Literature

ARTICLE

ሞት ኣብቲ ቁራዕ

ብ ሳምሶን ምሕረተ-አብ Download | Comment | Share Share

2ነገ4፣38-41

እዚ ታሪኽ እዚ ኤልሳእ ሻቡዓይ ግዜ ተኣምራት ዝገበረሉ እዩ ነይሩ። ደቂ ነብያት ተኣኪቦም ከለዉ፣ ኣብ መንጉኦም ጥሜት ኰይኑ ይብል። ምጥማይ ናይ እዞም ደቂ ነብያት ድማ ምስቲ ኣምላኽ ነቶም ናቱ ዝኣተዎ ተስፋ ዝቃዶ ኣይነበረን። ንሱ ድማ “ነፍሲ ጻድቅ ክትጠሚ ኣይሓድጋን እዩ” ዝብል እዩ። ስለታምንታይ ግን ከምዚ ኰይኑ ኢልና ክንሓትት ናይ ግድን እዩ። ብንጹር እኳ እንተዘይ ተጻሕፈ ብዛዕባ ሓደ ነገር ግን ርግጸኛታት ኢና። እቲ ናይ ተስፋ ቃል ስለ ዝተሳዕረ ኣይዀነን። ክግምት’ውን ኣይደልን። ካብዚ ታሪኽ ግና ንመሃሮ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣሎ። ንሱ ድማ ንኣምላኽ ቀዳምነት ሰሪዕና፣ “ናይ ዕለት እንጌራና ሃበና” ኢልና ክንጽሊ የዘክረና”። ኣምላኽ’ውን ሓጎሱ ንሰአብ ሰናይ ምግባር ስለ ዝዀነ፣ ነቶም ሕብስቲ ዝልምንዎ እምኒ ዘይህብ፣ ነቶም ዓሳ ዚልምንዎ ድማ ተመን ዘይዕድል ፈቃር እዩ። ኣብዚ ሓሳብ ግና ነቲ ናብ ከብዲ ዝወርድ እንጌራ ዘይኰነ፣ ነቲ ንመንፈስን ነፍስን ዘድሕን ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ እንጌራ ከነተኩር ኢና። የሱስ’ውን ባዕሉ ኣነ እንጌራ ህይወት እየ ኢሉ ኣሎ።

ሰብ ሓሳቡ ናይ ምድሪ እንተኰይኑ፣ “ናይ ዕለት እንጌራና” ክብሃል ከሎ፣ ናብ ሓሳቡ ቅጅል ዝብሎ እቲ ብኣፍ ኣቢሉ ናብ ከብዲ ዚወርድ እንጌራ እዩ። የግዳስ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ፣ ክብል ጎይታና የሱስ ዝተዛረቦ ዓሚቁ ዘረባ ክንዝንግዖ የብልናን። ኣምላኽ ንዝጠመየትን ዝቃሕተወትን ነፍሲ ብሰናይ ዘበለ ዘጽግብ ክነሱ፣ ኣብ ምእካብ ደቂ ነብያት ግና ጥሜት ክኸውን ዘሕስብ እዩ። ኣብቲ በረኸትን ህይወትን ዝተኣዘዘሉ ምእካብ፣ ብጥሜት ዘሕለልዋ ነፍሳት እንክርከባ ብሓቂ ዘሕዝን ኩነት እዩ። እቲ ኩሉ ዘለዎ፣ ኩሉ’ውን ካብኡ ዝወጽእ ፈጣሪ እናምለኹ፣ ክጠምዩ ብሓቂ ዘስደምም እዩ። ጥሜት ከኣ ሕሱም እዩ። ጥሜት’ዶ ኣይኰነን ንሩት ቤተሊሄም ገዲፋ ናብ ሞኣብ ክትወርድ ዝደረኻ። ጥሜት’ዶ ኣይኰነን፣ ካብተን ክለተ ኣንስቲ ሓንቲ ንወዳ ኣብሲላ ንመግቢ ክትገብሮ ዝተገደደት። ብግዜ ካህን ኤሊ ድማ፣ ራእይን ቃል ኣምላኽን ውሒዱ ስለ ዝነበረ፣ ርኽሰት ኣብ ካህናት ኣምላኽ ተረኺቡ። እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ ጸላእቱ ፎኺሱ ተረኺቡ። ሓወይ/ሓፍተይ ዘለኽዮ ምእካብ ከመይ ይመስል?

እዚ ከምዚ ኰይኑ ዝረኣየ ፣ ሓደ ካብ ማእከሎም ናይ ጥሜት ሽግር ግዲ ስለ ዝበሎ፣ ሓምሊ ክሓምል ናብ መሮር ወጸ። ተበግስኡ ዝነኣድ እዩ። ዝነበረ ጸገም ኣለልዩ ኣብ ውሽጡ ምኽባዱ ዝነበሮ ጥዕናን የርእየና። ከም ሰቡ ስቅ ኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ኰፍ ክብል ይኽእል ነይሩ እዩ። ግና ከኣ ኣይገበሮን። ብጥሜት ምስ ብጾቱ ከሕለሉ፣ ስቅ ኢሉ ክርኢ ኣይደለየን። ትጉህ እዩ ነይሩ። ንዘሎ ሽግር ፍታሕ ይኸውን እዩ ዝበሎ፣ ዝረኸቦ ናይ ወይኒ መሮር ሓምሊ ድማ ተሸኪሙ ተመልሰ። ክበስል ድማ ኣብ ቁራዕ ሰኽተቶ። እቲ ተሰሪሑ በሲሉ ዝተባህለ መግቢ፣ ነቶም ዝጠመዩ ደቂ ነብያት ተቀረበሎም። እቶም ደቂ ንብያት ድማ ጥሜት ስለ ዝነበሮም፣ ነቲ ዝተቀረበሎም ብዘይ ምምርማር ክበልዕዎ ጀመሩ። ኣብ ሓሳቦም ዝነበረ፣ ጥሜቶም ዘርዊ ጥራይ ይኹን እምበር ዝተቀረበሎም ምብላዕ እዩ። ዝረኸብዎ፣ ዝተቀረበሎም ክጋፈጥዎ ጀመሩ።

ሓደ ካብ መንጉኦም ግና ብሃንደት፣ ኣዝዩ ብዘሰምብድ ጭድርታ፣ ዓው ብምባል “ኣብዚ ቁራዕ ሞት ኣሎ” (there is poison in the pot, KJV) ክብል ጀመረ። ኣብ መጀመርታ ዘስተውዓለሉ ኣይነበረን፣ ንሱ ግና ከየቋረጸ ምጭዳሩ ቀጸለ። ገሊኣቶም ከም ረባሽን መዕገርገን ዝረኣይዎ ነይሮም እዮም። እቲ ዝተቀረበ መግቢ ዝተበላሸወ፣ ዝተበከለ እዩ ዝነበረ። እቲ ዝነበረ ጥሜት ውሒዱስ፣ ዝተቀረበ መግቢ እንተዀነ ዝቀትል እዩ ዝነበረ። ዝተቀረበ መግቢ ዘበለ ኩሉ ንጥሜት ዘርዊ፣ ህይወት ዚዘርእ ዘይምኻኑ ዘስተውዕል ኣይነበረን። ግና ኸኣ ጥሜት እንድዮም ተወዲኦም። ሓደ ካብ መንጉኦም “ሞት ኣለዎ” ኢሉ እንተዘይጭርሕ፣ መወዳእታ እቶም ዝተኣከቡ እንታይ ምዀነ? ሞት ኣልዎ ኢሉ ዝጭርሕ ክህሉ ኣለዎ! ውሽጢ ኣበላሽዩ ናብ ሞት ዝወስድ እናተበልዐ፣ እናርኣየ ከም ዘይረኣየ ስቅ ዝብል ብሓቂ ምስ ምንታይ ክም ዝቁጸር ሕርብት ይብልካ። እዋእ! ብዘየገድስ ሰባት እንታይ ሽም ይህብዎ፣ ንምድሓን እተን ዝበልዓ ነፍሳት እምበር ዓው ኢሉ ክጭድር ኣለዎ። ንመግቢ ተባሂሉ ዝተመረዘ መግቢ እናተቀረበ ስቅ ኣይብሃልን እዩ። ንነግሩ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ርሒቆም ዝሞቱ እኳ፣ ሰይጣን ንሓሳቦም ስለ ዝመረዞ እዩ (2ቆረ11፣2) ንገሊኦም ኣብ ትሕቲ ከናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣለዎም (ሮሜ3።13) መልሓስ ዝቀትል ሕንዚ ዘለዋ ከትከውን ከም ትኽእል ተነጊሩ ኣሎ (ያእ3፣8)። ገሊኣቶም መርዝን መሪርን ዘቡቁል ሱር ዘለዎም እዮም (ዘዳ29፣18)። ገለን ሓልዮት ኣምሲሎም ዝብልዎን ዝዛርብዎን፣ ነነፍሲ ዝሃንጽ ኣይኰነነ። ብኣንጻሩ ንነፍሲ ዝብክልን ዘበላሽውን ደኣ። ካብቲ ካብ ኣፎም ዝወጽእ፣ ጸጋ ዘዝሩቅ እዩ። ኣብ ናይ ፍቅሪ ምእካብ ብግሩሖምን ብዝተበላሸወ ስጋዊ ኣተሓሳስብኦምን፣ ሞት እዮም ዘቅርቡ። ሓወይ/ሓፍተይ ከምዚ ዝበለ ሓው/ሓፍቲ ዝበሃል እንተሃልዩ፣ ሓደ ሳዕን ክልተ ሳዕን ምስ ገናሕካዮ፣ ካብኻ ኣርሕቆ።

እቲ ሞት ዘለዎ መኣዲ እንተዘይተፈዊሱ፣ ዝሞቱ ክህልዉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ኸኣ መግደራ እዩ። ሞት ከም ዘሎዎ ምጭዳር እኳ ዓቢ ምልላይ እንተዀነ፣ ቅሞት ዘለዎ ክፍወስ ከኣ ካልኣይን ዝዓበየን እዩ። እቲ ፍታሕ ድማ ርሑቅን ዘሸግርና ኣይነብረን። እቲ ፈውሲ ካብ ርሑቅ ካብ ስግር ባሕሪ ዘይኰነ፣ ኣብ ማእከሎም እዩ ዝነብረ። እዚ ድማ ኤልሳእ እዩ። እቲ ብሓሳብን ብቅብኣት ኣምላኽ ዝነበረ ናይ ኣምላኽ ሰብ። ባዕሉ ማዕረግ ዝወሰደ ዘይኰነ፣ ብንጹር ጻውዒት ኣምላኽ ንዕዮ ኣምላኽ ዝተመዘዘ ኣገልጋሊ። እቲ ካብ ቅድሚኡ ዝነብረ ዕጽፊ መንፈስ ተቀቢሉ ዕዮ ንምዕያይ ብኣምላኽ ዝተስአን ዝተላእከን ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩቅ ነይሩ። ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣገልጋሊ ጽሩይን ንጽህና ዘለዎ ኣካይዳ ዝተማህረ፣ ንገዛእ ርእሱ ዘይኰነ ካብኡ ንዝዓቢ ጻውዒት ተቀቢሉ ዝወጸ። ቅድሚኡ ዝነበረ ኤልያስ እኳ ካብኡ ይዓቢ እንተነበረ፣ ዕጽፊ ቅብኣት ተቀቢሉ ንዝዓበየ ዕዮ ዝዓየየ ብሩኽ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ የሱስ ዝበሎ፣ “እቲ ብኣይ ዝኣምን እቲ ዝገብሮ ዘለኹ ከም ዝገብር፣ ካብዚ ዝዓቢ ድማ ከም ዝገብር እብለኩም ኣለኹ” ይሰማማዕ። ምኽንያት ናይዚ ክዛረብ ከሎ ድማ፣ ምሳኻትኩም ዝነብር መንፈስ ሓቂ ክህበኩም እየ ዝብል እዩ ነይሩ። ካብቲ ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ሓቂ ዝተላዕለ፣ ንጥሜትን ንሞትን ፈውሲ ክንከውን ከም እንኽእል፣ እዚ ናይ ኣምላኽ ጻውዒትን ተስፋን እዩ። ግን ብኸመይ?

እቲ ናይ ኣምልኽ ሰብ ኤልያስ፣ ነቲ ሞት ዘለዎ መታን ክፍወስ ከምጽእዎ ዝኣዘዞም፣ “ሓሩጭ” እዩ ዝነበረ። ሓርጭ? ብሓቂ ንዝተበከለ፣ ሞት ንዘለዎ ዝፍውስ “ሓርጭ” ጥራሕ እዩ? እቲ ኣብ መንጎ ዘሎ ውህደት እኳ ርዱእ እንተዘይኰነ፣ “ሓሩጭ” ግና ኣብ መጽሓፍ ቕዱስ ዓቢ ቦታ ኣለዎ። ብፍላይ እኳ እ/ሔር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባ ዘቅርብዎ መስዋእቲ ሕጊ ክህቦም ከሎ፣ ዘይቦኽዐ ሓሪጭ ከምጽኡ ከም ዘለዎም ብዙሕ ግዜ ተዛሪብዎም ኣሎ። እወ ጉርሕን ግብዝናንን ዘይብሉ፣ ዘይመጸጸ ህይወት ማለት እዩ። ኣብ ማእከል ምእካብ፣ ኣብ ኽንዲ ህይወትን በረኸትን ሞት እንተሃልዩ፣ ነቲ ሞት ኣለልዩ ዝጭድር ዝጭርሕ ሰብ እንተተረኺቡ፣ ፈውሱ ሓርጭ እዩ። ኣብ ማቴ13፣33 እንተዀነ ነዚ ሓሳብ የነጽረልና እዩ፣ “መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ሰበይቲ ወሲዳ ኩሉ ክሳብ ዝበኩዕ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቕ ትመልስ”ማቴ13፣33።

ጥሜትን ሞትን ንዘለዎ ምእካብ ዝፍውስ፣ ኣካይዳን ኣነባብራን መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ገለ ምእካብ ጥሜት ጥራይ ዘይኰነ፣ ሞት’ውን ኣሎ። እቲ ዘሎ ናይ ቃል ኣምላኽ ጥሜት ከይኣክል፣ ሞት ዝተገልጸሉ እዩ። ዝኸውን ዝዝረብ እቲ ንነፍሲ ዘድሕን፣ ንነፍሲ ዝሃንጽ፣ ንነፍሲ ዝመልስ ጥዑም ቃል ኣይኰነን። ንነፍሲ ዘሕጉስ ጥዑም ብስራት፣ ንዓጻጽምቲ ዘጠጥዕ ጥዑም ወረ፣ ንነፍሲ ዝመልስ ሓቀኛ ምስክርነት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ንነፍሲ ዘቅንን፣ ንቅብኣት ዘበላሹ፣ ጸጋ ዘዙሩቅ እምበር። ነዚ ኽሉ ዚፍውስ ግና “ሓሩጭ” ማለት ኣነባብራ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ህይወትና ኩሉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝበቅዕ ክኽኸውን፣ ንብረትና ንወንጌል ዝተመችአ ክኸውን ከም ዘለዎ ቅዱስ መጽሓፍ ኣስሚሩ ይነግረና (1ተሰ2፣121፣ ፊሊ1፣28) መንግስቲ ኣምላኽ ማለት ተኣኪብካ ስለ ዝበላዕካን ዝሰተኻን ዘይኰነ፣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ኣብ ህይወትካ ስለ ዝበዝሐ፣ ኣብ ህይወትካ ዝግለጽ ፍረ ጽድቅን ሰላምን ሓጎስን እዩ (ሮሜ14)። ሓይልን ጽልዋን መንግስት ኣምላኽ ዝተገልጸሉ ህይወት ኣብ ዝሃለዎን ዝኣተዎን ዘበለ ፈውሲ እዩ። ንርእሱ እምልኾ ዘላመደ ዘበለ ሓው ወይ ሓፍቲ፣ ካብ መልክዕ ኣምልዀ ዘምለጠ፣ ሓይሊ ኣምላኽ ዝተለማመደ ስለ ዝኸውን፣ ንርእሱን ነቶም ዝሰምዕዎን ንኸድሕን ግቡእ ቦታኡ ዝሓዘ እዩ። (1ጢሞ4፣7-16) ፈጣሪ ድማ ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ይብህጎ እዩ።

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = Ie43KUXjFba