Literature

ARTICLE

ሓዳረይ መን ኪኣልየለይ...

ብ ሰላም-አብ Download | Comment | Share Share

መቐጸልታ ናይዛ ግጥሚ፡ እንከለኹ ባዕለይ ከም እትብል እምበር፡ እቲ ካልእ ስዒቡ ዚመጽእ ሓሳብ ይኹን ዜማ ኣይፈልጦን እየ። ምናልባት እዉን እዚ ኣብዛ ዜማ ዚጥቀስ ዘሎ ሓዳር ነቲ ኣብ ኣእምሮይ ዘሎ ሓዳር ፍጹም ኣይመሳሰልን ይኸዉን። ነዛ ኣርእስቲ ዝመረጽኩላ ምኽንያት ግን ኣሎኒ።

እቲ ኣውራ ምኽንያት ነዛ ኣርእስቲ መምረጽየይ፡ እቲ እዛ ኣርእስቲ እተስዕቦ ሕቶ ኣብ ክርትያናዊ ሓዳር(መርዓ) እዩ። ክርስትያናዊ ሓዳር መን ይኣልዮ/ወይ ይሓልዮ? ነዛ ሕቶ ዝተፈላለዩ ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ኪምልስዋ ይክኣል እዩ። እቶም ቀዳሞት “ክርስትያናዊ ሓዳር ብጐይታ እዩ ዝእለን ዚሕለን” ዝብሉ እዮም፡ እቶም ካልኦት እውን “ክርስትያናዊ ሓዳር ልክዕ ከምቲ ካልኦት ሓዳራት ብፍቕርን ስኒትን እቶም መጻምዲ እዩ ዝእለ” ይብሉ። “ ገለ ካልኦት ድማ “ክርስትያናዊ ሓዳር ብባህልን ልምድን እቲ ሕብረተሰብ እዩ ዝእለ” ዝብሉ ኣይስኣኑን።

ብትዕዝብተይ (ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር!) ክርስትያናዊ ሓዳር ወይ ድማ መርዓ ኣብ ማሕበር ኤርትራ እቲ ቅኑዕ ቃል ኣምላኻዊ ስፍራኡ ኣይሓዘን። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ብደገ ክትርእዮም ከሎኻ ፍቑራት ዝመስሉ መጻምድቲ፡ ቅርብ ምስ በልካ ግን። ውሽጦም ካብቲ ኣብ ሓድሕዶም ዘሎ ጽልኢ እተላዕለ፡ ዘይከዉን ኰይንዎም እምበር እንተዝፋትሑ ዘይጸልኡ ሰብ ሓዳር ብዙሓት ኣብ ቤተክርስትያን ንጡፋት ምእመናን ኣገልገልትን ኣለዉ። እዞም መጻምዲ ሰብ ከይብሎም እንተዘይኰይኑ ብልቦም ፍቱሓት እዮም። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ በረኸት ናይ ሓደ ስጋ ምዃን ከኣ ንኣታቶም ከምዘይምልከት ይሓልፍዎ። ብዙሓት እዉን ቅድሚ ነተን ንመርዓ ምውሳኖም ዝነበራ መዓልትታት ይወቕስወን። “ቀደሙ ንሱ(ንሳ) ብዓልቲ ሓዳረይ ክትከዉን ፍቓድ ኣምላኽ ኣይነበረን። ሕጂ ኸኣ እንትርፎ ብመከራ ምንባር ካልእ ኣማራጺ የብለይን” ይብሉ እቶም ዝበዝሑ። ነታ ኣብታ ጊዜ ክነብርዋ ዘለዎም ካብ ምሕሳብ፡ ነቲ ሕሉፍ ነገር ይጥምቱ እሞ ናብ ተስፋ ምቚራጽ ይበጽሑ። ንሓዳሮም ድማ ከም ቃል ኣምላኽ መሰረት ክነብርዎ ኣይተግሁን። በዚ ምኽንያት ንሓድሕዶም ከምቲ ቅድሚ መዓልቲ መርዓኦም እትመስሎም ዝነበረት ኮይና እትጸንሖም ሰብ ሓዳር ሒደት እዮም።

እቲ ጠንቂ ነዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሳዕቤናት ናይ ሓዳር ግጉይ ኣረኣእያ ብዛዕባ ሓዳር እዩ። እዞም ጉጉያት ሓሳባት፡ ምስቶም ዝበዝሑ ሓሳባት ተጸንቢሮም ስለ ዝቐርቡ፡ ፈቲልካ ከተውጽኦም ኣሸጋሪ እዩ። ብዙሓት ድማ ከም ሓቕታት ይቕበልዎም። እዞም ጉጉያት ኣረኣእያታት ከይተኣልዩ ግና እቲ ብክርስቶስን ብማሕበሩን ዝምሰል ጥቡቕ ሓድነት ሰብኣይን ሰበይትን ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። እዞም ጉጉያት ሓሳባት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

1. ንእተሓላለኸ ጉዳይ ኣብ ሓዳር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቀሊል ፈውሲ ኣለዎ

እዚ ዘሎናዮ ዘመን ቀሊል ፍታሕ እምበር ቅኑዕ ፍታሕ እነናድየሉ ዘመን ኣይኰነን። “መገዲ ሰላም ዓመት ኪዶ” ዝብል ምስላ ኣቦታት’ውን ኣብዚ ጊዜ ብዙሕ ተመራጺ ኣይኰነን። ስለዚ እዉን ናይ ሓዳር ጉዳይ መፍትሒ “ሓደ…፡ ክልተ…፡ ሰለስተ…” ቅልጡፍ ስጉምትታት ነናዲ።

ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ገንሓ፡ እቲ ብሉይ ናይ ቅድሚ ክርስቶስ ምቕባሉ ዝነበሮ ህይወት ኣይሓደጐን ኢልና ንኹንኖ እሞ ኵሉ እቲ ካብ ክርስቶስ ዝርከብ ሓድሽ ለቢሱ ብፍቕርን ለዉሃትን ክነብር ንምዕዶ። ነዚ ምግባር ምስ ዝጨንቆ ድማ (ሽሕ’ኳ ሓደ ክልተ ሳዕ እንተተዓወተ) ካብ ክርስትና ከም ዝዓለወ ንፈርዶ። ኵሉ እቲ ብድሕሪ እዚ ዝገብሮ ዘይቃልኣምላኻዊ ግብርታት ኸኣ “ኣይበልናንዶ…” ኢልና ከም እተፈጸመ ትንቢት ንወስዶ።

ሓቂ’ዩ፡ ህይወት ክርስትና ብጐደና ምእዛዝ እዩ ዚኽየድ። ንቃል ኣምላኽ ክነብሮ ሓላፍነት ዘይወስድ ሰብ ድማ ንጐይታ ከስምር ኣይክእልን እዩ። (ጐይታየ፡ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ በልኩ መዝ 119.57) ሓጢኣት ዝብሃል ከኣ ንቓል ኣምላኽ እናፈለጥካዮ ዘይምግባር እዩ።

ግናኸ፡ ንዝዀነ ዓይነት ዘርኢ እተጥፍእ፡ ካብ ሱሩ ምምሓዉ ከም ዘድልየካ፡ ንዘርኢ ሓጢኣት ክተጥፍእ’ውን ሱር እቲ ሓጢኣት ምፍላጡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓጢኣት ፡ ነቶም እንገብሮም ግብርታት ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም እንሓስቦም ሓሳባትን እንሓልፎም ሽቶታትን ዝስምዓና ስሚዒታትን ከይተረፈ እዩ ኣርኪስዎም። ስለዚ ነቶም ግጉያት ግብርታት (ዝርኣዩ ሓጢኣት) ጥራይ ኣጥፍእናዮም ማለት፡ ነቲ ሓጢኣት ካባና ኣርሒቕናዮ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ሓዳር’ውን “ግበር - ኣይትግበር” ዝብሉ ቀለልቲ ስጉምትታት፡ ግዚያዊ ፈውሲ ቓንዛ’ምበር፡ ሓቀኛ ፈውሲ እቲ ሕማም ኪዀኑና ኣይክእሉን እዮም።

2. እቲ ካብ ሓዳር እንጽበዮ ጉጉይ ምርዳእ ናይ ሓጐስን ዕጋበትን እዩ

ናይዚ ዘመን ግጉይ ኣተሓሳስባ እቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዝበለጸ ነገር እቲ ዝያዳ ዜሓጉስ ወይ ዕጋበት ዝህብ እዩ ዝብል እዩ። እዚ ሓሳብ ኸኣ ኣብ ክርስትናና እዉን ሰሊዅ ዝኣተወ ይመስል - ኣብ ሓዳር ኸኣ ብጋህዲ ይርአ። ደድሕሪ እቲ ዘሓጒሰካ ነገር ጥራይ ምስዓብ ብፍላይ ብዋጋ እቲ ንክርስቶስ ዘሓጒሶ ግብሪ ጽድቂ ምስዝኸዉን ኣሉታዊ ሳዕቤን እዩ ዘምጽእ።

ክሕጐስ፡ ክዓግብ ዘይደሊ መን ኣሎ? ሓጐስ ኵሉ ሰብ ዝደልያ ተናፋቒት መቐረት ህይወት እያ። እቲ ስግንጢር ግና ንሓጐስ ብመጠን እቲ ዝደለኻያን ንኽትረኽባ እትጽዕሮን ትጠፍእ ምዃና እዩ። ንሓጐስ ከም ቀዳማይ ሽቶ ናይ ህይወትና ወይ ሓዳርና ምስ እንገብራ፡ ነቶም ሰብ ሓዳር ናይ ሕሉፍ ኣጀንዳታት ኣምጺኣ፡ ሓጐስ የለ ሓዳር የለ ገይራ ትድርብዮም።

ቃል ኣምላኽ “ጽድቂ ፈቶኻ፡ ዓመጻ ጸላእካ፡ ስለዚ ኣምላኽ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ” ይብል (እብ 1.9)። እዚ እንታይ ማለት እዩ? ሓጐስናን ዕጋበትናን በቲ ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ምእዛዝ (ሽሕኳ ኣይጥዓም!) እምበር፡ ብርእሳ ከም ዘይትመጽእ የረድኣና። ሓጐስ ወይ ዕጋበት ውጽኢት ናይ ምእዛዝ እምበር ንባዕሉ ሽቶ ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራረባ መገዲ ሓጐስ በቲ “ንሓጐስ ዘብጽሕ መገዲ” እተጻሕፎ ጐደና ዘይኮነስ “ጐደና ምእዛዝ” ብእተመልክት መገዲ እያ።

ምሉእ ዕጋበት ናይ ሓዳር ምስ እንደሊ’ውን፡ ንርእስና ብመንጽር ቃል ኣምላኽ እምበር ብኻልእ መምዘኒታት ክንፍትና ኣይግብኣናን።

3. ንድሌታትና ቀዳምነት ሂብና ንመጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ከም ጽቡቕ ኣማራጺ ንዕዉት ሓዳር ምውሳድና

እዚ ማለት ንድሌታተይ ብኸመይ እመልእ? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ናይ ህይወት ካብ ምርኣይ ከም ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ኣማራጺታት ንወስዶ ማለት እዩ። እዚ ሓሳብ ንሰብ ቀዳማይ ሰሪዑ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ከም መሳርሒ ሓሳባት ሰብ ዝጥቀመሉ ናብ ናይ ሓሶት ስነ ሓሳብ ይመርሓና። ህይወት ክርስትያን ብስልጣን ቃል ኣምላኽ እዩ ዚምራሕ። ጳውሎስ “ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ” ፊሊ 1.21 ክብል ከሎ ኸኣ ድሌታተይን ሃቐና ልበይን ኵሉ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ኣግዚአ ንኽብሪ ክርስቶስ እየ ዝነብር ማለቱ እዩ።

እዚ ግጉይ ስነ ሓሳብ ኣብ ሓዳርና ድማ ንክርስቶስ ከም ርእሲ ናይታ ቤት ከየንግሶ ይኽልክለና እሞ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመጠን እቲ ዝእዝዘና ዘይኰነስ ብመጠን ዘድልየና ከነንብቦ ይገብረና። ንኣብነት፡ እቲ፡ “ሰበይቲ ንሰብኣያ ትተኣዘዞ” ዝብል ጽሑፍ ኤፌ 5.2፡ እቶም ሰብኡት ንኣና መታን ክጥዕመና “ሰብኣይ ከኣ ንሰበይቱ ይኣዝዛ” ኢልና ንነቦ። እዚ ግን ኣይተጻሕፈን! እቲ ንሰብኣይ እተጻሕፈ “ሰብኣይ ከኣ ንሰበይቱ የፍቅራ” ኤፌ 5.25 ዝብል እዩ። እተን ኣንስቲ’ውን ከምኡ ነቲ ቃል በቲ ዝጥዕመን እምበር በቲ እተጻሕፈለን ኣይነብኦን። ሽዑ ናይ ረብሓ ባእሲ ይመጽእ።

4. ዘይእኹል ፍልጠት ናይ ዕማም ሰብኣይን ሰበይትን

‘ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ’ ንዝብል ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ ብግጉይ ኣረዳድኣ፡ ሰብኣይ ኣብ ሓዳሩ ሓውሲ ውልቀ መላኺ ምዃኑ ይርድኣና። እቲ ብፍቕሪ ንሓዳርካ ምምራሕ ዝብል ኣምር ግና ኣይንፈልጦን። እታ ሰበይቲ’ውን፡ ‘ሰበይቲ ንሰብኣያ ትተኣዘዞ’ ዚብል ሓሳብ፡ ንሱ ዝበሎ ኵሉ ብዘይ ምቕሉልን ሃናጽን ነቐፌታ - ዋላ’ውን ናብ ሓጢኣት እንተምርሓ ክትቅበሎ ከምዘለዋ ኮይኑ ይርድኣና።

ዝበዝሑ ሕልኽላኻት ናይ ሓዳር እምብኣር ካብዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ግጉይ ኣተሓሳስባታት ዚበቑሉ እዮም። ነዚ ጽሑፍ ንምንባብ ድሉዉ ካብ ኮንካ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ነጥብታት ከም ቅድመ ኵነት ሓዞም።

ሀ. እዚ ጽሑፍ ንናይ ሓዳርካ ሽግር ቅልጡፍን ቀሊልን ፍታሕ ኸቕርበልካ ውሕስነት ኣይህበካን። መንፈሳዊ ዕቤት ነዊሕን ብዙሕን ብድሆታት ዘለዎ መገዲ እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነቲ እትብህጐ መንፈሳዊ ዕቤት ምስ ሓጐስ ክትረኽቦ ኣብ ጐይትነትን ጉስነትን የሱስ ክርስቶስ ተወኪልካ ንህይወትካ ኣብ ቃሉ ኣግዚኣካ ምጉዓዝ እምበር ኣቋራጺ መገዲ ወይ ፎርሙላ የለን። እቲ ኣብዚ እትረኽቦ ጽሑፍ ግና ህይወትካ ንጐይታ ዜግዝእ ብርሃን ክህብ ይኽእል እዩ።

ለ. ኣብ ገለ እዋናት ንኣምላኽን ቃሉን ብቕንዕና ምእዛዝ፡ ከቢድን ትርጉም ዘይብሉን ዝመስልን እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ካብ ንቓል ኣምላኽ ምእዛዝ ንላዕሊ ዝሓሸ ኣማራጺ ይርከብ እዩ። ኣብዚ ጊዜ ግን እቲ ጴጥሮስ ንየሱስ ዝበሎ ቃል ክንዝክር ይግብኣና “ንስኻ ናይ ዘልኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ካባኻ እሞ ናበይ ክንከይድ ኢና?” ዮሃ 6.68። እቶም ኣማራጺታት ወይ ንኣምላኽ ወይ ከኣ ንርእስና ምእዛዝ እዮም።

ሐ. ህይወትካ ብቓል ኣምላኽ መሰረት ምምራሕ፡ ውሑስ መገዲ ንዕዉት ሓዳር ከይከዉን ይኽእል እዩ። እቲ መጻምድቲ ከይሓብረካ ይኽእል እዩ - ምናልባት’ውን ምስቲ ናቱ ሓሳባት ዝያዳ ክትሰምር ክቐስበካ ይክኣል እዩ። ኣብዚ ጊዜ “ንሓዳረይ ብኸመይ የማሓይሾ” ዘይኰነስ “ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብለኒ፧” ዝብል ሕቶ ከነቐድም ይግብኣና፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ …” ማቴ 6.33

መ. ምሉእ ዝዀነ ስእሊ ናይ ሓዳር ነኸነማዕብል፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዝልዓለ ስልጣን ክንህቦ ይግብኣና። ብዙሓት ሰባት እቲ ንሓዳርና ዝመርሕ እንታይ ምዃኑ’ውን ብንጹር ኣይንፈልጥን ኢና። ገሌና ብናይ ፊልም ሆሊ-ውድ መምርሒታት ንኸይድ፡ ብዙሓት ካባታትና ድማ ብናይ ባህልና መዘውር ንዝወር። ቃል ኣምላኽ ልዕሊ ኵሉ ስልጣናትን ባህልታትን ጥበባትን እዩ።

ኣብቲ ዝመጽእ ክፍሊ ብዛዕባ ዕላማ ሓዳር(መርዓ) ክንርኢ ኢና።

Posted by:
Kebreab Ymesgen
Nov 27, 2012

1 Comments
1091 Views

1 comments
Agape ናይ ብሓቂ ሚዛናዊ መምርሒ ትህብ ጽሕፍቲ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ግጉይ ዕላማ ሓዳር ወይ ከኣ ዕላማ ሓዳር ዘይምፍላጥን፣ ንፍቕሪ ከኣ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ጌርና ዘይምርዳእናን፣ ዋሕዲ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብሓፈሻን እዩ።
December 11, 2012 at 11:24am
Post your comment
item_id = HCjClbMLeks