Literature

ARTICLE

ትርጕም ስማት - 2ይ ክፋል

ብ ጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን Download | Comment | Share Share

1. የርኤል = ፍርሃት ኣምላኽ፡ ራእይ ኣምላኽ
ደቂ ቶላዕ ከኣ፡ ዑዚን ረፋያን የሪኤልን ያሕማይን ይብሳምን ሸሙኤልን፡ ናይ ቶላ፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ በብወለዶኦም ሓያላት ጀጋኑ፡ ቊጽሮም ብዘመን ዳዊት ዕስራን ክልተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ። 1 ዜና 7፡2

2. ቄሙኤል = ኣምላኽ ኣልዓለ፡ ኣተንስአ፡ ሓፍ ኣበለ ወይ ኣምላኽ ኣቘሞ፡ ተኸሎ፡ ኣጽንዖ

ዑጽ እቲ በዅሩ፡ ሓዉ ድማ ቡዝ፡ ቄሙኤል ከኣ ኣቦ ኣራም፡ ዘፍ 22፡20

3. ልሙኤል = ኣምላኽ ምስኡ ወይ ኣምላኽ ምስኦም

ቃላት ንጉስ ልሙኤል፡ ኣዲኡ ዝመሀረቶ ንግራት፡ ምሳሌ 31፡1

4. ማግድኤል = ኣምላኽ’ዩ ኢልካ ምእዋጅ፡ ሕሩይ ፍረ ኣምላኽ

ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም በብምቕማጦም ኣብ ምድሪ ርስቶም ዘለዉ ሹማምቲ ኤዶም እዮም። ኤሳው፡ ንሱ ኣቦ ኤዶማውያን እዩ። ዘፍ 36፡43

5. ናይን = ጽባቐ፡ ውቃበ፡ ደመት፡ ስብቀላ፡ ደም-ግባት

ንጽቢሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። ሉቃ 7፡11

6. ኦኔሲሞስ = ኣርባሒ፡ ጠቓሚ፡ ኣኻዕባቲ፡ ዘርብሕ

ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቁርን ሓውና ኦኔሲሞስ ሰዲደዮ አሎኹ። ንሳቶም ብናይ ነጀው ዘበለ ዅሉ ኺነግሩኹም እዮም። ቆሎ 4፡9

7. ጳላጥያ = እግዚኣብሄር የድሕን ወይ የገላግል ኰታ፡ ምድሓን ወይ ምግልጋል ኣምላኽ

ጳላጥያ፡ ሓናን፡ ዓናያ፡ ነህ 10፡22

8. ረዑኤል = ጓሳ፡ ዓርኪ ኣምላኽ

ሙሴ ኸኣ ንሖባብ ወዲ ረዑኤል ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፡ ዝበለና ቦታ ንጐዐዝ ኣሎና። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ምሳና ኺድ፡ በሎ። ዘሁ 10፡29

9. ሲምሶን (ሳምሶን) = ጸሓዩ፡ ኣገልግሎቱ፡ ካልኣይ ግዜ ኣብኡ

እታ ስበይቲ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሲምሶን ሰመየቶ። እቲ ቈልዓ ድማ ዐበየ፡ እግዚኣብሄርውን ባረኾ። መሳ 13፡24

10. ታማር = ተክሊ-ስየ፡ ስየ

ይሁዳ ድማ ንዔር በዅሪ ወዱ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። ዘፍ 38፡6

ምንጪ
HITCHCOCK'S BIBLE NAMES DICTIONARY

ትርጕም
ጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን
10-04-2014
ስቶክሆልም ሽወደን

ይቕጽል

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = Y1ZMStfPOnS