Literature

ARTICLE

እቶም መናዓብቲ... 1ይ ክፋል

ብ ሳምሶን ም-አብ Download | Comment | Share Share

እዚ ዝዀነ ኣብ ተሰሎንቄ እዩ። ጳውሎስ ከም “ልማዱ” ኣብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፣ ምስቶም ኣብ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ይዘራረብ ነረበ። ወንጌል ምንጋር ብዕጻ ከም ዝበጽሖ ይፈልጥ ነበረ። ነዚ ጻውዒት ድማ የኽብሮ ነበረ፣ ስለዚ ድማ ፈትዩ ይነብረሉ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ዝሞተን ዝተንስአን ክርስቶስ የሱስ ምዝራብ ስርሑ እዩ። ሰባት ዘመን ድንቁርናኦም ሓሊፉ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ክዀነሎም፣ ብንስሓ ክምለሱ፣ ንየሱስ ወዲ ኣምላኽ ብእምነት ክቕበሉ፣ ነዚ ሓቂ ምእዋጅ ልማድ ነበሮ። ስብከቱን ትምህርቱን ድማ ብምርዳእን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ስለ ዝነበረ ብዙሓት ንእምነት ይእዘዙ ነበሩ። ኣብ ተሰሎንቄ’ውን እንተዀነ ዝተፈለየ ኣይነበረን። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዝተሰቕለን ዝሞተን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዝተንስአ የሱስ ምስ ሰበኸሎም ሓያሎ ኣሚኖም ናብታ ማሕበር ተጸንበሩ። እዚ ዝረኣዩ ኣይሁድ ስለ ዝቐንኡ፣ ካብ ዕዳጋ እኩያት ሰባት ወሲዶም ንኸተማ ኣዕገርገርዋ። ንጳውሎስን ንሲላስን ምስ ሰኣንዎም ድማ ገለ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ መኳንንቲ ወሰድዎም። እዚ ብምግባር ድማ “እቶም ንብዘላ ዓለም “ዘናዕቡ” ዘለዉ ናብዛ ከተማ መጺኦም ኣለዉ በሉ።

ናይዞም ኣይሁድ ቀንዲ ሽግር፣ ሃዋርያት ናብ ከተማኦም መጺኦም ወንጌል ስለ ዝሰበኹ እሞ ብዙሓት ንእምነት ስለ ዝተኣዘዙ ጥራይ ኣይነበረን። እዚ ኣብዛ ከተማኦም ዝዀነ፣ ኣብ ብዙሕ ካልኦት ከተማታትን ዓድታትን ይኸውን ስለ ዝነበረ ድማ እዩ። ሃዋርያት ኣብ ዝኣተውዎን ዝተቐመጥዎን ወንጌል ምስባኽ እንኰ ዕላምኦም ስለ ዝነበረ፣ ብዙሓት ናብ እምነት ንኽጽንበሩ ምኽንያት ነበሩ። ኣይሁድ ግን ነዚ እንክርእዩ ፈጺሙ ኣይኰነሎምን ነበረ። ስለዚ ድማ ብቑጥዓ ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ብዙሕ ግዜ ተላዕሉ። ባህሎምን ስጋዊ ስርዓቶምን በቲ ሓራ ዝገብር ናይ ወንጌል ሓቂ ይሰዓር ስለ ዝነበረ፣ ዕረፍቲ ኣይነበሮም። ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምሓዞምን ምቅያዶምን ስለ ዝሰኣኑ ድማ “መነዓብቲ” ኢሎም ሰመይዎም።

ኣቐዲሙ ኣብ ምዕራፍ 16 እንተዀነ’ውን ተመሳሳሊ ሽም ኣጠሚቖሞም እዮም። ሃዋርያት ኣብ ከተማ ፊሊጲ ከለዉ፣ መንፈስ ጥንቆላ ዝነበራ ብጥንቁልነኣ ድማ ንጎይተታ ብዙሕ ተርብሖም ዝነበረት ሰበይቲ ተጓነፈቶም። ኣሰኣሰሮም እናሰዓብት ብዙሕ ምስ ኣሸገረቶም፣ ጳውሎስ ብመንፈስ ኰይኑ ነቲ ርኹስ መንፈስ “ብስም የሱስ“ ክወጽእ ኣዘዞ። ከምኡ ድማ ኰነ። ዕዮ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ዝተረድኡ ጎይቶታ፣ ንሃዋርያት ናብ ዕዳጋ ስሒቦም፣ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፣ ብኸተማና ኸኣ የናዕብዋ ኣለዉ” በሉ (ግብ 16፣ 19-20)።

ሓንሳብ ግዳ! እዞም ሰባት ንወለሓደ ክቃወሙ ወይስ ሰለማዊ ሰልፊ ጌሮም ኣንጻር ወልሓደ ክለዓሉ ኣይተረኽቡን። ከምቲ ኣይሁድ ዝገበርዎ፥ እኩያት ሰባት ኣሰሊፎም ከተማ ኣየናወጹን፣ ከባቢ’ውን ኣይረበሹን። ስለ ኣየናይ ገበን ድኣ እዮም “መነዓብቲ” ክብሉ ዝጠቀንዎም። ስልጣን ይግብኣና እዩ ኢሎም ድምጾም ኣየስምዑን። ወይ’ውን ኣብ ስልጣን ኣይዓመጹን። ዝግብኦም ደኣ ይገብሩ ነበሩ። ስለቲ ዝወረዶም ኣደራዕን ስደትን፣ ከም ኩሉ ሰብ መሰልና ይተሓለወልንና ኣይበሉን። ፓለቲካዊ ኰነ ሃይማነታውን ኣጀንዳ ኣይነበሮም። ሮማውያን ኰኑ ፈሪሳውያን ግና ብዛዕብኦም ድቃስ ዘይብሎም ይሓድሩ ነበሩ። ፈሪሳውያን ዝገብርዎን ዝዛረብዎን ኩሉ ፋሕ እናበለ ኣሸገሮም። ዝገበርዎ ዋዕላ ብዘይ ፍረ እናተዛዘመ ኣጨነቖም። ሃዋርያት ዘይተማህሩ ምኻኖም ምስ ፈለጡ እሞ ኸኣ ዝብልዎ ሕርብት በሎም። ብትንታነ መዝገበ ቃላት ዘይምልከቶም እኳ እንተነበረ፣ ዝብልዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፣ “መነዓብቲ” ዝብል ስም ሃብዎም።

እዚ ብኣበሃህላ ኣይሁድ “ምንዓብ” ዝተባህለ፣ ዝጀመረሉ ኣብ “በዓል ሓምሳ”፣ 50 መዓልቲ ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ እዩ (ግብ 2)። ዋላ እኳ የሱስ ካልኣይ ምትንሳኡ ኣብ ሃዋርያት ዓቢ ተሓድሶ ኣምጺኡ እንተነበረ፣ መደብ ኣምላኽ ግና ኣብ እግሪ ምትካል እዩ ዝነበረ። ሃዋርያት’ውን መደብ መንግስቲ ኣምላኽ ገና ኣይተሰወጦም ነበረ። ዓመጽ ሮማውያን ክውደኣሎም ብምድላይ “መንግስቲ ንእስራኤል መዓስ ኢኻ ተቕንዕ” (ግብ 1፣6) ኢሎም ብምሕታት ገና ሓሳቦም ናይ ምድሪ ከም ዝነበረ ኣግሃዱ። የሱስ ግን ናይ ሰብ ጻዕርን ስቓይን ግዲ ዝብሎ እኳ እንተዀነ፣ ናይ ሙማቱን ምትንሳኡን ተልእኾ ካልእ ምኻኑ ደኣ ነገሮም። እንታይ ገደሰኩም ድሕሪ ምባሉ፣ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቁልፊ ዝዀነት ዘረባ ተዛረቦም። “መንፈስ ቅዱስ ናባኹም ምስ ዝወድር ግና ሓይሊ ክትቅበሉ፣ ክሳብ ወሰን ምድሪ ድማ ክትምስኩሩለይ ኢኹም (ግብ 1፣8-9)” በሎም። እዚ ዝረኣኽምዎ፣ ካባይ ዝሰማዕክምዎን “ጥዑም ዜና”፣ ናብ ብዘላ ዓለም ንምብጻሕ፣ ነዚ ብሓጢኣት ዝተኣስረ፣ ስላዕ ጸላኢ ድማ ዝሰዓሮ ወለዶ ሓራ ከትገብሩ እልእኸኩም ኣለኹ በሎም። እዚ ድማ እዩ ናይ ማሕበር ኣምላኽ ናይ ምውላዳ ቀንዲ ምስጢር።

እዚ ዝተዛረቦም ቃል ድማ ኣብ ግብ 2 ተፈጻምነት ዝረኸበ ሓቂ እዩ። ብሓደ ሓሳብን ሓደ ልቢን፣ ነቲ የሱስ ዝበሎም ቃል እናተጸበዩ፣ ተዓጽዮም ክጽልዮ ከለዉ ድማ፣ ከም ብርቱዕ ህቦባ ንፋስ ደሃይ ካብ ሰማይ መጸ፣ ነታ ዝነበርዋ ቤት ድማ መልኣ። ዝተመሳቐለ ልሳን ሓዊ ዝመስል ኣብኦም ስለ ዝተቐመጠ፣ ሓይሊ ተዓጥቁ። (ግብ 2፥1-4) መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝመልኦም ድማ ኣብ ዝኣተውዎን ዝኸድዎን ብሓይሊ ይኣትዉን ይወጹን ነበሩ። ከተማታትን ዓድታትን ይገላብጡ ነበሩ። እምበኣር ኣይሁድ ክሳርኦም እናጸብጸቡ፣ ክዝብቱና ንሕግና ድማ ከንቱ ክገብርዎ እዮም ኢሎም ብምፍራህ፣ “መነዓብቲ” በልዎም። እዚ ድማ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣባታቶምን ብኣታቶምን ብሓይሊ ይግለጽ ስለ ዝነበረእዩ። ጐይታ የሱስ ከም ተስፋ ቃሉ፣ ንቃል ጸጋኡ እናጽንዔ፣ ኣብ ኩሉ ስፍራ፣ ህላውነቱን ስልጣኑን ይገልጽ ስለ ዝነበረ፣ ሰባት ድማ ብሓይሊ ወንጌል ይስዓሩን፣ ንወዲ ኣምላኽ ይምብርከኹን ስለ ዝነበሩ፣ ኣይሁድ ዓይኖም ኣይከኣለሎምን። ክጥቅንዎምን ከሳድድዎምን ስለ ዝደለዩ ድማ “መነዓብቲ” ዝብል ስም ጠቅዕሎም።

1 comments
Samson Mehreteab ነቲ ኣብ መጀመርታ ዘሎ ሓሳብ፡ ኣብ ግብ 17 እንተነቢብና ክንረክቦ ንክእል።
January 15, 2014 at 6:22am
Post your comment
item_id = 55I9Kx7vELQ