Literature

ARTICLE

ፈውሲ ምድሪ

ብ ኣማኑኤል ኤልያስ Download | Comment | Share Share

ጥዕና ንኹሉ ፍጡር ከምዜድልዮ ሓደኳ ዚጠራጠር የልቦን። ካብ ዝሓመመ ኣካል ወይስ ሰብ ውጽኢታዊ ዝኾነ ህይወትን ጥዑይ ፍረን ክትረክብ ኣዝዩ ዜሸግር ምዃኑ ድማ ርዱእ ሓቂ እዩ። ጥዕና ግና ንኹሉ ፍጡር እዩ ዜድልዮ። ስለዚ ኸኣ እዩ ፍጡር ዘበለ ኹሉ ንጥዕናኡ ዚጻረር ነገር ኪገጥሞ ኸሎ፣ ንምክልኻል ወይስ ካብኡ ንኺድሕን ዓቕሙ ዜፍቅዶ ኹሉ ጻዕሪ ዚገብር። ኣካላትና ሓደ ካብዚ ኮይኑ ናይ ርእሱ ናይ ምክልኻል ስርዓት ብምምዕባል ካብ መጥቃዕቲ ጸረ ጥዕና ዝኾኑ ኣካላት ይከላኸል። ጥዕና እንተተሳእነ ግና እቲ ዘይተርፍ ሞት ቀልጢፉ ኪመጽእ ባህርያዊ ነገር እዩ።

ሕጂ ክንዛረበሉ ዝደለና ጉዳይ ናይ ሓደ ሰብኣዊ ኣካል ጥዕና ጥራይ ኣይኮነን። ሓደ ሓባራዊ (ኮርፖረይት)ኣካል ኣልዒልና ኢና ብዛዕባ ጥዕና ሕብረተሰብ ክንዛረብ። ሓንቲ ዓዲ ብሰብኣዊ ኣካላት ማለት ፍጡራት ደቂ ኣዳም ዝቖመት እያ እሞ እቲ ኣብ ውልቀሰብ ዘሎ ኣድላይነት ጥዕና ኣብኣ ድማ ብሓባራዊ መልክዑ ኪህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ ንውልቀሰብ ካብ ውሽጡን ካብ ደጊኡን ዚመጽእ ጸረ ጥዕና ዝኾኑ ኣካላት ከም እኒ ቫይረስ፣ ባክተርያ፣ መንሽሮኣዊ ዋህዮ ወዘተ ዜጥቅዑዎ፣ ንሓደ ሕብረተሰብ ድማ ካብ ውሽጡን ደጊኡን ዚለዓል ንጥዕናኡ ዚጎድእ ነገራት ኣሎ።

ደቂ ሰብ ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩ ካብ ዚጅምሩ፣ ብኸመይ ኪነብሩ ከምዘለዎም ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታታት ስለዝነበሮም ብዙሕ ተኻቲዖም፣ ተባኢሶም፣ ተቓቲሎም፣ ደሓር ድማ ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ ሓቢርካ ብተጸዋርነት ናይ ምንባር ደረጃ ኪበጽሑ ክኢሎም። ነዚ ዓይነት ኣነባብራ ኣመልኪቱ ቶማስ ሆብስ “ማሕበራዊ ውዕል”(ሶሻል ኮንትራክት)ኢሉ ጸውዖ። ሰባት ብሓባር ንኺነብሩ ዜድሊ ዘበለ ኹሉ ናይ ህይወት ደርጃታት ማለት ስነቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ጥዕናውን ትምህርታውን ነገራቶም ኪጥዕየሎም ስለዘለዎ ዚገብሩዎ እዩ። እንተዘይኮነ ናይ ሓባር ናብርኦም ነውጽን ባእስን ዝመልኦ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሕሙም ዝምድና ይኸውን። በዚ ኸምዚ ድማ ህይወት መራር ትኾኖም። ንሓድሕዶም ብምጥፍፋእ፣ ሽግሮም ኪፈትሑ ድማ ናይ መጨረሻ ኣማራጺ ይወስዱ። ተርእዮ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይዚ ኣብነት እዩ።

እዚ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና ናይ ሓባር ምንባር ውዕል፣ ካብቲ መሰረታዊ ናይ ሰብ ባህርይ ንሱ ድማ ሰብኣዊ ርእሰ-ፍትወት ዚብገስ እዩ። ሰብ ብመጀመርያ ካብ ርእሱ ሓሊፉ ንኻልእ ኬፍቅር ሓይሊ ወይስ ዓቕሚ የብሉን እሞ፣ ብሓደ ክትነብር ከለኻ፣ ዝያዳ ንኻልኦት ከተፍቅር ኢልካ ምጽባይ ከንቱ እዩ ዚኸውን። ካብዚ እተላዕለ እዩ ክርስቶስውን “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ፍቶ” ኢሉ ዚእዝዝ። እዚ ኸኣ ምንጪ ንኻልእ ሰብ ምፍቃር ንርእስኻ ድማ ቅኑዕ ዝኾነ ፍቕሪ ኪህልወካ ከም ዜድሊ የርእየና። ኣብ ሕብረተሰብ እምበኣር፣ ጥዕና ዘለዎ ዝምድናታት ኪህሉ እንተኾይኑ ንሰብ ከም ሰብ ዚርኢ ኣመለኻኽታ ኪህሉ የድሊ። ንውልቀሰባት ከም ፍቓድን ስምዒትን ዘለዎም ኣካላት ዘይርኢ እንተኾነ ሓደ ሕብረተሰብ ብጥዕና ኪነብር ኣይከኣሎን እዩ። ከመይሲ፣ ንሰብ መጀመርያ ከም ርእሱ ዜፍቅር ሰብ ጌርካ ዘይምርኣይ ናይ ሕብረተሰብ መንሽሮ እዩ። ካብኡ ድማ እዩ እቲ ካንሰራዊ ዝኾነ ክስተታት ዚላባዕ።

እዚ ክንብሎ ዝጸናሕና ናብ ሓደ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣርእስቲ የእትወና። ጥዕና ሓንቲ ምድሪ ሕሉው ኮይኑ ዚነብር፣ እቲ መሰረታዊ ሓቂ ብዛዕባ ሰብን ዝምድናታቱን ኣብ ግምት ምስዚኣትው እዩ። ብገለ መዳዩ ተሃስዩ እንተተረኽበ፣ እቲ ኪትኮረሉ ዘለዎ ነገር እቲ “መሰረት” ናይ ህይወት እታ ምድሪ እዩ፣ ከመይሲ ሓደ ማእሰር (ፋብሪክ) ናይ ሕብረተሰብ ተወቒዑ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ መዝሙር “መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከኣሎ፣” ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። (መዝሙር 11፣3) እዚ ማለት ዝፈረሰ መሰረት ሓደ ከቢድ ሽግር ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ምዃኑ ዜርኢ እዩ። መሰረት፣ ከም ዓንዲ ሕቖ ናይ ሓደ ሰብ ክንወስዶ ይከኣል። እዚ እንተተነቓኒቑ ወይስ እንተዘይቀንዐ፣ እቲ ሰብ ብጥዕና ኪመላለስ ኣይክእልን እዩ።

ሓንቲ ዓዲ ኸኣ መሰረታ ኪፈርስ ፈጺሙ ዜዋጽኣ ኣይኮነን። እቲ ዓንዲ ሕቖ ናይ ህይወታ “ኣብ መንጎ ሓድሕድ” ዚህሉ ምትእምማን፣ ፍቕሪ ሕብረተሰብን እዩ። ካብ ምሩጻት ዓንቀጻት ኣቶ ወልደኣብ እንተርኤና እታ ብዛዕባ “ፍቕሪ ሃገር” ዝጸሓፉዋ ኣዝያ ቅንዕቲ ጽሕፍቲ እያ። ፍቕሪ ሓንቲ ምድሪ ፍቕሪ ሰባት እዩ። እዚ ድማ ካብ ፍቕሪ ገዛእ ርእስኻ ዚብገስ ምዃኑ ኣተንቢህና ኣሎና። ብዛዕባ እተሳእነ ወይ ዘጋጠመ ማሕበረ ቁጠባዊ ወይስ ፖለቲካዊ ህይወት ናይ ሓንቲ ምድሪ ካብ ኣልዓልና እቲ ኪመጽእ ዘለዎ ነገር “ፈውሲ መሰረት” እዩ። እዚ ማለት ከኣ ላዕላይ ላዕላይ ናይ ህይወት ሓንቲ ምድሪ ጥራይ ርኢና ኣይኮንናን፣ እዚ ኪኸውን ይግባእ፣ እዚ ድማ ኪግበር ኣለዎ ኢልና መፍትሒ ናይ ኩሉ ዘጋጠመ ጸገማት ክንዛረብ ዚግበኣና። ናብቲ መሰረት መጺና ደኣ ኢና ናብቲ ሱር ናይ፣ ዝኾነ እተራእየ ሽግራት ሓደ ሕብረተሰብ፣ ክነጽንዕን ብዛዕብኡ ድማ መሰረታዊ ዝኾነ ፈውሲ ከነምጽእን ዚግበኣና።

ብዙሓት ሰባት ምንጪ ማሕበራዊ ሽግራቶም ኣብ ርእሶም ክንዲ ዚደልዩዎ ኣብ ካልኦት ከምዘሎ ይኣምኑ እሞ ንኻልኦት ይጥምቱ። ካብዚ እተላዕለ ነቲ “ሰይጣን” ኣብ ካልኦት የናድዩዎ። ካብዚ ድማ እዮም ዝተፈላለየ ፍታሓት ዚፍትኑ። ግናኸ ኣብ መሰረት እንተዘይቀናዕካ ኣብ ካልእ እተምጽኦ ፍታሓት ክትቀንዕ ኣሸጋሪ እዩ። ስለዚ ሰባት ከምኡውን ሕብረተሰባት ብሓፈሻ ካብ ባዕሎም ዜምጽኡዎ እተጠውየ ፍታሕ እተላዕለ፣ ምስ ሽግራቶም ነዊሕ ኪጎዓዙ የገድዶም። ንኻልኦት ጠቒስካ ብዛዕባ ሽግራትካ ምጒርምራም ናብ ነፍሰ-ምትሓት እዩ ዚመርሓካ። ነፍሰ-ምትሓት ድማ ሱር ውድቀት እዩ።

ግናኸ ፈውሲ ናይ ሓንቲ ምድሪ ኣመልኪትና ክንዛረብ ከለና ናብቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘሎ ሽግር ከተማዕዱ እዩ ምንጪ ፈላሚ ፈውሲ ናይ መሰረት። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ቐረባ ቅንያት ሓደ “ጽልኣት ወጻእተኛታት”(ዜኖፎብያ)ተላዕሉስ ገለ ወጻእተኛታት ብጸለምቲ ደቀባት ተቐትሉ። እዚ ዋላ ደኣ ብቕትለታት ኣይሰነ እምበር ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ንርእዮ ሓቂ እዩ። ካበይ መጸ እንተተባህለ ግና ሕጂውን ካብ ሕማም ሕብረተሰብ እዩ። ምንጪ ሽግራትካ “ካልኦት” እዮም ዚብል ኣመለኻኽታ ስለዘሎ እዩ። ብሓቂ ግና ከምኡ ድዩ?

ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም እዩ’ዚ ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ምዃኑ። ንማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማትካ ክትብድህ ስለዘይከኣልካ “ተረካቢ” ስኬፕጎት)ተናዲ። እዚ ምስገበርካ ግና ሽግርካኸ ይፍታሕዶ? ከመይ ኢሉ! እቲ መሰረት እንድዩ ፈሪሱ! ዜኖፎብያ መፍትሒ ኣይኮነን፣ ሕሉፍ ሃገራውነት መፍትሒ ኣይኮነን፣ ሰውራ ወይስ ሪቮልዩሽን መፍትሒ ኣይኮነን። ነፍስኻ ምፍታሽ እዩ እቲ ዝያዳ ፍታሕ ኬምጽእ ዚኽእል። ቀጺልና እምበኣር ነቲ መሰረታዊ ሽግርን ፈውሲ ምድርን ኣመልኪትና ክንርኢ ንፈትን።

እዚ ጽሑፍ እዚ ሓደ “እምንቶ” ማለት “ፕረሚስ” የቕርብ። ንሱ ድማ “ሕብረተሰብ ብማሕበራዊ ውዕል ዝቖመ እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ፍቕሪ ማለት ‘ፍቕሪ ርእስኻን ፍቕሪ ብጻይካን’ እተመስረተ እዩ። ክርስቶስ ‘ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ ከምዝበለ፣ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ኩለንትናዊ ፈውሲ ዚረክብ ንደቂ ሰብ ከም ክቡራት ፍጥረት ኪርእዮም ምስዚጅምር እዩ።” ነዚ እምንቶ እዚ ብገለ ሓሳባት ከፋፊልና ክንርእዮ ኢና ሕጂ።

• ኣብ ቅድስና ናይ ህይወት እትኣምን ሃገር ኣዝያ እተባረኸት እያ።

ህይወት ልዕሊ ኹሉ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ብቓላት ከናፍሩ ዚብሎ ነገር እዩ። ኣብ ምድርና እንርእዮ ሓቂ ግና ህይወት ወዲ ሰብ ከም ብገንዘብ እትዕቀን፣ ኣብ ገሊኡውን ከም መርገም ኪቑጸር ኢና እንርኢ። በዚ ድማ ብሓቂ ሰባት ኣብ ህይወት ዘለዎም ኣመለኻኽታ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ንርዳእ። ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ከምዚ ደረጃ ናይ ኣመለኻኽታ እንተወዲቑ፣ ንህይወት ዘለዎ ክብሪ ትሑት እንተኾይኑ፣ እታ ምድሪ ብጥፍኣት ሰባት ዝመልአት፣ ብኻልእ ከም እኒ ቅትለታት፣ ምውራድ ጥንሲ ካልእ እኩይ ነገራትን ዝመልአት ኮይና ንረኽባ።

እዚ ሓጢኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽዩፍን ዝኾነ ነገራት ፈጺሙ ነታ ምድሪ ኾነ ነቲ ሕብረተሰብ ሕማምን መንቅን የምጽኣሉ። ካብኡ እተላዕለ ድማ እታ ምድሪ ብዝተፈላለየ እኩይ ነገራት እተወቕዐት ኮይና ንረኽባ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን እዚ ናይ ህይወት ክብሪ ጎዲሉ እንረኽበሉ እዩ። ከመይሲ ህልቂት ሰባት ብኣሽሓት እንርእየሉ ኩነታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ሰባት ንሽግራቶም ብምርድዳእ ዘይኮነስ ብሓይሊ ብረት ኪፈትሑ እዮም ዚደልዩ። ብኸንቱ ከኣ ህይወት ትሓልፍ። ከመይ ኢልና ኢና ነታ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ሰባት ዘለዋ ዓዲ እተባረኸት ክንብላ ንኽእል!

ብኣንጻር’ዚ ግና እታ ንህይወት ክብሪ እትህብ ዓዲ፣ ምድራን ህዝባን እተባረኸ ይኾነላ። እዚ ባዕሉ ዚፍጸም ትንቢትውን እዩ። ማለት፣ ሰባት ንህይወት ዜኽብሩ እንተኾይኖም፣ ኩሉ’ቲ ምስ ህይወት እተተሓሓዘ ሓጢኣታትን ካልእ ክፉእን ካብታ ምድሪ ይርሕቕ። እቲ ህዝቢ ንህይወት ካልኦት ኣኽቢሩ ይሕዝ። ሞት ሰባት ድማ ክቡር ነገር ይኸውን፣ ከመይሲ ህይወት እያ እትሓልፍ ዘላ። እዚ ሓንቲ ምድሪ ፈውሲ ረኺባ ክትበሃል ዜኽእላ ነገር እዩ።

• ሓንቲ ምድሪ ክብራ ኣብ ስነሓሳብ ዘይኮነስ ኣብ ህዝባ እንተገበረት ንምብልጻግ ቀረባ እያ።

ንሓንቲ ምድሪ ዜቑሙዋ እቶም ህዝባ ወይስ ሕብረተሰባ እዮም። ንሶም ድማ ሓባራዊ (ኮርፖረይት) ህልውና ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎም። ንሶም በብውልቆም ነናቶም ህይወት ዘለዎም ኣካላት ሕብረተሰብ እዮም። ንሶም በብቲ ድሌታቶምን ኣከባቢኦምን ንጥፈታቶም እናነበሩ ኸለዉ ድማ እዮም ንሕብረተሰብ ዜቑሙ። ሕብረተሰብ ኪበሃል ከሎ ከምቲ ስሙ “ሕብረ - ተ - ሰብ” እዩ። ናይ “ዝተፈላለየ” ህይወት፣ ኣመለኻኽታ፣ ባህርያት፣ ክእለታት፣ ድሌታት፣ ኣቃውማ፣ እምነት ዘለዎም ሰባት ውህደት እዩ። ሕብረተሰብ ኪበሃል ከሎ “ሓደ-ነት” (ሆሞጂኒቲ) ኣየመልክተናን እዩ። እምበኣርከ ሓደ ሓሳብ ኪኾኑ ኣይክእሉን። እዚ ካብ ኮነ ድማ “ብስነ ሓሳብ” ጥራይ ኪጥመሩ ኣይክእሉን። ግናኸ ብፍታው ኮነ ብግዲ ፍልላያቶም ከም ሃብቲ ኪውሰድ የድሊ። እዚ እዩ ኸኣ ምንጪ እተፈወሰ ሕብረተሰብ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣመልኪቱ ኪዛረብ ከሎ “ኣምላኽ፣ ካብ ሓደ ሰብኣይ ኩሉ ዓሌት ሰብ (ህዝቢ) ፈጠረ፣” ይብል (ግብረ ሃዋርያት 17፣26)። ኣብ ካልእ ድማ “እቲ ልዑል ንሕዝብታት ምስ ኣረስተዮም፣ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፣ ከም ቁጽሪ መላእኽቲ ዶባት ሕዝብታት መደበ።” (ዘዳግም 32፣8) ዮሃንስ ዌስሊይ ድማ ብዛዕባ እዚ ጽሑፋት ኪዛረብ ከሎ እግዚኣብሄር “ናይታ መንበሪት ሰባት ዝኾነት ዓለም ብሓፈሻ ድማ ናይ ኩለን ሃገራትን ህዝብታትን እዛ ምድሪ ዶባት ኣቖመ።” እዚ ነቲ ንሕና ደቂ ሰብ ብምሉእና ጥራይ ዘይኮነስ ነንውልቅናውን ፍልልያት ከምዘሎና ዜመልክት እዩ። እዚ ፍልልይ ከነብዕሎ ደኣ እዩ ዚግበኣና እምበር ምንጪ ምጉጅጃልና ኪኸውን ኣይግባእን። ባእስን ምፍልላይን ዚመጽእ ግና ካብ ዝሓመመ ኣእምሮ እዩ። ስለዚ ፈውሲ ምድሪ ዚርከብ ሕብረተሰብ ካብ ጸቢብ ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበረ-ቁጠባዊ ስነ-ሓሳብ ፈጺሙ ዝረሓቐ፣ ግናኸ ኣብ ክብሪ ደቂ ሰብን ፍልልያቶምን ዜድህብ ኣመለኻኽታ ኬማዕብል ከሎ እዩ።

• ናይ ሓደ ጥዑይ ሕብረተሰብ ማእሰር፣-

ሕብረተሰብ ብዝምድናታት ዝቖመ ምዃኑ ርኢና ኣሎና። እዚ ዝምድናታት ከምቲ ንሓደ ህንጻ ከም መላግቦ ኮይኑ ዜገልግል ሑጻን ስሚንቶን ጥረ ነገር ናይ ሕብረተሰባዊ ህይወት እዩ። ወይውን ከም ንሓደ እተጠልፈ ክዳን ዜተሓሕዝ ፈትሊ ወይ ጅማት (ፋብሪክ) ኮይኑ ንሕብረተሰብ ንሓድሕዱ የዋስቦ። ካብቲ ቀንዲ መሰረታዊ ማእሰር ናይ ሕብረተሰብ ቀጺልና ንርአ፣-

• ክብሪ ናይ ስድራቤት

ስድራቤት እታ ዝነኣሰት ካብ ዝምድናታት ደቂ ሰብ እያ። ሕብረተሰብ ድማ ብስድራቤታት እተሃንጸ እዩ። ነቲ ሕብረተሰብ ክትሃንጽ እንተደሊኻ እምበኣር ነታ ስድራቤት ከተደልድላ ይግበኣካ። ኣብ መንጎ ኣባላታ ጽኑዕ ዝኾነ ምትእምማን፣ ፍቕሪ፣ ስድራቤታዊ ዕላማ ምእንቲ ኺህሉ ዚከኣል ዘበለ ኹሉ ምግባር የድሊ። እዚ መጀመርያ ካብ እንታይነት መርዓ ይጅምር። መርዓ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ምዃኑ እዚ መሰረታዊ ክብሪ ስድራቤት እዩ። ቀጺሉ ኣቦን ኣደን ናይ ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ውሉዳታ ካብ ኣምላኽ ቀጺሉ ዝለዓለ ስልጣን ከምዘለዎም እዚ ምግንዛብ የድሊ። ኣብዚ ነገር’ዚ ጣልቃ ምእታው መሰረታዊ ጠንቂ ዘይምጥዓይ ስድራቤት ብኡ ኣቢሉ ድማ ሕብረተሰብ እዩ። ስለዚ ሓንቲ ምድሪ ፈውሲ ክትረክብ እንተኾይና ናይ ስድራቤታት ክብሪ ኪምለሳ ብግዲ እዩ ዜድሊ።

• ስነምግባር ሕብረተሰብ

ካልእ ማእሰር ሕብረተሰብ ስነምግባር (ኤቲክስ) እዩ። ሓደ ህዝቢ ክቡር ዝኾነ ኤቲካዊ ኣመለኻኽታ ንኼማዕብል ዚረድኦ ሚዛናዊ መትከላት እንተዘይሃልዩዎ ስዲ ኪኸይድ ንቡር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ራእይ ዜልቦ እንተኾነ ፣ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ” ይብለና። (ምሳሌ 29፣18) እዚ ዘለናዮ ዘመን “ኤቲካዊ” ህይወት እተወቕዓሉ ዘመን እዩ። ሰባት ኣብ ዓብዪ ሞራላዊ ውድቀት ዚርከቡሉ እዋን እዩ። ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3፣1-4 እዚ ተጻሒፉ ንረክብ፣- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፣ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪኾኑ እዮም እሞ፣ ፈተውቲ ገንዘብ፣ ተጀሃርቲ፣ ዕቡያት፣ ተጻረቲ፣ ንወለዶም ዘይእዘዙ፣ ዘየማስዉ፣ ርኹሳት፣ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፣ ተቐየምቲ፣ ሓመይቲ ቀለልቲ፣ ጨካናት፣ ሰናይ ዘይፈትዉ፣ ኣሕሊፎም ዚህቡ፣ ህዉኻት፣ ተፈኽነንቲ፣ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፣ …።“

ሕጂ እምበኣር እተፈወሰን ዝጠዓየን ሕብረተሰብ ኪህሉ እንተኾይኑ ንስነምግባራዊ ህይወት ግዲ ክንገብረሉ የድልየና።

• ንኣምላኽ ዚወሃብ ክብሪ (ሪስፐክት & ኣነር)

“እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተበለ፣ እንተለመነ፣ ገጸይውን እንተደለየ፣ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተተመልሰ፣ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፣ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፣ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።” (ዜና መዋእል 7፣14)

እዚ ቃል እዚ፣ ኣብ ምድሪ ሕጂውን ዚገዝእ ዘሎ ቃል እዩ። ሰባት ወይስ ሕብረተሰባት ኣብ ምድራዊ ዝምድናታቶም ንኣምላኽ ረሲዖም ኪመላለሱ ካብ ዚጅምሩ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ካብዚ እተላዕለ ክሳዕ ጥርዚ ዚበጽሕ ክፉእ ነገር ኬጋጥም ይነብር ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ዓዲ ብመጠን ካብ ኣምላኽ ዝረሓቐ ህይወትን ፍጻሜታትን ዝበዝሓላ፣ ብመጠን እቲ ምፍሳስ ደምን ካልእ ሓጢኣትን ዝበዝሓሉ እታ ምድሪ ሰናይን ሰላምን ክትረክብ ዘይሕሰብ እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ ዚመጽእ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።

እምበኣርከ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሰም ዝበዝሓ ምድሪ ናይ ኣምላኽ ምሕረትን ፈውስን ኪመጽእ ልዕሊ ኹሉ ዜገድስ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ካብ ምምላስ ናይ ህዝቢ፣ ካብ ገጹ ምድላይ፣ ካብ ናይቲ ህዝቢ ሰናይ ምርጫን ንክፉእ ምሕዳግን ተበጊሱ “ምድሮም ክፍውሰሎም እየ” ኢሉ ተስፋ ሂቡ።

• ንፍልልይ ዚህሉ ተጸዋርነት

ኣብታ ምድሪ ርእይቶ ናይ ሰባት ብኸመይ ይረአ? ሰባት ፍልይ ዝበለ ኣመለኻኽታ ሒዞም ኪነብሩ ይፍቀደሎምዶ? ከመይሲ ንሕና ደቂ ሰብ ከም ብዝሕና ዚኸውን ፍልልይ ናይ ሓሳባት ኣሎና። እዚ እንተኾይኑ እምበኣር ሰባት ብምኽንያት ርእይትኦም ግዳያት ኪኾኑ ፍትሓዊ ዘይምዃኑ ቅዱስ ሓቂ እዩ። ፈውሲ ናይ ሓንቲ ምድሪ እምበኣር ብመሰረት እቲ ሰባት ንሓድሕዶም ኪጸዋወሩ ምኽኣሎም እዩ ዚመጽእ።

• መሰረታዊ ሓርነታት

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብማዕረ ዝኾነ ህይወት እዩ ፈጢሩና። እንተኾነ፣ ካብቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዘሎ ስስዐ እተላዕለ፣ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሓድሕዶም ኪጉይተቱ ይደልዩ። ካብኡ ተበጊሶም ድማ ሓርነት ካልኦት ንኺወስዱ ኢሎም ደቂ ሰብ ነዚ ዕዮና ኢሎም ይሕዝዎ። እዛ ምድሪ ንኹሎም ከም ዘይትኣኽሎም ገይሮም ድማ ይወስዱዋ። ዝያዳ ካብ ካልኦት ስለዚደልዩ፣ ንሰባት ይዕምጹ። እዚ ድማ ነታ ምድሪ መርገም ይኾና።

ሓርነታት ናይ ወዲ ሰብ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ቅዱስ ህይወት ብኸምዚ ዘርዚርና ክንርእዮ ንኽእል፣-

• ሓርነት ብህይወት ንምንባር
• ሓርነት ብዘይ ፍርሃት ናይ ባዕልኻ መገድኻ ንምምራጽ
• ሓርነት ንምዝራብን ምግላጽን
• ሓርነት ንኣምልኾ

ወዲ ሰብ ብዘይ እዚ ሓርነታት ህይወቱ ኪመርሕ ኣሸጋሪ እዩ። ዝያዳ እቲ ሓርነቱ ዚውሰደሉ መገዲ ድማ፣ ብናይ ካልኦት ስስዐ እዩ። እዚ ስስዐ ኸኣ ዝተፈላለየ ስነሓሳባዊ ቃላት ይወሃቦ። ኣብነታት ንምጥቃስ፣ ዲሞክራሲ፣ ኮምዩኒዝም፣ ናሽናሊዝም፣ ካፒታሊዝም ወዘተ። እዚ ኹሉዶ ንሰብ የንብሮ ይኸውን? ኣይፋሉን፣ ንደቂ ሰብ “ቅኑዕ ፍትሒ” (ንኹሉ ከም ድኻሙን ከም ግቡኡን ከም ጻዕሩን ምሃቡ) ከምዜንብሮ ሓደኳ ዚቃወሞ ዘሎ ኣይመስለናን። እንተኾነ ነዚውን ሰባት ካብ ቃል ሓሊፎም ኪትግብሩዎ ዓቕሚ ወይስ ድላይ የብሎምን። ስለዚ ድማ ኢና ሓቀኛ ፍቕሪ ርእስኻን ፍቕሪ ካልኦትን “ኣመለኻኽታት” ክንረክብ ኣሸጋሪ ዝኾነ። እምበኣርሲ ፈውሲ ናይ ሓንቲ ምድሪ ካብ ምትእምማን ዝመልኦ ርእስኻ ምግታእ ዘለዎ ህይወት ዚብገስ እዩ። ነዚ ኺገብር ዚኽእል ግና ብዘይካ እቲ ንኣምላኽ ዚፈርህ ኪርከብ ይኽእልዶ?

እምበኣርከ ፈውሲ ዝረኸበ ሕብረተሰብ ኪህነጽ እንተኾይኑ፣ ከምኡውን ሓርነቱን ምሉእ ሓላፍነቱን ዘረጋገጸ ህዝቢ ኪህሉ ዚኽእል፣ እቲ ድምጺ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚፍለጥ “ሕልና” ዝመልኦ ውልቀሰብ ኪህልዋ ኣለዎ ንሓንቲ ዓዲ። ካብዚ ተበጊስና ኸኣ ኢና ክብርታትን ኤቲካዊ ስነምግባርን ሓንቲ ዓዲ ኺሕሎ እንተኾይኑ ውልቀሰብ ቅድሚ ኹሉ ኪጥዒ ኣለዎ ንብል ዘሎና። ውልቀሰብ ከይበልካ ሕብረተሰብ ክትብል ኣይከኣልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስውን ካብዚ ተላዒሉ እዩ ንምድሓን ወዲ ሰብ ብዝለዓለ ደረጃ ብምድሃብ ኩሉ ዓሌት ሰብ ኪጥዒ ዕላማ ዚገብር። ከመይሲ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣምላኽ “ካብ ሓደ ሰብ” እዩ ዓሌታት ኩላ ምድሪ ናብ ምድሓን ኪመጽእ መዲቡ። (ግብረ ሃዋርያት 17፣26)

• ሓደ ሕብረተሰብ ብናይ ሓላፍነት ሕልና ምህናጽ

እዚ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና ነገር ኣብ መጽሓፍ ነህምያ ጎሊሑ ንረኽቦ። ህዝቢ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ምርኮ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ነገስታት ሃጸይነት ባቢሎንን ኣሶርን ንመንነት እቲ ህዝብን ንክብሩን ፈጺሞም ካብቲ ዝነበሮ ፍርሃት ኣምላኽ ኪኣልዩዎ እዩ ነይሩ ዕላምኦም። እዚ ኣብ ውሽጢ ሰብዓ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ዳርጋ ተፈጸመ። ነህምያ ኸኣ ነዚ ኪመልስን ነቲ ህዝቢ ንጥዑይ ዘበለ ኩሉ ምህሮ ኪነቅሕን በይኑ ጥራይ ኣብ ዓለም ከምዘየሎ ድማ ኬርእን እዩ ተሓድሶ ሒዙ መጺኡ። ካብ ምድሪ ፋርስ ሒዙዎ ዝመጸ ኣይሁዳዊ ነገራት ጥራይ ኣይነበረን። ኩሉ ፋርሳዊ ባህሊ ኮነ ኣመለኻኽታ ድማ ኣይኮነን ሒዙ ተመሊሱ። ሚዛኑ ዝሓለወ ተሓድሶ ሒዙ ደኣ ተመልሰ።

ብሓፈሻኡ ክንዛረብ ከለና ንሓደ ሕብረተሰብ ፍጹም ዕጹው ኪኸውን ከምኡ ድማ ፈጺሙ ዓንዲ ማእከል ዘይብሉ ኪኸውን ኣይኮነን እቲ ቅኑዕ። እዚ ኣብ ቦታኡ ሃልዩ እምበኣር፣ ሓንቲ ዓዲ ጥዑይ ዝኾነ መንነትን ማሕበረሰብን ኪህልዋ እንተኾይኑ፣ እዚ ዓይነት ውልቀሰብ የድልያ፣-

• ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ብኣካል እተሃንጸ ኪኸውን
• ንቑሕ ዝኾነ ኣእምሮን ኣዎንታዊ ኣመለኻኽታን ዘማዕበለ ኪኸውን
• መንፈሳዊ ጥዕና ዝመልኦ ኪኸውን

እዚ ኣብ ላዕሊ ክንዝርዝሮ ዝጸናሕና ጥዕና ናይ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ዚርከብ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ዘመንና ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ሃገራትን ህዝብታትን ብማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ኣብ ዝሳቐያሉ እዋን ኢና ዘሎና እሞ ጥዕና ኪመጽእ ኣዝዩ የድሊ ኣሎ። ብሓቂ ጥዕና መጀመርያ ኣብ ውልቀሰብ ኪጅምር ኣለዎ። ንሱውን ምሉእ (ሆሊስቲክ) ምስዚኸውን እዩ ንምሉሕ ሕብረተሰብ ጸልዩስ ፈውሲ ምድሪ ዚኸውን። እምበኣርከ ሕጂ እስከ ነዚ ነገር እዚ ብመሰረቱ ንኺማላእ ዜድሊ ነገራት ንርአ። ገለ ወይ ኩሉ ካብቲ ማእሰር ሕብረተሰብ እንተዓነወ እሞ ፈውሲ ኪመጽእ እንተተደልየ እዚ ዚስዕብ የድሊ፣-

• ጸሎት የድሊ (ዚበዝሕ እዋን ብጾም እተሰነየ)

ጸሎት፣ ናብ ኣምላኽ ዝቐንዐ ሓቀኛ ምህለላ ማለትና እዩ። ንኣምላኽ ከም ምንጪ ህይወትን ጥዑይ ህዝብን ክንእመኖ ዘየማትእ ግቡእ እዩ። ምስ ኣምላኽ ምጽላእ ምስ ገዛእ ርእስኻ ምጽላእ እዩ። ሰብ ኣምላኽ ረሲዑ ኪመላለስ፣ ነቲ ኩሉ ሰናይ ዘበለ ኣብኡ ተጠቕሊሉ ዘሎ ካብ ሓሳበ-ሕሊናኡ ሰጒጉ ኪመላለስ ከሎ ሰላም ከምዚስእን፣ ሕብረተሰብ ድማ ንኣምላኽ ኪሓድግ ዘየወጻጽእ ነገር እዩ። እምበኣርከ ሓንቲ ዓዲ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ክትመጽእ ከላ ሓቀኛ ቦታኡ ትህቦ ኣላ ማለት እዩ እሞ፣ ኪቐንዓ ብግዲ እዩ ክንብል ንደፍር። ስለዚ ጸሎት ንሓደ ሕብረተሰብ ዚፍውስ ሓይሊ እዩ።

• ናብ ኣምላኽ ምንሳሕ ንሓድሕድካ ድማ ምእማን

እዚ ድማ ንሓቀኛ ኩነታትካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእማን ማለት እዩ። “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፣ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ደጊሙ ዘይገብሮ ግና ምሕረት ይረክብ” ይብል መጽሓፍ ቅዱስ። ንስሓ ንሃገራት ነነዌ፣ እስራኤል (ብዘመን ነህምያን እዝራን)፣ ኡጋንዳ፣ ዌልስ፣ ኣርጀንቲና ወዘተ ዝጠቐመ ነገር እዩ። ኣብ ሓንቲ ምድሪ ዝኾነ ዓይነት ቅልውላው ኪወርድ ከሎ፣ እቲ መንፈሳዊ ሸነኹ ድማ ከነድህበሉ ዚግበኣና እዩ። እዚ እንተዘይጠዓየ ንኻልእ ኩሉ ድማ ስለዚልክም፣ ንሽግራትና ማሕበረ-ቁጠባዊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣውራ እኳ ደኣ መንፈሳዊ መፍትሒ ከነናድየሉ ኣሎና። ንስሓ ድማ ሓደ ወሳኒ ብቐጻሊ ከነድህበሉ ዘሎና ነገር እዩ።

• ምሕረት መሰረታዊ ነገር እዩ

ሓድሕዳዊ ምምሕሓርን ዕርቅን ኣብ ሕብረተሰብ ሓደ ካብቲ ምንጪ ፈውሲ ምድሪ እዩ። ኣብነት ዚኾነና ብዴዝሞንድ ቱቱ እናተመርሐ ዝተኻየደ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዕዮ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን እዩ። ብርግጽ ኣብቲ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ጥዕና ዘምጽአ ምዃኑ ዘይነዓቕ ሓቂ እዩ። እዚ ኣብ ርዋንዳውን ተፈቲኑ ብኸፊል እተዓወተ ነገር እዩ። እዚ ነተን ብጃምላዊ ህልቂት ወይስ ኣፓርታይድ እተወቕዓ ጥራይ ኣይኮነን ዚምልከት። ንሓደ እተቐሓሓረ ሕብረተሰብ ምንጩ ብዘየገድስ የድልዮ እዩ። እዚ ግና መጀመርያ ጥራይ እዩ። ኪንዮኡ ድማ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፍትሒ ምምጻእ እቲ ቀጺሉ ኪመጽእ ዘለዎ ነገር እዩ። እንተዘይኮነ ተመሊስካ ናብ ጭቃ እዩ ዚኸውን።

• ሓድሽ ኣንፈት ንምምሓዝ ሞራላዊ ቅንዕና የድሊ

ሓደ ካብቲ ንህዝብታት ዚጎድኦም ዘይምትእምማን፣ እኩይ ሃቐና፣ ቅንኢ፣ ምፍልላይ ከምኡውን ጽልኢ ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ሞራላዊ ጉዳያት እዮም። እዚ ነገራት እዚ ከም መንቂ ኮይኑ ንሕብረተሰብ ይበልዖ፣ የጨኻኽኖ ማእሰሩ ድማ ይብትን። ነዚ ከተወግድ ሓያል ዝኾነ ምውሳን የድሊ። ሕብረተሰብ በዚ ነገር እዚ ምእንቲ ከይልከፍ ወይውን ተጠቒዑ እንተጸንሐ ንኺሓዊ ውልቀሰባት ብሞራላዊ ጥዕና ኪምልኡ የድሊ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ነዚ ዚምልከት ሰፊሕ ሃናጺ ዝኾነ ምኽርታት ንረክብ። ክንደየኖት ኢና ከም መምርሒ ህይወትና እንሕዞ ግን ንርእስና ንሕተት።

• ቅኑዕን ሃናጽን ራእይ ዝመልኦ ኩሉ ሸነኻዊ መሪሕነት የድሊ

በዓል ራእይ ማለት ኪንዮ እቲ ጥርዚ (ሆራይዘን) ኪርኢ ዚኽእል እተለዓዓለ መሪሕነት ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ከመይሲ ካብ ካልኦት ሰባት ጸብለል ኢሉ መራሒ ዚኸውን እቲ ብድሕሪ እቲ ሕጂ ዚረአ ዘሎ ኩነታትን ሃዋህውን ኪጥምት ዚኽእል፣ ኣንፈት ኣኻይዳ ዘመን ኬስተብህል ዚኽእል፣ ካብ መዛኑኡ ብጥበባዊ ኣመለኻኽታ ጎሊሑን ዚረአ ጥራይ እዩ። ምንጪ መሪሕነት ራእይ እዩ ክንብል ንኽእል። እዚ ዓይነት መሪሕነት ምርካብ ማለት ድማ ፈውሲ ምድሪ እዩ። ብሓቂ ትንቢታዊ ሓቂ እዩ እዚ ቃል እዚ።

• ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ህዝቢ (ዜጋታት) ተስፋን ክብርን ኪምለስ ኣለዎ።

ምድሪ እንተዘይጠዓየት፣ ህዝባ ከም ቃየል ቀባሕባሓይ እዩ ዚኸውን። (ዘፍጥረት 4 ርአ) እዚ ድማ ነብሰ ምትእምማን ኣብ ዘጥፍአ ጥራይ እዩ ዚርከብ። ነፍሰ ምትሓት ስለዚስምዖ ድማ ተጠራጣሪ፣ ፈራህ፣ ተሸባሪ ከምኡውን ርእሱ ኬልዕል ዘይክእል እዩ ዚኸውን። ብዙሓት ካብ ደቂ ሓንቲ ዓዲ በዚ ኸምዚ ዝበለ ኣመለኻኽታ ዚመላለሱ እንተሃልዮም እታ ዓዲ ብዛዕባ ርእሳ ክትሓስብ የድልያ። ከመይሲ እዚ ንቡር ኩነተ-ኣእምሮ ኣይኮነን። እዚ ሕዱር (ትራውማ) ኪኸውን ይኽእል። ብሓቂ ብመሰረት እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኻዊ ቃል ኪፍወስ ዜድልዮ ነገር እዩ።

• ንኽትዓብን ክትምዕብልን ክዉንን ቅኑዕን ዝኾነ ድሌት ኪህሉ የድሊ።

ብዛዕባ ፈውሲ ምድሪ ክንሓስብ ከለና ነቲ ዘሎ ኣሉታዊ ነገር ንምእላይ ኢልና ጥራይ ክንሓስብን ኣይግበኣናን። ብርግጽ እቲ ኣሉታዊ ነገራት ኪእለ መሰረታዊ ዝኾነ ኣድላዪ ነገር እዩ። ግናኸ እቲ ፈውስስ ኪንዮ ዚጥምት እዩ ኪኸውን ዚግባእ። ንኽትዓቢ፣ ንኽትምዕብል ክትህቅንን ዕላማ ክትገብርን የድልየካ። ሓደ ሕብረተሰብ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ጥራይ ኬድህብ ዜዋጽኦ ኣይኮነን እሞ ብዛዕባ መጻኢኡ ብቕኑዕ ስእሊ ኪምራሕ የድልዮ። እቲ መወዳእታ ኪብጻሕ ዘለዎ ብኹለንትናእይ ዝረሃዎ ሕብረተሰብ ምህናጽ እዩ ኪኸውን ዚግባእ። እዚ ፈውሲ ድማ ኣብ ኩሉ ቀጸላታት ናይታ ምድሪ ኪሰርጽ ይግባእ፣-

• ኣብ ፖለቲካ
• ኣብ ቁጠባ
• ኣብ እምነት (ሃይማኖት)
• ኣብ ማሕበራዊ ህይወት
• ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት
• ኣብ ትምህርትን ጥዕናን
• ኣብ ሰራዊት

ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ክንዝንግዓ ዘይብልና ነገር ግጉይ ኣመለኻኽታ ኣብ ጥዕና ዝመልኦን ዝረሃዎን ሕብረተሰብ ከይህልወና እዩ። ፈውሲ ምድሪ ማለት ምዕባለ ናይህዝቢ ማለት ጥራይ ኣይኮነን። እዝስ ሓደ ክፋል ናቱ ጥራይ እዩ። ዝረሃዎ ህዝቢ ማለት ድማ ብዘመናውነት እተሃንጸ ህዝቢ ማለት ኣይኮነን። ዘመናውነት ንባዕሉስ በረኸት ኣይኮነን። ራህዋ ወይስ ጥዕና ሕብረተሰብሲ ኩለንትናዊ እዩ። እምበኣርስከ ነዚ ንዓልም፣ ነዚ ንምጭባጥ ድማ ተስፋ ኣምላኽ የድልየና። ከመይሲ ተስፋ ዓንዲ ሕቖ ናይ ሕብረተሰብ እዩ!

Posted by:
Peniel Church Of Melbourne
Jul 22, 2013

0 Comments
1024 Views

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = 5E1J3pDmCZJ