Literature

ARTICLE

ጥቕሚ ሓጐስ

ብ ተስፎም መ. Download | Comment | Share Share

“ብጐይታ ዂሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ” ፊሊ 4፡4

ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ተሰሎንቈ 5፣16-19 ‘ኩሉሳዕ ተሓጐሱ’ ኢላ ትጅምር። ስለዚ ኩሉሳዕ ክትሕጐስ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ። ከመይ ገይረ እየ ግና ዝሕጎስ፧ ሓጐስ ብቐሊሉ ዝመጽእ ድዩ፧ ተሓጐስ ስለዝበልካኒ ጥራይ ክሕጐስ ይኽእል ድየ፧ ምስጢር ሓጐስ ካበይ እዩ ዝመጽእ፧ ብዙሕ ጸገማት፣ ዘጕሂ ነገራትን ጉዳያትን ከሎኒ፣ ከመይ ኢለ ኽሕጐስ ትጽበየኒ፧ ጽቡቕ ሕቶታት! እቲ ምስጢር ሓጐስ ኣብ ምፍላጥን ምርዳእን ከኣልነት እግዚኣብሄር እዩ ዝምርኮስ። እግዚኣብሄር ኣብ ቃሉ ክዛረብ ከሎ ‘… እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ፡ ሓጎስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ እሞ፡ ኣይትጉሀዩ…’ ነህ8፣10። ስለዚ ሓጐስ እግዚኣብሄር (ብእግዚኣብሄር ምሕጓስ) ሓይሊ ይህብ እዩ። ሰባት ግና፣ ካብቲ እግዚኣቢሄር ዝገበረሎም ሰናይ ነገር፣ ነቲ ሰይጣንን ከባቢኦምን ኣብ ሓሳቦም ዘምጽእሎም ዘሎ ሕማቕ ነገርን፣ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ኩነታትን ኣዕብዮም ስለ ዝርእይዎ እዮም፣ ክሕጐሱ ዘይክእሉ። ሕጂ እስከ ሕሰብ፣ ክሳብ እዛ ግዜ እዚኣ ብህይወት ምህላውካ/ኪ፣ ጥዑይ ሰብ ምዃንካ/ኪ፣ ሰሪሕካ ምእታውካ፣ ትበልዖ ምርካብካ፣ ልዕሊ ኹሉ ከኣ (ብጐይታ የሱስ ዝኣመንካ እንተ ኰንካ) ዉሉድ ኣምላኽ ፣ወራሲ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃንካ፣ ህይወት ኣምላኽ ምህላውካ፣ እቲ ተምልኾ ኣምላኽ ከኣ ኩሉ ዝኽእልን ንኹነታትክ/ኪ ከኣ ክቕይሮ ዝኽእል ምዃኑን፣ ክትሕጐስዶ ምኽንያት የብልካ/ኪን እዩ፧ በዚ ኩሉ ከኣ ንእግዚኣብሄር ከነመስግኖዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ ሰይጣን ግና እዚ ጐዲሉካ’ እዚ ከኣ የብልካን፣ ንመጻኢ ውሕስነት የብልካን፣ ካልእን እናበለ ካብ ሓጐስ ኣምላኽን ምስጋናን ከየዝብለና ንጠንቐቕን ንንቃሕን። ስለዚ እዩ ቃል እግዚኣብሄር ‘ኩሉሳዕ ተሓጐሱ’ ዝብለና። ደጊሙ ከኣ ‘ብጐይታ ዂሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኲሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኲሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ’ ፊሊጲ4፣4-7 ። ኣብዚ ከም ነንብቦ፣ ቃል ኣምላኽ ነቲ ክውንነት ናይ መዓልታዊ ህይወትና፣ ማለት ዘጨንቑ ጉዳያትን ነገራትን ሓሳባትን ክህልውና ከም ዝኽእሉ ኣይክሕዶን እዩ፣ እንታይ ደኣ እዚ ኣብ ቦትኡ ከሎ፣ ብኻልእ ካብኡ ዝዓቢ ሓቂ ገይሩ እዩ ነቲ ናይ ህይውትና ክውነንት ዝስዕሮ። እዚ ማለት እግዚኣብሄር ከምዚ እዩ ዝብል ዘሎ፣ “ይፈልጥ እየ ብዙሕ ዝሕንኰለኩምን ዘጨንቐኩምን ጉድያት ከም ዘለዉ፣ እንተኾነ ግና ኣነ ኩሉ ስለዝኽእልን ንነገራትኩም ከኣ ናብ ሰናይ ክልውጦ ክእለት ስለዘለኒ፣ ብኣይ ጥራይ ተሓገሱ እሞ፣ ሽዑ ነቲ ዘየሕጕሰኩም ከኣ ንዓይ ሓብሩኒ፣ ኣነ ከኣ መጀመርታ በቲ ነእምሮኹም ዝሓልፎ ሰላም ከመልኣኩም እየ፣ ድሕሪኡ ከኣ ኩሉ ዘጨንቐኩም ኣልየ፣ ድሌትኩም ብሰናይ ነገር ከጽግብ እየ። መጅመርታ ግና ንከኣልነተይ ብምእማን ዘሕጉስ ነገር እኳ ዘይብልኩም ከለኹም፣ ብኣይ ጥራይ ተሓገሱ።”

ድሓር ከኣ ኣምላኽ ብኹሉንትናና ስለዝግደስ፣ ዘይምሕጓስ ሕማም ከም ዘምጽእ ኣቐዲሙ ስለዝፈለጠ (ሕጂ ብስነፍልጠት ጭንቀት ጠንቂ ብዙሓት ሕማማት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ)፣ ተሓጐሱ ክብለና ከሎ መታን ኣብ ህይወትና ምሉእ ጥዕና ክህለወና ኢሉ እዩ። ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ ማለት ከኣ፣ ኣብ ጥዕና ዘለዎ ግደ ቀሊል ከም ዘይከነን፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትናውን ዕውታት ክንከውን ኣዚዩ ሓጋዚ ምዃኑን ክንዝንግዖ ኣይግብኣናን እዩ፣። ‘ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር’ ምሳሌ 15፣13፣ ስለዝኾነ ከኣ ጓሂ ከም ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ፣ ጭንቀት ንህይውትናን ጥዕናናን ጐዳኢ እዩ። ዝጒሂ ኩሉ ግዜ ንሕማም ጸቕጢ፣ ለምጺ ከስዐ (ጋስትራይት፣ እስተሞኮ)፣ ሕማም ልቢ፣ ሕማም ኣእምሮ፣ ጸቕጢ ደም፣ ብዝሒ ደም … ወዘተ ዝኣመሰሉ ሕማማት ቅሉዕ እዩ። እቲ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ሰብ ግና፣ ኩሉ ግዜ ገጹ ብሩህ፣ ወናኒ ምሉእ ጥዕና እዩ። እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ብስጋን ብመንፈስን ስለዝግደሰልና እዩ፣ ኩሉሳዕ ክንሕጐስ ዝደልየና። ከመይሲ ምስ ዘይንሕጐስን ንጒህን፣ ስጋዊ ሕማም ጥራይ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ሕማምውን ንሓምም ኢና። ‘ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር’ ምሳሌ 15፣13 ። እቲ ስቡር መንፈስ ከኣ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ ኣይክእን እዩ። መዓስ እዚ ጥራይ፣ ‘ሰብ እንተ ሐመመስ፡ መንፈሱ ይድግፎ። ንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል፧’ ምሳሌ18፣14 መስበርቲ መንፈስ እምበኣር ዝበርትዐ መስበርቲ እዩ። ካብ ስጋዊ ሕማምውን ይገድድ። እንተ ሓመምካስ መንፈስካ እኳ ኣብ ኣምላኽ እምነት ብምግባር ትብርትዕ፣ መንፈስካ እንተ ተሰብረ ግና ሰጋኻ ሓገዝ ኣልቦ እዩ፣ ክድግፈካ ዓቕሚ የብሉን። ኩሉሳዕ ብእግዚኣብሄር ምሕጓስ እምበኣር ንስጋናን መንፈስናን ጥዕና ኣብ ምሕላው ሓጋዚ እዩ።

ከምዚ እንተ ኰይኑ፣ ንእግዚኣብሄር ምምስጋንውን ክቐለልና እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ብምስጋና እዩ ዝኸብር፣ ‘መስዋእቲ ምስጋና ዚስውኣለይ የኽብረኒ፣ ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ’ መዝ 50፣23 ‘ኣታ ብማህሌት (ማህሌት ምስጋና ማለት እዩ) እስራኤል እትነብር፣ ንስኻ ቅዱስ ኢኻ’ መዝ22፣3 ‘ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ (ይሁዳ ከኣ ምስጋና እዩ ትርጉሙ) ፍሉጥ እዩ፡ ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ’ መዝ 76፣1 ። እዚ ኩሉ ናይ ሓጐስ መግለጺ ዘምጻእናዮ ብኸመይ ናብ ምስጋና ንኣቱ ንምግላጽ እዩ፣ ኩሉ ግዜ ዝተሓጐሰ ጥራይ እዩ ከመስግን ዝኽእል ‘ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ ኣሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ ኣሎ፧ ይዘምር’ ያዕ 5፣13፣ ስለዚ ሕጉስ ጥራይ እዩ ክዝምር (ከመስግን) ዝኽእል።

እዚ ኹሉ ጥቕምታት ሓጐስ ምስ ፈለጥና፣ ልብና ብመን ይሕጐስ ምምርማር ግዜኡ ኰይኑ ይመስለኒ። ክልተ ነገራት ግና ክንፈልጥ ይደሊ ኣለኹ፣ ንሳተን ከኣ ኩሉ ሳዕ ብጐይታ ምሕጓስ ትእዛዝ ምዃኑን፣ ምግባሩ ከኣ ብዙሕ ዓስቢ ከም ዘለዎን።

ስለዚ ሓጎስ ስሩዕን ጥዑይን ህይወት ኣብ ምምራሕ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ታይምስ ኦፍ ኢንድያ (times of India) ትብሃል መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ጭንቀትን ጽቕትን ኣብ ዘተፈላለየ ሃገራት ዝተገብረ መጽናዕቲ ዘርጊሓ ኣላ። እቲ ቀንዲ ውጽኢት ናይቶም ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከኣ፣ ጸቕጥን ጭንቀትን ኣብ ሓንጎል ወዲ ሰብ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎምን፣ ሕልፍ ኢሉ ድማ ንግዝፊን ዕብየትን ሓንጎል ወዲ ሰብ ከም ዘጒድሎ ይዛረቡ። ኣብ ደቀንስትዮ ከኣ ቀልጢፈን ናብ መኖፖዝ (menopause) ከም ዝኣትዋ ከም ዝገበረን ተፈሊጡ ኣሎ። ስለዚ፣ የሕዋት፣ ኣምላኽ ብኣይ ተሓጐሱ ክብል ከሎ፣ ንስለ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝብለና፣ እንታይ ደኣ ብኩነታትና ስለዝግደስን ጥዑይ ዝኾነ ህይወት ክንመርሕ ስለዝደልየናን እዩ።

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = 7rDur7tlcGF