተሰብረ ክቡር ቢልቃጥ ከም ክሳራ ዝረኣዮ። ከምቲ ኣብ ባህሊ ደቂ እስራኤል፣ ምኽዓው ቅብኢ ከም መግለጺ ክብሪ ዝውሰድ ዝነበረ፣ ንየሱስ ከም ገዛእን መላኽን ዝተቐበሎ ሰብ፣ ነቲ ዝኸበረ ዝብሃል ኣብ እግሪ ጎይታ ንምስባር፣ ንዕኡ ልዕሊ ኩሉ ንምምላኽ፣ ገዛእ ርእሱ ክውፊ ኣለዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዝተቐመጠ ቅዱስ ቅብኢ ኣሎ። (ዮሃ 2) ክግለጽን ክሃንንን እንተኰይኑ ኸኣ፣ ምስባር ክኸውን ናይ ግድን'ዩ። ንኣምላኽ ኢልና ዘይንስውኦን፣ ኣብ እግሩ ዘይነቐምጦን ነገር ክህሉ የብሉን። እታ ቀንድና ንኣምላኽ ክንበቀሉ የብልናን። እዚ ድማ ነፍስኻ ብምቕባጽን መስቀልካ ብምስካምን ዝኸውን'ዩ።


ንጉስ ዳዊት፣ ካብ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ክንሳሕ ከሎ (መዝ 51)፣ ከምዚ ኢሉ፣ "መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፣ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ። ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጎን ኢኻ እሞ፡ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ" (መዝ 51፣ 16, 17)። እዚ ድማ እታ ቐንድና ንኣምላኽ ብምውፋይ፣ ብዘይ ተረፍ ክንግዝኦ ምስ ወሰንና ኣብ ህይወትና ብመንፈሱ ዝኸናወን ስራሕ ኣምላኽ እዩ። ንኣምላኽ ብዘይተረፍ ክኸውን ዝደሊ፣ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ድማ ዝጠቅም ኣቃሓ ክኸውን ዝደሊ፣ ዝተሰብረ ልቢ ቅድመ ኩነት ዘየድልዮ ጠለብ'ዩ። እዚ ድማ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትና እዩ (ሮሜ 12፣1-2)። ናይ ነፍስና (ኣረዳድኣና፣ ስምዒትና፣ ፍቓድና) ጥዕና፣ ነቲ ኣባና ዝሓደረ ባህርይ ኣምላኽ ንኽግለጽ ወሳኒ እዩ። ኣምላኽ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄር ዝኸውን ካብ ዝሃበና፣ ነቲ ኣባና ዘቐመጦ ንክግለጽ ብቑዓት ክንከውን፣ ንርእስና ሞይትና ነቲ ስሌና ዝሞተ የሱስ ክንነብር፣ ገዛእ ርእስና ክንውፊ ኣለና። ትዕቢት፣ ስስዐ፣ ሻርነት፣ ቅንኢ፣ ንርእሰይ ምባል፣ ፍትወት ስጋ፣ ስጋዊ ትምኒትን ካልእን ካባና ተቐንጢጡ፣ ብዝተሰብረ ልቢ ነቲ ዝጸውዓና ክንነብር፣ ናይ መስቀል ስራሕ ኣባና ብመንፈስ ቅዱስ ክበዝሕ ከነፍቅድ ኣለና። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፣ "ደጊም ክርስቶስ እምበር ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ" ናብ ዝብል ደረጃ ህይወት ክንበጽሕ፣ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ኣለና።


2) ሕብረት ኣሕዋት (መዝ 133)


ድሕረ ባይታ ናይዚ ዳዊት ዝዛረበሉ ዘሎ ሓሳብ እንተተረዲኡና፣ ናይዚ ምዕራፍ ትሕዝቶ ካብ ዝጸንሓና ንላዕሊ ከም እነድንቆ ርግጸኛ እየ። ሕብረት ኣሕዋት ከም "ካብ ርእሲ፣ ጭሕሚ ኣሮን ዝወርድ ዘይቲ እዩ" ኢሉ መሲልዎ። ካህን ኣሮንን ደቁን ዝቕብእዎ ዝነበሩ ቅብኢ፣ ካብ ብዙሕ ቀመማት ዝተሰርሐ ስለ ዝነበረ፣ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ መኣዛ ነይርዎ። ናይ ኣካላቶም ጨና ድማ፣ ንኻህናት ካብ ካልኦት ተራ ሰባት ክትፈልዮም ቀሊል ነይሩ። ኣብ ዝኸድዎን ብዝሓለፍዎ ቦታን ጨናኦም ዝገድፎ ኣሰር ስለ ዝነበረ፣ ካህን ናብቲ ቦታ መጺኡ ከም ዝነበረ ሰብ ክንገሮ ኣየድልን ነይሩ። ቅንኣት ዘሕድር መኣዛ ኣብ ካህናት ነይሩ። ምስኦም ልገብ፣ ምስኦም ውዓል ዝብለካ ኣዝዩ ጥዑም ዝዀነ መኣዛ ነይርዎም። እዚ ዝተረድአ ንጉስ ዳዊት ድማ፣ እቲ ሰናይን ጥዑምን ዝዀነ ሕብረት ኣሕዋት፣ በዚ ካብ ርእሲ ናብ ዘፈር ክዳን ኣሮን ዝወርድ ዝነበረ ዘይቲ ገይሩ መሲልዎ።


ኣብ መንጎ ኣሕዋት ምንባር ዝለቆ መኣዛ ኣሎ። ከምዚ ስለ ዝዀነ ድማ፣ "ኣኼባና ኣይንሕደግ" ተባሂሉና። ኣብ ሕብረት ምብልላሕን ምስሕሓልን ኣሎ። (መክ10፣9-10) “ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዝስሕሎ፣ ከምኡ ድማ ሰብ ንብጻዩ ይስሕሎ"። እቲ ኣብ ሕብረት ዘሎ ምምዕዓድን ምምኽኻርን ምንቕቓሕን፣ ንኣማኒ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ መኣዛ ንኽልቀቕ ኣምላኽ ይጥቀመሉ። ብዙሓት ኣብ ሕብረት ብዝገጠሞም ሕማቕ ዝመስል ተመክሮ፣ ካብ ሕብረት ክሃድሙ ከለዉ፣ ዝኸስርዎ ክሳራ ኣይርድእዎን'ዮ። ብኸምኡ ምሕላፍና ዝያዳ ከም ንዓብን፣ ባህሪና እናተጸርበ ከም ዝመጽእን ክንርዳእ ኣለና። በቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሕብረት ዝፈጠሮ ህይወትን በረኸትን፣ ኣመንቲ ንሓድሕዶም ይነቓቕሑ። ብፍላይ ንሓድሕድና እናተመዓዓድናን እናተሃናነጽናን ብፍቕሪ ናብ ክርስቶስ ክንዓቢ ከሎና፣ ናብቶም ወጻኢ ዘለዉ፣ እንለቆ ውነኻ ዝስሕብ ናይ ፍቅሪ መኣዛ ይህልወና።


3. ንፋስ (መሃ 4፣12-16)


ኣብዚ ምዕራፍ እቲ ፍትዋ፣ ንፍትውቱ ብገነት፣ ብዕጽዊ ዔላ፣ ፈልፋሊ ዓይኒ ማያትን ብዝተፈላለየ ፍሬታትን ምስ መሰላ፣ ንሳ ብወገና ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ፍሬታትን ምዑዝ ዝመኣዝኡ ቀመማትን መታን ክፈስስ እሞ ፈታዊኣ ባህ ክብሎ፣ ሰገጥ ከይበለት "ንፋስ" ሰሜንን ደቡብን ጸውዐት። "ንፋስ" ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ትርጉም ሒዙ ንረኽቦ። ኣብዚ ሓሳብ ግና ኣነጺሩ ንፋስ ደቡብን ሰሜንን ኢሉ ሰለ ዘሎ፣ ቅዱስ መጽሓፍ እንታይ ከም ዝምህረና ክንርኢ ናይ ግድን'ዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ መዝሙር ዳዊት ተጠቒሱ ኣሎ፣ "ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማይ ኣለዓዐለ፣ ብስልጣኑ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣምጽኤ" (መዝ 78፣26)።


ኣብ ምሳሌ 25፣23 ድማ ከምዚ ይብለና፣ "ንፋስ ሰሜን ዝናም የምጽእ፡ ሓማይት ልሳን ከኣ ገጽ ተጸውግ"። "ማይ" ናይ መንፈስ ቅዱስ ምሳሌ'ዩ። ዮሃ 7፣38 "ዝጸምአ ማይ ይስተ" ብምባል፣ ብምሳሌ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ተዛሪቡ ኣሎ። ሓደ ኣማኒ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ንጥዑም መኣዛ ዝኸውን ህይወት ክህልዎ እምበኣር፣ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ጸጽባሕ ክምላእ፣ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ክበዝሓሉ ኣለዎ። ኣብ ኤፌ 5 ንሓድሕድኩም ንምክብባርን ምቅብባልን፣ መንፈስ ይምላእኩም" ተባሂሉና ኣሎ።


ኣብ እዮብ 37:17 ድማ፣ "ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ምስ ደንዘዘት፡ ንስኻ ኽዳውንትኻ ዜድህረካስ ተስተውዕሎ ዲኻ?"ይብል። ንፋስ ደቡብ "ዋዒ" ወይ'ውን "ዳህሪ" ከም ዘምጽእ ብንጹር ይነግረና ኣሎእ። "ዋዒ" ድማ ምልክት ፈተና ምኻኑ ኣብ 1ጴጥሮስ4፣12 ይነግረና። ብፈተና ድማ እምነትና ከም ዝኹላዕ፣ ንምስጋናን ክብርን ኣምላኽ ዝኸውን ህይወት ሒዝና ንኽንመላለስ ኣምላኽ ከም ዝጥቀመሉ (1 ጴጥ 1፣5) ኣነጺሩ ይምህረና። ዳዊት'ውን ከምዚ ክብል ዘሚሩ ኣሎ፣ "ዎ ኣምላኽ ተዓዚብካናስ (ፈቲንካናስ) ከም ዝኹላዕ ብሩር ኰላዕካና"። እዮብ ብወገኑ ድማ፣ "ኣምላኽ ይፈትነኒ ከም ወርቂ ተዀሊዐ ክወጽእ እየ" ይብል። ስለዚ ናይ ፈተና ዕላማ ተረዲእና፣ ብሓጎስ ክንቅበሎ ይግብኣና። ከምቲ ዕጣን ሓዊ ምስ ገበርናሉ፣ ጥዑም መኣዝኡ ዝብህ፣ ህይወት ኣማናኒ'ውን ብፈተና ህይወቱ ስለ ዝኹላዕ፣ ባህርይ ክርስቶስ ኣብ ህይወት እናተዀልዐ ይኸይድ።


ሓደ ኣማኒ ንኣምላኽ ዘሐጉስ፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ድማ ጽቡቕ ምስክርነትን መኣዛን ዘለዎ ህይወት ሒዙ ክመላለስ፣ ጠሊ መንፈስ ቅዱስን ንፋስ ደቡብ ማለት ኣብ ጸጽባሕ ዝሓልፎ ፈተናን ክህልዎ ናይ ግድን'ዩ። ስለዚ ከምቲ እታ ፍትውቲ ፈታዊኣ መታን ክሕጎስን ባህ ክብሎን "ንፋስ ሰሜንን ደቡብን" ዝጸውዐት፣ ንሕና ድማ ብመንፈስ እናተመላእና፣ ኣምላኽ ድማ ንልብና ክፍትኖ እናጸለና (መዝ139፣23) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንመላለስ ይግብኣና።

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = SNyqb5v307T