Literature

ARTICLE

ማሕበር ሎደቅያ = “ከም ናይ ሰብ ሓሳብ”

ብ ሳምሶን ም-አብ Download | Comment | Share Share

የውሃንስ ኣብ ጳጥሞስ ትበሃል ደሴት ብመንፈስ ምስ ኰነ፣ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ብክብሪ ተገልጸሉ። ንሸውዓተ ማሕበራት ዝኸውን መልእኽቲ ድማ ሃቦ። ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ዝነበረን ኣቋውማን ምምልላስን ዝተፈለየ ነበረ። ስለዚ ንነፍሲ ወከፍ ማሕበር ዝተዋህበ ናእዳን መሰማዕታን መጠንቀቅታን በበይኑ ነበረ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ፣ እተን ማሕበራት ከምቲ ኣስማተን፣ ኩነታተን ድማ ከምኡ ነበረ። ንምሳሌ፣ ኤፌሶን ማለት ምሕዳግ ማለት እዩ፣ ማሕበር ኤፌሶን ድማ መጀመርታ ፍቅራ ዝሓደገት ማሕበር ነበረት። ጴርጋሞት ማለት መርዓ ማለት ኰይኑ፣ ማሕበር ጴርጋሞስ ድማ ምስ ናይ ዓለም ሓሳብን ኣካይዳን ዝተዋሰበት ነይራ። እተን ካልኦት ማሕበራት ድማ ከምቲ ስመን ኣካይድአን ድማ ከምኡ ነበረ። ብዘይካ ንኽልተ፣ ንኹለን ነቀፋ ነበረን። ዝኸድኦ ዝነበራ ኣካይዳ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍጹምን ቅኑዕን ኰይኑ ኣይተረኽበን። ኣምላኽ ድማ ከም ልማዱ ናብ ንስሓ መታን ክንምለስ ስለ ዝዕገስ፣ ገኒሑ ስለ ዝመልስን፣ ብመልኣኹ ልኢኹ ተዛረበን። እዝኒ ዝልዎም ድማ ይስማዕ በለ። ኣብዚ ጽሑፍ እምበኣር ብዛዕባ ማሕበር ሎደቅያ ክንምልከት ኢና። ማሕበር ሎደቅያ ምስ እዛ ኣብዚ ዘመን ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ዘመሳስላ ነገር ይህሉ’ዶ ይኸውን?

ኣብ ማሕበር ሎደቅያ ዝነበሩ ኣመንቲ፣ ብዛዕባ ምእካቦም ዝነበሮም ኣጠማምታ ጌጋ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ከም ዝርእዮምን ዝፈልጦምን ገዛእ ርእሶም ይርእይዋ ኣይነብሩን። ስለዚ ሓበኖም ከንቱ ነይሩ። ኩሉ ኣለና፣ ዘድልየና ወልሓደ ነገር የለን ኢሎም። ናብዚ ከምዚ ዝበለ ጌጋ ምርዳእ ምብጻሖም ውድቀት እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ነቶም ብመንፈስ ድኻታትን ንእኡ ድማ ዝደልይዎን ከም ዝርከበሎም ዘንጊዖም። ዘለዎም ደጋዊ ትሕዝቶን ዋንነትን ርእዮም ዓጊቦም። ኣብ ቆፎ ዝነበሮም ገንዘብን ወርቅን ከም ሃብቲ ቆጺሮሞ። ልቦም ኣብቲ ነቀዝ ዝነቅዞ ሰራቂ ኩዒቱ ዝረኽቦ ኣምቢሮም። እቲ ምንጪ ዝዀነ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ማእከል ናይ ምእካቦም ኣገገበሩን። እቲ ቀንዲ ነገር ምስኦም ከም ዘየለ ኣየስተውዓሉን። ኣምላኽ ኣብ መንጉኦም ከም ዘየለ ንኸየለልዩ የዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። ዒሮም ከለዉ ዝርእዩ ዘለዉ መሰሎም። ዕሩቃት ክነሶም፣ ዝተኸድኑ መሰሎም። ካብዚ ዝኸፍእ ውድቀት ድማ የለን። ዘይብሎም ክነሶም ኩሉ ከም ዘለዎም ኰይኖም ደረቶም ነፊሖም ብዙህ ተጓዒዞም። ዝእከብሉ ደምበ ስለ ዝጸቀበ፣ ኣልባሳት ስለ ዘንጸባርቀ፣ መጉልሒ ድምጺ ድማ ስለ ዝነጸረ፣ ዘድልዮም ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ድማ ስለ ዝቀረቡ፣ ሰባት ተኣኪቦም ስለ ዝጨደሩ ዘድልየና ካልእ ነገር የለን፣ “ኩሉ ኣለና” ናብ ምባል ደፊሮም። “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፣ ወዲቁ ከይህሉ ይጠንቀቅ” ዝብል መጠንቀቅታ ኣብ ሓሳባቶም ስለ ዘየቋጸርዎ፣ ብልቦም ተዓብዮም።

የሱስ ምስ ጠመቶም፣ ውሽጦም ምስ ረኣየ ግና ከምቲ ዝብልዎ ኰይኖም ኣይረኸቦምን። “ንርኢ” ኣለና እናበሉ ዓዊርኩም ኣለኹም በሎም። “ተኸዲና” ኣለና እናበሉ፣ ዕሩቋት ኢኹም በሎም። “ኩሉ ኣለና” እናበሉ፣ ነዳያት ምንም ከም ዘይብሎም ነገሮም” እዚ ድማ ዘሕፍርን ልቢ ዝሰብርን ተመኩሮ እዩ። ብዛዕባ ሃብትን ቢልጽግናን እናተዛረቡ፣ ህይወቶምን ውሽጦምን ምስ ተራእየ መንፈሳዊ ድኻታት ኰይኖም ምርካቦም ዘሕዝን እዩ። ከናፍርካ “ሓቂ” እናተዛረበ፣ ልብኻ ምስቲ ትዛርቦ ሓቂ ስለ ዘይሰመረ ኣምላኽ ትሕሱ ኣለኻ ክብለካ ከሎ። ብዛዕባ ብርሃን እንናተዛረብካ፣ ሓጢኣት ስለ ዝተጸመምካን ክሳብ ደም ስለ ዘይተቃለስካዮን ኣብ ጸልማት ኣለኻ ክብለካ ከሎ። ብዛዕባ ፍቅሪ እናተዛረብካ፣ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥኻ ኰይኑ ጽልኢ ከመልክተካ ኰሎ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። እዚ ድማ ምስቲ የሱስ ዝበሎ፣ “እዚ ህዝቢ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፣ ብልቡ ግና ካባይ ርሕቅ እዩ” ይሰማማዕ። ትዛረቦን ልብኻ ዝኸኖን ክፈላለ ይኽእል እዩ። ሰብ ሎዶቅያ ኸኣ ዘለውዎ ኩነታት ህይወቶም መታን ክፈልጡ ምስ ኣምላኽ ኣይተሰማምዑን። ገጽ ኣምላኽ ኣይደለዩን። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጦም ኰይኑ እታ ቅንዕቲ መገዲ ከይሕብሮም ጽን ኣይበልዎን። ሕልናኦም ከም ብመዓለም ስለ ዝተዓለመ፣ ኣምላኽ ዘይሰምሮ ትብዓት ሒዞም ተመላሊሶም። የሱስ ኣብ ወጻኢ ኰይኑ እናኳሕኰሐ፣ ኩሉ ኣለና ኢሎም ጨሪሖም። እዚ ድማ ዝዓበየ ውድቀት እዩ። እዳም እኳ ካብ ክብረት ኣምላኽ ምስ ወደቀ፣ ዕርቃኑ ምንባሩ ማንም ሰብ ክነግሮ ኣየድለዮን። ከምቲ ሓይሊ ኣምላኽ ካብኡ ከም ዝረሓቀ፣ ከማንም ሰብ ከም ዝዀነ ከይፈለጥ ኣብ ቅድሚ ጸላእቱ ፍኒሕኒሕ ክብል ዝፈተነ ግን ከኣ ዝተሳዕረ ሲምሶን፣ ሰብ ለዶቅያውን ከምኡ ኣምላኽ ምስኦም ከም ዘየለ ምስትውዓል ተሳኢንዎም። ንኣምላኽ ማእኸል ናይ ኣገልግለቶም ካብ ምኻን ኣውጺኦሞ ክነሶም፣ ጭርድታኦምን ወኻዕታኦምን በዚሑ። ድሌቶም ናይ ላዕሊ ኣይገበሩን። ምጥማቶም ኣብቲ ህይወቶም ተሰዊራቶ ዘላ ናይ ሰማይ ኣይነበረን። ናብቲ ንሰብ ናብ ብዙሕ መፈንጥራ ዘብጽሕ ምድራዊ ብልጽግና ደኣ ተመጣጢሮም። ከም ዜጋታት ናይዛ ምድሪ፣ ሓሳቦም ናይ ምድሪ ገይሮም። ከም ኣጋይሽ ኰይኖም ኣብዛ ምድሪ ከይነብሩስ ሃገሮም ኣብ ሰማይ ምኻኑ ረሲዖም። ንልቦም ብናይ እዚ ምድሪ ሓልዮት ኣኽቢዶም። ስለምንታይ ግን?

የሱስ ከምተን ካልኦት ማሕበራት ዝረኸበሎም ናእዳ ኣይነበረን። ዘድልየና ምንም ነገር የለን ኢሎም ክነሶም፣ ኣምላኽ ምስጠመቶም ግና ወልሓደ ጽቡቅ ኣይረኸበሎምን። ማሕበር ሰሚርና ብምድራዊ ትሕዝቶ ድኻታት እኳ እንተነበሩ፣ ኣምላኽ ግና ምንም ነቀፋ ኣይረኸበሎምን። ሰብ ሎዶቅያ ብኣንጻሩ ፈሳስን ሃብታማትን ኢና እናበሉ ክነሶም፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሕጉስ ህይወት ምንም ኣይነበሮምን። ብሓቂ ዘገርም። “ኣይ ምዉቅ ኣይ ዝሑል” ህይወት ሒዞም ተመላሊሶም። ብኽልተ ኣእጋሮም ሓንኪሶም። ምስ ሓደ ጎይታ ኣይወገኑን። ነቲ ሓደ ጸሊኦም ነቲ ሓደ ኣይፈተውን። ኣብ ክልቲኡ ክህልዉ ደልዮም። ክልተ ልቢ ሒዞም ስለ ዝተመላለሱ፣ ብርግርግ ዝብል ግን ከኣ ዘየብርህ ብርሃን ነይርዎም። ብጸሓይ ሓጋይ ዝነቀጸ ግን ከኣ እቶትን ፍረን ዘይብሉ ህይወት ነበሮም። ንፋስ ናብዝን ናብትን ዝደፍኦ ማይ ዘይብሉ ደበና ዝመስል ኣካይዳ ነይርዎም። ልቦም ኣብዚ ናይ ምድሪ ስለ ዝገበሩ፣ ሰማያዊ ህይወትን ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝበቅዕ ኣካይዳ ከም ዘይህልዎም ገበሮም። ምስ ርኣኻዮ ንኣምላኽ ዘይተመስግነሉ፣ መልክዕ ኣምልዀ ጥራይ ዘለዎ ህይወት ሒዞም ተመላሊሶም። የሱስ ድማ “ብኻ ውዑይ ወይ ዝሑል” ምዀንኩም በሎም። ንምግላጹ ዘየሸግር፣ ዘይተሓዋወሰ ኣካይዳ ክህልዎም ደልዩ። ከምዚ “ልብጥ” ዝበለ ህይወት ንኣፈይ ዘይጥዕም ስለ ዝዀነ ጡፍ ክብለካ፣ ካብ ኣፈይ ድማ ክተፍኣካ እየ ዝብል መጠንቀቃ ሃቦም። ነቲ ዓይኒ ማያት ንዒቆም ንዓታቶም ዘየዕቁር ሓጽቢ ጌሮም። እናደረፉን እናሳዕስዑን፣ የሱስ ጥራይ ዓይኒ ማያቶም ክኸውን ኣይመረጹን። በዚ ናይዚ ምድሪ ማይ ዝዓግቡ ስለ ዝመሰሎም፣ ነቲ ካብ ላዕሊ ዝወረደ ማይ ህይወት ሃረር ኣይበልዎን። ስለዚ ድማ ካብ ህወቶም ዝውሕዝ ንፈውሲ ዝኸውን ሩባታት ኣይነብሮምን። ስለምታይ ግና ላንጋ ላንጋ ህይወት?

እዚ ኩሉ ንሰብ ሎዶቅያ ዝበጽሖም ንፍቃድ ኣምላኽ ሓዲጎም፣ ከም ሓሳብን ርእይቶ ሰብን ስለ ዝኸዱ እዩም። “ሎዶቅያ” ማለት ናይ ሰብ ርእይቶ ማለት እዩ። ሰብ ዝሃቦን ዝተዛረቦን ርእይቶ ማለት እዩ። ሰብ ናይ ደገ እዩ ዝርኢ። ናይ ደገ ርእዩ ይዛረብ፣ ይፈርድ፣ ርኢትኡ ይህብ። ሰብ ለዶቅያ ብደገ ክርኣዩ ከለው ሃብታማት እዮም ዝነበሩ። ዘንጸባርቅ ግኡዛዊ ነገር ዝነበሮም። ከም ማሕበር ሎዶቅያ ጌሩ ብልጽግና ዝመሃረን፣ ኣብ ግብሪ ድማ ዝተመኰረን ኣይነብረን። ስለዚ ዝረኣዮም ኩሉ ብሩኻት ይብሎም ነበረ። ብናይ ሰብ ትንታነ፣ ብኹሉ ምሉኣት ይብሃሉ ነበሩ። ሰብ ዝብሎም ኩሉ ምሉኣት፣ ኣብ ቅድሚ የዒንቶም ድማ ከምኡ ነበሩ። መዐቀኒኦም ብዝርአ፣ ሰብ ብዝህቦ ርእይቶ እዩ ነይሩ። ስለዚ ንኣምላኽ ከቋጽርዎ ኢሎም ናብ ኣምላኽ ኣይጠመቱን። ትሕዝትኦምን ዘረባ ሰብን ስለ ዘዐሸዎም፣ ንየሱስ ኣብ ወጻኢ ከም ዘቀመጥዎ ኣየስተውዓሉን። የሱስ ካብ ኣገልግለቶም ወጻኢ ኰይኑ። ሓሳባቶም ኣብ ዝርአ ክኸውን ተዓዚሞም። ኩሉ ዝህቦም ርእይቶ ጽቡቅ ስለ ዝዀነ፣ ዘይብሎም ክነሱ ኩሉ ዘለዎም መሲልዎም። ተዓሽዮም። ከም ሙሴ “ንስኻ ምሳና እንተዘየለኻ፣ ካብ ካልእ ደኣ ብምንታይ ንፍለ” ኣይበሉን። ከምቲ መማለጃ ንፍርዲ ዘቅንን፣ ከምኡ’ውን ናይ ሰብ ርእይቶ ንምስትውዓል ማሕበር ሎደቅያ ደፊንዎ ነበረ።

የሱስ “ኣሜን እሙን ሓቀኛ ምስክር” እዩ። ንሱ ከም ሰብ ዝርእዮ ኣይርእይን። ከም ሰብ ዝፈርዶ ኣይፈርድን እዩ። ንደገ ሓሊፉ ውሽጢ ስለ ዝምልከት፣ ዝብሎን ዘመልክቶን ስሕተት የብሉን። የዒንቱ ሓጢኣት ንምርኣይ ጽሩያት እየን። ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝበል የዒንቲ ስለ ዘለዎኡ፣ ክሳብ ውሽጢ ሰንጢቁ ክምልከት ይኽእል እዩ። ኩሉ ኣብ ቅድሚኡ ጋህ ዝበለ እዩ። ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝበለሎ፣ “ንሓሳብን ሃቀናና ካብ ርሑቅ የስተውዕሎ”። ኣይዕሾን ድማ እዩ። ንልቢ ይምርምር ንዀላሊት ድማ ይፈልጥ። ግን ከኣ ግሩም መኻሪ እዩ። ምኽሩ ካብ ናይ ሰብ ጥበብ ይጠብብ። ብምኽሩ ጥበብ ጠቢባን ከንቱ ይገብር። ብሓቂ ንኣምላኽ ክነብር ዝደሊ እንተሃልዩ፣ ካብ ናይ ሰብ ሓሳብ ወጺኡ፣ ንምኽሩ ጽን ክብል ኣለዎ። የሱስ ግሩም መካር እዩ። ንሰብ ሎደቅያ ድማ ክመኽሮም መገደም ከርእዮም ኢሉ ዃሕኩሖም። ድምጹ እንተሰሚዖም እሞ ፍቃደኛታት ኣንተኰይኖም፣ ዝመኽሮም ግሩም ፍልጠት ኣለዎ። ካብ ቅድስናኡ ተማቀልቲ መታን ኩዀኑ፣ ብፍቅሪ ክግስጾም ደልዩ። ከምቲ ኣቦ ንውሉዲ ጽቡቅ ኰይኑ ከም ዝተራእዩ ዝቀጽዖን ዝግስጾን፣ ከምኡ እቲ ጀማሪ እምነቶምን ደምዳሚኣን ካብ ባህርያኡ ተማቀልቲ መታን ክዀኑ ክዛረቦም ደልዩ። ብዘይካ ድምዱ ሰሚዖም ክምለሱን ክንስሑን ካልእ ኣማራጺ ኣይነብሮምን።

“ቅናእ እሞ ተነሳሕ” ድማ በሎም። ንስሓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ምስ ኣምላኽ ዘለና ርክብ ከነዕርየሉ እንኽእል እንኰ መገዲ “ንስሓ” እዩ። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን እ/ሔር ካብ ሰብ ዝጽበዮ እንተሃልዩ፣ ሰብ ሓጢኣቱን ጌጋኡን ተኣሚኑ ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ክቀርብ እዩ። ዳዊት’ውን እዚ ስለ ዝተረድአ፣ ከምዚ ክብል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ ኣሎ፣ “መስዋእቲ ኣየብህገካን እዩ እንተዘኰነ መቅረብኩልካ ነይረ። መስዋእቲ ኣምላኽ ግና ስቡር ልብን ቅጥቁጥን መንፈስን እዩ”። የሱስ’ውን መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ደቂ ሰብ ክመልስ ምስ ተመልሰ፣ ዝሃቦ ቅድመ ኩነት “ንስሓ” ዝብል እዩ ነይሩ። ሰብ ሎዶቅያ’ውን ንኣምላኽ ካብ ማእከሎም ኣውጺኦም፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ቅኑዓትን ምሉኣትን ኰይኖም ኣብ ዝተሰምዖም ግዜ፣ ንኽምለሱ ዝተዋህቦም መገዲ፣ “ቅናእ እሞ ተነሳሕ” ዝብል እዩ ነይሩ። ከምቲ ንኻልእ፣ ከምኡ ድማ ንንስሓ ቅንኣት ክህልዎም መኸሮም። ኣብ ጌጋ መገዲ ከም ዘለዉ ፈሊጦም፣ ብንስሓ ክምለሱ እሞ ሓሳቦም ምገዶም ክቅይሩ መጸዋዕታ ቀሪብሎም። ሓሳቦምን ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ከሰማምዑ፣ ጠመተ ኣምላኽ ድማ ክህልዎም ደደለዮም። ናብቲ ክቡር ሓሳብ ኣምላኽ ሓሳቦም ከቅንዑ፣ ምገዶም ድማ ከዕርዩ ብምንፈሱ ተዛረቦም። ብልቦም መገዶም ክሓስቡ ደለዬም። ቃላት ኣፎምን ሓሳባት ልቦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሁግ መንታን ክኸውን፣ ናብ ምንጪ ህወቶምን ጓሳ ነፍሶም ክምለሱ ደለዬም። ከም ዳዊት፣ “ዓመጻ እንተኣልዩኒ ርአ፣ በቲ ናይ ዘልኣለም መገዲ ድማ ምርሓኒ” ኢሎም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብልቦም ትሕት ክብሉ ተደልዩ።

ፈጣሪ ግና ጸጋኡ ብኹራ ስለ ዘይዓጹ፣ ገኒሑ ኸኣ ስለ ዝመልስን፣ እንደገና ንኽምለሱ ዕድል ሃቦም። ኣብ ኣፍ ደገ ገዲፎምኒ ኢሉ ኣይጠንጠነን። ከምቲ ኣፋቃሪ ነታ ፈታዊቱ ምስ ዃሕኩሐ እሞ ምኽፋት ምስ ኣበየቶ ገዲፍዋ ዝኸይድ፣ የሱስ ግና ኣርሒቁ ኣይከደን። ከም ኩሉ ግዜ ከይሰልከየ ደኣ ብትዕግስቲ ኣብ ኣፍ ደገ ኰይኑ ልቦም ክኸፍትሉ ዃሕኩሖም። ናብኡ ክምለሱ፣ ገጹ ክደልዩ፣ መጀመርያ ጽድቁን መንግስቱን ከቀድሙ ጻውዒት ኣቅረበሎም። መታን ክምለሱ እሞ ክምሕሮም ንዕኡ ድማ ቀዳማይ ክገብርዎ፣ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውላዱ ዝገንሖ፣ የሱስ ድምጹ ክሰምዑ ኳሕኩሖም። ምኩሕኳኹ ኣዝዩ ዘገርም ናይ ፍቅሪ መግለጺ እዩ። በዚ ምድራዊ ዘብለጭልጭ ወርቂ ዘይኰነ፣ ብሓዊ ዝጸረየ እምነት ሒዞም ደው ክብሉ ደልዩ። ብዘንጸባርቅ ዓይኒ ብዝስሕብ ክዳውንቲ ዘይኰነ፣ ብደሙ ዝጸረየ ጻዕዳ ልቢን ናይ ጽድቂ ህይወትን ቆጺሮም ክመላለሱ ደልዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ብመንፈስ ጥበብን ምግላጽን የዒንቲ ልቦናኦም ተኸፊቱ፣ ተስፋ ጽውዕዖም ፈሊጦም ንዕኡ ዘሕግሶ እናመርመሩ ክመላለሱ መዓዶም። ከምቲ መማለዲ ንፍርዲ ዘቅንን፣ ናይ ሰብ ርእይቶ ነዒንቶም ስለ ዘዖረ፣ ናይ ቃሉ ኩሕሊ ክዕድጉ እሞ ክርእዩ የሱስ ጻውዒት ኣቅረበሎም። ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ መግቢ ክብህጉ ደልዩ። ነቲ ዘብርህ ንገርሂ ድማ ጥበብ ዝህብ ናይ ቃሉ ብርሃን ሃረር ክብሉ ደለዮም። ብናይ ቃሉ ብርሃን የዒንቶም ተኸፊቱ፣ ዘለውዎ ህይወት ከስተውዕሉ ገሰጾም። ብጽድቂ ንእ/ሔር መስዋእቲ መታን ክስውኡ ብናይ ቃሉ ሓዊ ዝጸረን ዝተዀልዐን ህይወት ክህልዎም መኸሮም። ራእ3፣4,5, 4፣4, 6፣11, 7፣9, 13-14, 19፣14)

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = IMjeUziafC4