Literature

ARTICLE

ሓገዝቲ መምርሒታት ንጸሓፍትን ተርጐምትን - 2 ክፋል

ብ ጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን Download | Comment | Share Share

2ይ ክፋል
ኣብዚኣ ነስተብህል

ደኺመ ሸምጊለ ከይበሉ፣ ንቋንቋ ትግርኛ በቲ ትኽክልኛ ኣገባቡ ዝምህሩና ዘለዉ፣ ፕሮፌሰር ስብሃቱ ገብረሚካኤል ኵፍሉ፣ ስለቲ ኣብ ቋንቋ ዘለዎም ተገዳስነትን ትግሃትን ጐይታ ይባርኮም። ፕሮፌሰር ኣብ ኣኽሩር እትበሃል፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤርትራ እትርከብ ዓዲ፣ ኣብ 1937 እተወልዱ ኰይኖም፣ ኣብ እዋን ብሪጦ-ፈደረሽን (1947-1958 ኣብቲ ትግርኛ ኣብ ስቡህ ደረጃኡ ከሎ፣ ብጥብቕብቖጣት (Agglutinitions) ከይተዝረኽረኸ ከሎን ማለት እዩ።) በቶም ኣለዉን ምኵራትን ዝበሃሉ ዝነበሩ መምህራናት ቋንቋና እተማህሩ ኰይኖም፣ ኣብ ቋንቋ ዘተኰሩ ብዙሓት መጻሕፍቲ ዝጸሓፉ እዮም። ብመሰረት ዝመሃሩናን ዘጽናዕናዮን፣ ካልኦት መጻሕፍቲ ስዋስው ትግርኛ እተወከስናዮን ድማ፡ እንሆ ገለ ንብለኩም። እዚ ዓብይ ልጋሰ ውህበት ፈጣሪ ዝዀነ ቋንቋና ከይጸነተ ከሎ ሎሚ ብትግሃት ንዓቕቦ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣብ ቋንቋና ዘለዉ ፍጮታት ለሊና፣ ሎሚ ተሎ’ልና ንእለዮም። ብፍላይ እዚ ተተካኣይ እጆ፣ ቋንቋኡ ከስተናዕቕ ይርአ ስለ ዘሎ፣ ኣሕዋት እዚ መሰታ እብራይስጥን ኣራማይክን ዝዀነ ቋንቋና፣ እወ ቋንቋ እቶም ኣብ ጐላጕል ሲንኣርን ሞሶፖታምያን ዝነበሩ ኣቦታትና ዝዀነ ንዓቕቦ ኢልና ሓደራ ንብል። መምህር ኪዳነ ወልድ ከም ዝጸሓፍዎ እንተዀይኑ፡ “ሓደ ሽሕ ዓመታት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሉ፣ ነገዳት ሴም ንኢትዮጵያ ክኣትዉ ከለዉ፣ ካብኣቶም ሓመድን ደባእን እተባህሉ ክልተ ዓልየታት፣ ቋንቋ ትግርኛ ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ይገልጹ። ኤድዋርድ ኣላንፎርድ ብወገኑ፡ ብመበል 7ይ ን 8ይ ን ክፍለ ዘመን (ድሕሪ ልደተ-ክርስቶስ)፡¨ኣብ ከባቢ ኣዅሱም ምስ እዚ ሕጂ ንዛረቦ ዘለና ዝመሳሰል ትግርኛ ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ይዛረብ። እዚ ሕጂ ቋንቋ ግእዝ ዝበሃል፣ ተመጢጡስ ንትግርኛ መስራቲኡ እዩ ዝበሃል ዘሎ፣ ብመበል 12-13 ክፍለ-ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ በቶም ኣብ ኣድባራትን ገዳማትን ዝነበሩ ቀሳውስቲ ወይ ኣቕሽቲ ዝማዕበለ እዩ። ምኽንያት ኣመዓባብላ ግእዝ ሰፊሕ እኳ እንተ ኰነ፡ ኣብ ዝመጽእ ብሰፊሑ ክንዘራረበሉ ኢና።
ፍቑራት ኣሕዋት ዝሓለፈ እዋን፡ ብዛዕባ ኣብዚ ዘመን’ዚ ሳዕሪራ ዘላ ተውላጠስማዊት ዝዀነት ቃል ‘ናይ’ ትብል ገለ ኢልና ነይርና። ላዛነት ቋንቋና ብጠንቂ እዛ መረን ዝዀነት ቃል ሕንፍሽፍሽ ኣትይዎ ይርከብ። ኣሕዋት፡ ሓደ ነገር ልብ ኢልኩም ከተስተውዕልሉ ዝለኩም፣ እዛ ቃል እዚ’ኣ ኣይተድልን’ያ ኣይኰንናን ‘ንብል ዘለና። ዘይምዕሩይ ኣጠቓቕምኣ ግን፣ ንቋንቋ ትግርኛ ኣሐቲልዎ ይርከብ። ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝነብሩ፣ ገለ ኣባላት ህዝብና ግን እዛ ቃል እዚኣ ብመሰረቱ ዘይተድሊ ስለ ዝዀነት፣ ክትውገድ ኣለዋ ዝብሉ ግን ኣይተሳእኑን። ነዚ መረድኢ ክዀነና እስኪ ሓደ ምሁር ቋንቋና ዝበሎ ክንጠቕስ።
ናይ ገዛን ናይ ክፍልን ዕዮታት ኣብ ክንዲ ምባል ዕዮታት ገዛን ክፍልን
ናይ ሓመድ ጥቕምን ናይ ሕርሻ መሳርሒታትን ኣብ ክንዲ ምባል ጥቕሚ ሓመድን መሳርሒታት ሕርሻን
ምባል ይበልጽ
ዝከኣል እንተዀይኑ ‘ናይ’ ትብል ቃል ፈጺምካ ምግዳፍ ይሓይሽ። ምግዳፍ ንሓድሽ ኣጠቓቕማ ቃላትን ገለጽትን ክመርሓና ይኽእል።
ብርሃነ ኣቻሜ
ቀዳማይ ሲምፖዝየም ቋንቋ ትግርኛ
መስከረም 1987 (እቘጻጽራ ግእዝ……. ብኣቋጻጽራ ፈረንጂ 1994 ማለት’ዩ)
መቐለ ትግራይ
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ መረድኢ ካብቲ ኣብ 1994 ኣብ መቐለ እተገብረ ሲምፖዝየም እተወስደ እዩ። ኣብኡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጹ ልዕሊ 250 ዝኣኽሉ መምህራን ቋንቋ ትግርኛ፡ ሓለፍቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖታትን ካልኦትን ተሳቲፎም ነይሮም።
ብፍላይ እቶም እንዝምር፣ ዳርጋ ‘ናይ’ ዘይብሉ መዝሙር ኣይንዝምርን ኢና። ንምጥቃስ ዝኣክል
ናይ ህይወተይ ጐይታ ክዀውን ዝግብኦ ጐይታ ህይወተይ
ናይ ህይወተይ መድሓኒ ክዀውን ዝግብኦ መድሓኒ ህይወተይ ወይ ብመልክዕ Genetiv (ወሪሻይ)ድማ መድሕን ህይወተይ
ናይ ዘለኣለም ህይወት ክዀውን ዝግብኦ ህይወት ዘለኣለም ወይ ነቲ ዘለኣለም ብመልክዕ ቅጽል ዘለኣለማዊ ህይወት ንገብሮ
ናተይ ዕድል ክዀውን ዝግብኦ ዕድለይ
ዝደሊ ናተይ ጽቡቕ ክዀውን ዝግብኦ ጽቡቐይ ዝደሊ ወይ ደላይ ጽቡቐይ
ዕጋበት ናይ ልበይ ክዀውን ዝግብኦ ዕጋበት ልበይ
ኣሕዋት ስለምንታይ ግጥምና ክሰማምዓልና ኢልና፣ ነቲ ቋንቋና ዝብርቕርቕ ነብሎ፧
ገለ ገለ መምህራናት ቋንቋ ትግርኛ፣ ነዛ ከም ፍጹም ጠቓሳይ ተውላጠስም (Absolute Predicate Pronoun) እትዓዪ ‘ናይ’ እትብል ቃል፣ ኣብ መዳይ ስዋስው ትግርኛ ኣብ ቦታ መስተዋድድ ይሰርዕዋ። ሒደት ካብኣቶም ከም እኒ ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ኣቶ ኣዲ ገብረ፡ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዳንኤል ረዳ፡ ኣቶ ተኪአ ተስፋይን ካልኦትን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዓብይ ኣበርክቶ ዝገበሩ እዮም። ስለ ጽዓቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባርኮም።

ንመረድኢ ክዀነና፡ እስኪ ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ኣብ ስዋስው ትግርኛ ብሰፊሑ ‘ትብል መጽሓፎም ኣብ ገጽ 68፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ እንታይ ከም ዝበሉ ክንርእይ። ኣብዚ ከም ዘለዎ ጽሒፍናዮ ኣለና።

መስተዋድድ
ኣብ መንጎ ስምን ክንድስምን፡ ኣብ ምሉእ ሓሳባት ዚርከቡ ካልኦት ቃላትን፡ ዝምድና ዚገልጽ ወይ ዘዛምድ ክፍሊ ስዋስው ኢዩ።
ካብ፡ ቅድሚ፡ ኣብ ድሕሪ፡ ኣብ ታሕቲ፡ ምስ፡ ብ፡ ካብ፡ እንዳ፡ ከም፡ ኣብ መንጎ፡ ኣብ ማእከል፡ ን፡ ናብ፡ ምእንቲ፡ ስለ፡ ናይ…
ንኣብነት
እታ ድሙ ኣብ ልዕሊ ሰደቓ ኣላ።
ኣነ ኣብ ገዛ ኣለኹ።
መስፍን ካብ ግብጺ መጺኡ።
ኣብርሀት እንዳ መብራት ከይዳ።
ናብኡ ንጸጋዕ’ሞ ክርህወና እዩ።
ናይ ሰሎሞን ማኪና ሰሪቖምዋ።
ኣብ ስቶክሆልም ዝምቕማጡ ኣቶ ኣዲ ገብረ ውን ኣብታ ኣብ 1989 እተደርሰት ስዋስው ትግርኛ ዘርእስታ መጽሓፉ ተመሳሳሊ ሓሳብ ይህብ። ጸሓፊ ኣብ መጽሓፉ፡ መስተዋድድ ብገለ ጸሓፍቲ መስሓቢ መሳርዕ ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ይጠቕስ። (ገጽ 52-53)
ኣሕዋት፡ ኣቱም ጸሓፍትን ተርጐምትን፡ በጃኻትኩም ስዋስው ቋንቋና ሓሊና ንጽሓፍ።
ናብ
ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ንጸሓፍቲ ዘየቃድዎም ኣርእስቲ እዚ ‘ናብ’ ዝብል ቃል እዩ። ገሊኣቶም እዚ ቃል ትግርኛ እዩ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና ክብሉ ከለዉ፡ ገሊኣቶም ከኣ እዚ ቃል እዚ ብመሰረቱ ትግርኛ ኣይኰነን ይብሉ። ገሊኣቶም ኣብ ቦታ መስተጻምር የቐምጥዎ፡ ገሊኣቶም ድማ ኣብ ቦታ መስተዋድድ የቐምጥዎ።ንሕና ብወገንና ምስቶም እዚ ቃል እዚ ትግርኛ ኣይኰነን ዝብሉ ንሰማማዕ ኢና። እዚ ምርኩስ ብምግባር ኢና ድማ፣ ኣብታ እቲ ዕዉት ባህርይ እትብል ዝተርጐምናያ መጽሓፍ፣ እዚ ቃል እዚ ካብ ምእታው ዝተቈጠብና። ምናልባት ንብዙሓት ሕቶ ከይፈጥር ብምባል ግን ኣብታ ቀሸም ትብል መጽሓፍና ኣእቲናዮ ኣለና። ነገር ግን፡ ሰዋስዋዊ መልክዑ ምስ እንምልከቶ፡ ጌጋ እዩ። ንመርትዖ ይዀነና እዩ ዝበልናዮም መረድኢታት ድማ እንሆ ነቕርብ።
ናብ= ን + ኣብ= ንኣብ= ንኣ= ና
ኣብ ላዕሊ ንዕዘቦ ከም ዘለና እዚ ናብ ዝብል ቃል ብኸመይ ከም ዝማዕበለ እዩ። ክልተ እተፈላለዩ መስተጻምራት ተወሃሂዶም ዘማዕበልዎ ይመስል። ኣብ ሕብረተ-ሰብና እዚ ቃል እዚ ደሓር ዝማዕበለ እዩ። ብፍላይ ኣብ ገጠራት ሃገርና እዚ ቃል እዚ ልሙድ ኣይኰነን። ልክዕ’ዩ ‘ን’ ኣብ መንጐ ክልተ ሓረጋት ወይ ምሉኣት ሓሳባት ምስ ትኣቱ፣ ከም መስተዋድድ ተገልግል። ኣብ መጀመርታ ቃል ግን ከም መስተጻምር እያ እተገልግል። ኣብ ግን መስተጻምራይ ቃል እዩ።
ናበይ ደኣ ኢኻ፧ ኣብ ክንዲ ምባል ኣበይ ኣቢልካ ደኣ ኢኻ፧ ይምረጽ
ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ኣብ ክንዲ ምባል ኣብ ኣምላኽ ይጽሊ ይበልጽ
ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ክንብል ከለና፣ ን + ኣብ ኣምላኽ ይጽሊ ንብል ኣለና ማለት’ዩ። ስለዚ ካብ ክልቲኡ መስተጻምራት ሓደ ንሕረ። ማለት
 ንኣምላኽ ይጽሊ
 ኣብ ኣምላኽ ይጽሊ
እቲ ዝሓሸ ግን ኣብ ኣምላኽ ይጽሊ እዩ።
ካልእ ኣብነት ድማ
ንሓወይ ናብ ኣስመራ ሰዲደዮ። ናብታ ሓፍተይ ድማ ልኢኸዮ። ክንዲ ምባል ንሓወይ ነስመራ ሰዲደዮ፣ ኣብታ ሓፍተይ ድማ ልኢኸዮ።
ናብ መቕደስካ እኣቱ። ክንዲ ምባል ኣብ መቕደስካ እኣቱ። ይሓይሽ
ፕሮፌሰር ስብሃቱ፡ ኣብታ እዋይ ፍቅርቲ ትግርኛ ሆየ……ተጠሊዕኪ ኡይ በሊ ዘርእስታ ኣብ 2012 ዘሕተምዋ መጽሓፎም፡ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ እዚ ዝስዕብ መኣረምታታት ይህቡ።
ስለዚ እንሆ፡ ነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም አሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም አሎኹም። ማቴ 24፡14

ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ኣብ ክንዲ ምባል እቲ ዝሓሸን ነባርን ትግርኛ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
 ካብ ዓዲዓዲ
 ኣብ ዓዓዱ
 ኣኣብ ዓዱ
 ኣብ ዓዲ ዓዲ
 ዓዲዓዱ
 ፈቐዳፈቐዳ

ካልእ መረድኢ ክዀነና ድማ፣

ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናኣተዉ ክንዲ ምባል፣ እዞም ዝስዕቡ ኣማራጺታት ኣለዉና፦
 ኣብ ዘዝኣተዉዎ ከተማ
 ኣብኣብ ዝኣተዉዎ ከተማ
 ኣብ ከከተምኡ እናኣተዉ
 ከካብ ከተማ እናኣተዉ
 ኣኣብ ከተምኡ እናኣተዉ
 ካብ ከከተማ እና ኣተዉ
 ፈቐዳ ከተማ እናኣተዉ
መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ካብ ዘእተወን ጥቕስታት ሓንቲ እስከ ንውሰድ።

ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። ግብ 20፡23-24

እዚ ናብ ዝብል ቃል ብዙሓት ረባሕታታት ኣፍርዩ ይርከብ። ከም መስተጻምር ጥራይ ዘይኰነስ ከም ጻምረወሳናይ ኰይኑ ውን የገልግል ኣሎ። ጻምረወሳናዮት ዝበሃሉ፣ መስተጻምራት ከም እኒ ኣብ፡ ከም፡ ስለ ወዘተ ምስ ኣመልከትቲ ወሳናዮት ቃላት ከም እኒ እዚ፡ እቲ፡ እታ ወዘተ ክዓዩ ከለዉ እዩ። ንምሳሌ ኣብ + እዚ = ኣብዚ
ናብዚ= ን+ ኣብ+ እዚ
ናብቲ= ን+ ኣብ+ እቲ
ኣብዚ ዘመንና ብብዙሓት ኣገልግሎታ ተናዒቑ እትርከብ ግናኸ ልክዕ ዝዀነት ቃል ኣላ፣ ንሳ ድማ ነጀው (ነጆ) እያ። ናብዚ ኣምጽኣዮ ክንዲ ምባል፣ ነጀው ኣምጽኣዮ ምባል እዩ ልክዕ።
ኣብ መንጐ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ልሃጃ ምስ እንወስድ ድማ። ላብ፡ ላውዚ፡ ላፍቲ፡ ወዘተ ዝብሉ ንረክብ።

ይቕጽል. . .

ጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን
7/06/2014
ስቶክሆልም ሽወደን


Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = 8SypJR0LEZz