Literature

ARTICLE

ዘልኣለማውነት ኣብ ልቢ ሰብ (መክ3፣1-15)

ብ ሳምሶን ም-ኣብ Download | Comment | Share Share

“ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ” ዝብል ኣበሃህላ ልሙድ እዩ። እቲ ቁም ነገሩ ግና ኣብ ምርዳእ ዕምቅቱ እዩ። ግዜ ኩሉ እዩ። ብግዜ ዘይምለስን ዘግለጽን ነገር ዳርጋ የልቦን። ግዜ ናይ ኩሉ መልሲ እዩ እኳ እንተዘይበልና፣ ብጊዜ ግና ዘይምለስ ዳርጋ የልቦን። እ/ሔር’ውን ጊዜኳ ዘይምልከቶ ክነሱ፣ ኩሉ ኣብ “ጊዜ” ይገብሮ። ዝዀነ ነገር መቀረት ዝህልዎ’ውን “ኣብ ግዚኡ” ክግበርን ክንገርን ከሎ እዩ። "ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጎስ፣ እወ፣ ብጊዜኡ ዝተነግረ ቃል ጽቡቅ እዩ" ምሳ15፣23 ይብል። መሊሱ'ውን "ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቃል ከም ቀለቤት ወርቅን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ" ይብል። ብግዚኡ ዘይተነግረ ብስራት፣ ዋዛ፣ መልእኽቲ፣ መቀረቱ የጥፍእ እዩ። እዚ ዝተረድአ ሰለሞን ድማ፣ ኣብ ውሽጢ ሓጽር ጽሕፉ፣ 30 ሳዕ ዝኸውን “ግዜ” ክብል ተዛሪቡ። “ንኹሉ ገጊዜኡ ኣለዎ” ኢሉ ድማ ይጅምር። ናይዚ ጥቅሲ ምርዳእ ድማ ንሰብ ካብ ተስፋ ምቁራጽን ምንዋጽን የድሕኖ።

ንድለ ኣይንድለ ንኹሉ “ገጊዜኡ” ኣለዎ። ንምውላድ ግዜ ኣለዎ። ንሙማት ድማ ግዜ ኣለዎ። ንሓዘን ግዜ ኣለዎ፣ ንሓጎስ’ውን ግዜ ኣለዎ። ሰብ ካብዚ ክልተ ዝተፈራረቀ ናይ ህይወት ተመክሮ ከምልጥ ኣይክእልን እዩ። ሃብታም ኰነ ድኻ፣ ምሁር ኰነ ዘይተማህረ፣ ዕጻኡ ሓደ እዩ። ሰብ ብዘየገድስ መንፈሳዊ ብጽሕናኡን ተመኩርኡን፣ ካብዚ ናይ “ግዜ” ተመክሮ ኣየምልጥን እዩ። “ጸልማት ድሕሪ ወጋሕታ፣ ወጋሕታ ድሕሪ ጸልማት” ክኸውን ናይ “ጊዜ” ሕጊ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ድሌትናን ዊንታናን ዝተወሰነ ኣይኰነን። እ/ሔር ንኖህ ዝኣተወሉ ተስፋ’ውን፣ “ክረምትን ሓጋይን፣ መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን” ዝብል እይ። እዚ ድማ ኣብ “ጊዜ” ዝከናወን መሰረታዊ ሓቂ እዩ።

ንጉስ ሰለሙን ኣብ 3ይ ምዕራፍ፣ 24 ዝኣክል ተቃራኒ ሓሳባት ተዛሪቡ ኣሎ። 14 ኣሊታዊ ክዀኑ ከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ 14 ድማ ኣውንታዊ ነገራት እዮም። ሓሳቡ ክጅምር ከሎ ድማ፣ “ንምውላድ ግዜ ኣለዎ፣ ንሙማት ድማ ግዜ ኣለዎ” ይብል። እዚ ንማንም ዘይክወሎን ዘይስወሮን ሓቂ እዩ። ከምቲ ንድኻ ከምኡ ድማ ንሃብታም ዕጻኦም ሓደ እዩ። ንምሁር ኰነ ዘይተማህረ፣ ንክቡራት ኰነ ንዝተረስዑ ሓደ መገዲ ኣለዎም። ከምቲ እቲ ሓደ ዝውለድ እሞ ጊዚኡ ሓልዩ ዝመውት፣ ንኹሉ ከምኡ ይበጽሖ። ኣብ መንጎ ድሕሪ ምውላድን ቅድሚ ምማትን ዘሎ ናይ ህይወት ጉዕዞ፣ ዝፍጸም ፍጸሜታት ድማ ታእላው የብሉን። ናይ ሓጎስ ጊዜ ኣሎ፣ ከምኡ ድማ ናይ ሓዘን ጊዜ። ናይ ምብካይ ጊዜ ኣሎ፣ ናይ እልልትን ሳዕስዒት ጊዜ ድማ ኣሎ። ኩሉ ድማ ኣብ ገጊዜኡ ይኸውን። ስለዚ ነዚ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዝለዋወጥ ተመክሮ ተረዲእና፣ ንለውጢ ድልዋት ክንከውን፣ ነዚ ሓቂ ፈቲና ክንቅበሎ፣ ጥዕና ዘልዎ ኣጠማምታ ክህልወና ንስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ጽቡቅ እዩ። ልዕሊ ክሉ ድማ ብእምነት ምንባር፣ ኣብ ኣምላኽ ምዕራፍ ክንመሃር ዓቢ መኽሰብ ኣለዎ።

እዚ ኩሉ ተቃራኒ ነገራት ማለት ምውላድን ሙማትን፣ ሓጎስን ሓዘንን፣ ምህላውን ምስኣንን ኣብ ግዚኡ ዝኸውን እንተኰይኑ፣ ኢድና ኣጣሚርና ወለሓደ ከይገበርና ስቅ ንበል ማለትና ድዩ? ያእ ኣይፋሉን። ንሓሳብ እቲ ጸሓፋይ ዝወሰደ ካልእ ዝዓሞቀ ሓሳብ ጸኒሑ ይጠቅስ። እዚ ሓሳብ ድማ ሰብ ምንም ከይገበረ ስቅ ክብል ዘየኽእል ምርዳእ እዩ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝተቀመጠ “ዘልኣለማውነት” እዩ። እዚ ኣብ ውሽጥና ዝተነብረ "ዘልኣለማውነት" ካብዚ ከም ሰፍኢ ዝገላበጥ ህይወት ሓሊፍና፣ ናብ ካልእ ከነማዕዱ ንልብና ይቅስቅሶ። ዋላ እኳ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዝኸውን ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዓቅሚ ዝውሕደና እንተዀነ፣ ነዚ ጊዚያዊ ዝዀነ ዝለዋወጥ ህይወት ወነንቲ ከም ዘይኰንና ውሽጣዊ ምርዳእ ስለ ዘብቁል፣ ካብዚ ህይወት ሓሊፉ ንዝዓበየ ክንመጣጠር ኣብ ውሽጥና ዘየዕርፍ ምስቁርቃር ኣሎ። እዚ ቃንዛን ሓጎስን ዝፈጥር ተመክሮታት፣ ናብቲ ዘይነቃነቅ "ዘልኣለማውነት" ክንጥምትን ከነማዕዱን ይቀስበና። "ካብዚ ዝሓሸ ካልእ ህይወት ክህሉ ኣለዎ" ዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጥና የለዓዕል። ንልብና ካብዚ ዝርአ ግዝያዊ ነገር ሓሊፉ፣ ነቲ ዘይርአ ንዘልኣለም ዝነብር ህይወት ከማዕዱ ይድርዀ። ከምቲ ሃውርያ ጳውሎስ ዝበሎ ድማ ውሽጥና ነቲ ዝርአ ዘይኰነ፣ ነቲ ዘይርአ ንኽጥምት ይድርዀ (2ቆሮ4)።

ናይዚ ቁም ነገር ከኣ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ህይወት መድረኽ፣ ልብና በቲ ልዑል ፈጣሪ ተኣሚኑ፣ ንምምላኽ ሓይሊ መታን ክረክብ እዩ። ዝነበረ ክጠፍእ ካብ የዒንቲ ክስወር ከሎ፣ ዝመልአ ክጎድልን ክውሕድን ከሎ፣ ዘይናወጽ፣ ጽኑዕ ልቢ ክህልወና ዓቢ ጸጋ እዩ። ኣብ ጊዜ ምውላድን ሓጎስን ንምምስጋን ኰነ ውሬታ ንምምላስ ቀሊል እዩ። ከምኡ ድማ ኣብ ጊዜ ሞትን ሓዘንን ንኣምላኽ ንምምስጋን ሓይሊ ክህልወና እዚ ምርዳእ ክህልወና ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ስለቶም ዝደቀሱ ንሰብ ተሰሎንቄ ከጸናንዖም ክፍትን ከሎ፣ ነቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ "ዘልኣለማውነት" እናኣዘከረ፣ "በዘን ቃላት ተጸናንዑ" በሎም። (1ተሰ4፣18) ሃብትና ኣብቲ ዘልኣለማዊ ዝዀነ፣ ሰራቂ ዘይረኽቦ ክንገብር ብልብና እንተመኺርና፣ እዚ ምድራዊ ፍጻሜ ንልብና ኣይዝውሮን እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ጽባሕ ኣይክህሉን እዩ። መጀመርታ ዘለዎ ኩሉ መወዳእታ ድማ ኣለዎ። ሰብ ዕጻኡ ከም ኩሉ ፍጡር መታን ከይከውን፣ ዝተንፈጨሓሉ ክውሒ ካብቲ "ዘልኣለማዊ" ዝዀነ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ክዝክር ኣለዎ። እዚ ምርዳእ ንሰብ ሓሳቡን ድሌቱን ናይ ላዕሊ ክገብር ይገብሮ (ቆሎ3፣1-3)። ብሓልዮት ናይዛ ዓለምን ጓሂኣን መታን ከይጠላለፍ ድማ ንልብና ካብዚ ምድራዊ ነገር ሓሊፉ፣ ሰማያዊ ነገር ክመጣጠር ይደፍኦ። እዚ ዝተርድአ ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ብኢድ ዘይተሃንጸት፣ ካብ ኣምላኽ ዝዀነት ሓዳስ የሩሳሌም እናተጸበየ፣ ሓንሳብ ይደፋነቅ፣ እንሓንሳብ ድማ የስቆርቁር ከም ዝነበረ ይነግረና (2ቆሮ5፣1-5)። እዚ ምድፍናቅን ምስቁርቃርን ዝተፈራረቆ ህይወት ድማ ኣብ ውሽጢ ኩሉ ሰብ ዘሎ "ዘልኣለማውነት" እዩ።

ኩሉ ገግዚኡ ምህላዉ ጥራይ ዘይኰነ፣ ኩሉ ኣብ ጊዚኡ ዝሰርሖን ዘስልጦን መደብ ኣለዎ። ኩሉ ኣብ ጊዚኡ ከም ዝኸውን ምፍላጥ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ኩሉ ኣብ ግዜ ዝኸውን ድማ ብምደብ እዩ ዝብል ምርዳእ ክህልወና ኣለዎ። ንዝተቀበሎ ወጋሕታ ኰነ ለይቲ ዘስልጦ ዕላማ ኣለዎ።ጊዜ ዝናም ኰነ ጊዜ ጸሓይን ሃሩርን ዘስልጦ ኣለዎ። “እ/ሔር ኩሉ ንምዱብ ነገር (ዕላማ)፣ ንረሲእ ድማ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ” ይብል (ምሳ16፣4)። ገለን ኣብ ህይወት ዝኸውን ትርጉም ዘይህብ፣ ዘስልጦ ዘይብሉ ዝመስል ብዙሕ እዩ። ኣብ ህይወት ዝኸውን ንምቅባሉ ከቢድ ዝዀነ ኣሎ። እንተተዓጊስና እሞ ግዜ እንተሂናዮ፣ ምስ ግዜ ዝግልሃልና ነገር ኣሎ። ህይወት ሰልፊ እዩ። (እዮ7፣1) ፈጺሙ ዘይርደኣና፣ መልሲ ክንረኽበሉ ንደሊ ናይ ህይወት ሕንቅልል ሕንቅሊተይ ብሁሕ እዩ። ኣብ ህይወት ዝገጥምን ዝኸውንን ኣይቁጸርን እዩ። መበገሲኡን መወዳእቱን ዝፍለጥን ዘይፍለጥን ከም ዘሎ ንሰብ ክንገሮ ኣየድልን እዩ። ገሌና ልብና ብእምነት ክነብር እናነገረና፣ ሓሳብና ተናዊጹ ምርዳእ ስለ ዝኣበየና፣ ንምቅባሉ ዝሽግረና ክንደይ ክንብሎ። ፍጥረትናን ናይ ምርዳእና ደረት ከምኡ ምኻኑ ግና ነቲ “ኩሉ ንምዱብ ነገር ፈጠሮ” ዝብል ሓቂ ክስዕሮ ኣክእልን እዩ። ገለን ኣብ ህይወት ዝገጠሞ ምርዳእ ኣብይዎ ስለ ዝኸበዶ፣ ክሳብ ኣምላኽ የልቦን ናብ ምባል ዝበጽሐ ኣሎ። ኣምላኽ ንልቡ ይምለስ። ከምኡ ዝበለ ግብረ መልሲ ግና ንሽግርና የጋድዶ እምበር ንደልዮ ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ኣይህበናን እዩ። ገለን ከኣ ነቲ ከም ብርቱዕ ማዕበል ዝዓፍር ሓሳቡ መታን ከዕርፍ ናብ መስተን ካልእ ልምድታትን ዝኣተወ ብዙሕ እዩ። ካብ ምርዳእ ንልዓሊ ዝዀነ ሰላም ኣምላኽ፣ ነቲ ዓቅሙ ሒደት ዝዀነ ሓሳብናን ልብናን እንተዘይሓልይዎ (ፊሊ4፣7-8)፣ በቲ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዝገጥመና ብዙሕ ሕቶ ዝፈጥር ተመኩሮ ተስፋ ክንቆርጽ ኢና።

ኣምላኽ ነቲ ካብ መጀምርታ ክሳብ መወዳእት ዝኸውን መታን ከይንፈልጦ ኢሉ፣ “ንዘልኣለማውነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣቀሚጥዎ”። ኣብ ጉዕዞ ህይወት እንሓቶ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ። ንምታይ ተወሊደ? ንምንታይ ኣብዚ ኣለኹ? ስለምንታይ ብኸምዚ ዓብየ? ምናልባት ናይ ወዲ 90 ዓመት ኣማውታ ክርድኣና ዘይንደሊ ንኸውን፣ ቅድሚ ግዚኡ ንዝሞተ ነፍቅሮ መቅርብና ግና ስለምንታ ኢልና ክንሓትት ንደሊ ኢና። ገሌና ብጥጡሕ ዝዀነ ኣተዓባብያ ዘይዓበና፣ ናብራና ኩሉ ገድሊ ዝዀነ ኣለና። ንምንታይ ኰይኑ ክርድኣና ከቢድ እዩ። ገለን ብወለዲ ተዓሚጹ፣ ተግፊዑ ዝዓበየ ኣሎ። ተመርዑ ዝተፋተሐ፣ ሰበይቱ ወይ’ውን ሰብኣያ ዝሰኣነት ብዙሓት እዮም። ውሉዱ ገና ከዝጸገቦ፣ ፍሪኡ ከይረኣየ ካብዛ ምድሪ ብሞት ዝተፈልዮ ታእላው የብሉን። ካብቲ ኣዝዩ ከቢድ ዝገብሮ ድማ፣ "ንምንታይ ከምኡ ኰይኑ" ንዝብል ሕቶ መልሲ ዘይንረኽበሉ ምዃና እዩ። እዚ ከቢድ ምስጢር ድማ ካብዚ ዝርአ ህይወት ሓሊፍና፣ ነቲ ዘይርአን ዝበለጸን ህይወት ከነማዕዱ መታን ኢሉ፣ ፈጣሪ “ንዘልኣለማውነት” ኣብ ልብና ኣምቢርዎ።

ስለምታይ ኰነ ፈጣሪ ከምዚ ዝበለ “ጸልማት” ኣብ ህይወት ሰብ ክኸውን ኣፍቂዱ? ንዝብል ሕቶ ካልእ ዝዓበየ ሕቶ ክንሓትት ይገብረና። ስለምንታይ ኣብ ህይወተይ ከምዚ ክኸውን የፍቅድ? ኢልና ክንሓትት ይቀስበና። ኩሉ ኣብ ጊዜኡን ንምዱብ ነገር ተፈጢሩ ክነሱ፣ ካብ ሓሳብና ዝተሰወረ ግና ብዙሕ እዩ። ኣብ ልቢ ሰብ “ንዘልኣለም” ዝተሰወረ ነገር ኣቀሚጡ። ግን ስለምንታይ? እዚ ምስዋር እዚ ኣብ ልቢ ሰብ “ናይ ዘልኣለማውነት” ሃንቀውታ ስለ ዘለዓዕልን፣ ሰብ ድማ ብእምነት ኣብ እ/ሔር ተወኪሉ መታን ክነብርን እዩ። ኩሉ ኣብ ህይወት ዝኸውን ኽርድኣና እንተዝኽእል፣ ንፈጣሪ ምድላይ ገዲፍና፣ እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝተቀመጠ "ዘልኣለማውነት" ናይ ምምዕዳው ሃንቀውታና ምበነነ። ብዙሕ ዘይርድኣና፣ ክርድኣና ዘይክእል ነገራት ስለ ዘሎ፣ ከምኡ ድማ ብእምነት ናይ ምንባርና ዓቅምና የግፍሖ። እዚ ድማ ኣብ ህይወትና ዘይናወጽ ዕረፍትን ይፈጥር። “ነቲ ዝርእዮ ተስፋ ዝገብር ብእምነት ዘይተፈተነ እዩ" ዝበሎ ሃውርያ ጳውሎስ ድማ ክንምርምሮ ይገብረና።

ብዛዕባ ጽባሕ ንእ/ሔር ምእማን ብጽእና እዩ። ናይ መጽሓፍ መክብብ 3ይ ምዕራፍ መልእኽቲ ድማ እዚ እዩ። ዘይምፍላጥና መርገም ኣይኰነን። ብቅልል ዝበለ ፍጥረትና ከምኡ እዩ። መልሲ ከም ዘይብልና ስለ ንፈልጥ፣ እንኰ ምርጫና ኣብ ኣምላኽ ምዕራፍ፣ ንዕኡ ምእማን እዩ ዝኸውን። ነቲ ክንፈልጦ ዘይንኽእል ክንፈልጦ ኢልና ስግር ባሕሪ ክንከይድ ኢልና ጊዜናን ጉልበትናን ኣይነጥፍእ። ካብዚ ኩሉ ዝተፈራረቀ ህይወት ተገላጊልና፣ ዘይጠፍእን ስቃይ ዘይብሉን “ዘልኣለማውነት” ንኽንወርስ ልቢና የስቆርቁር ምህላዉ ናይ ኣምላኽ ስርሕ እዩ። ኩሉ ዝፈልጥን ንኹሉ ድማ ዘመሓድርን ሓይሉን ስልጣኑን ድማ ዘይድረት፣ ካብዚ ዝርአ ፍጥረት ዘይኰነ፣ ዝዓበየ ሓይሊ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ንልብና ይቅስቅሶ ኣሎ። ኩሉ ነቅርቦ መግለጺ ምሉእ ስለ ዘይከውን፣ ንእ/ሔር ብምእማን ክንውድእ፣ ናይ ምእማን ዓቅምና ክሰፍሕ ይገብሮ ኣሎ። ከምቲ እዮብ ዝበሎ፣ ዘረባ ዕሽነት ካብ ምዝራብ ከኣ ይኽልክለና።

ከምቲ ቖልዓ ጽብቁን ሕማቅን ካብ ዘይምፍላጡ ዝተላዕለ ኣብ ወለዱ ዝውከል፣ ከምኡ ድማ ልብና ኣብቲ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ክውከል ይሓባብሎ ኣሎ። ንጉስ ዳዊት ውን ኣብ ህይወቱ ዝኸውን ዝነበረ ስለ ዘይተረድኦ፣ “ከምቲ ጡብ ዝሓደገ ህጻን፣ ከምኡ ንነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ስቅ ኣበልክዋ” ይብል። መዝ131። ንሕጻን ጡብ ከተግድፎ ጥዑም ተመክሮ ኣይኰነን። ብዙሕ ቀጨውጨው ክብል ድማ ይገብሮ። እንተዀነ ግና ካብ ወለዱ ሓሊፉ ናብ ካልእ ከም ዘይከይድ ስለ ዝፈልጥ፣ ኣብ ኣጥባት ኣዲኡ ተመሊሱ ይዓርፍ። ኣብ ኣፍ ልባ ድማ ይሃድእ። ንሕና’ውን ኣብ ህወትና ዝዀነ እኳ ኣንተዘይተርድኣና፣ ብእምነት ኣብ ሕቁፊ ኣምላኽ ንልብና ከነህድእ ሓይሊ ንረክብ። እዚ ማለት “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝተቀመጠ ዘልኣለማውነት” ንሰብ ኩሉ ግዜ ንእ/ሔር ኣብ ሓሳቡ ንከቋጽሮ ይገብሮ። ካብኡ ሓሊፉውን፣ ካብዚ ህይወት ሓሊፉ ካልእ ንዘልኣለም ዝነብር ከም ዘሎ ክርዳእ ስለ ዝጅም፣ መፈጸምታኡ መታን ከጸብቅ፣ ካብ ርኽሰትን ስጋዊ ትምኒትን ተፈልዩ፣ ብፍርሃት ኣምላኽ ንኽነብር ምርጫኡ ይገብር።

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = S8oOl5pTuak