Literature

ARTICLE

ከምቲ ዓሳ ብዘይ ማይ...

ብ ሳምሶን ምሕረተአብ Download | Comment | Share Share

ኤሎ-ሂም፡ እግዚኣብሄር ካብ ዝጽውዓሉ ኣስማት ሓደ እዩ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ፈጣሪ፡ ጀማሪ ማለት እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍጥረት፡ ህይወት፡ ሰብ፡ ሃገር፡ ህዝብታት፡ መንግስታት መጀመሪያ እዩ። ናይ ምድሓን፡ እምነት፡ ሰላም፡ ሓዳር፡ ስራሕ፡ መጀመርታ እዩ። እግዚኣብሄር ከይጀመሮ ዝተጀመረን ዝተፈጸመን የለን። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ዮሃ.1፡3፡ “ኩሉ ብእኡ ኮነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ከኣ ብዘይ ብኡ ዝኮነ የለቦን” ዝብለና። ብዙሓት ናይ ተፈጥሮ ተመራመርትን ፈላስፋታትን ዝበሃሉ ናይ ፍጥረት ምንጪ፡ መበቆል ዝብልዎ ብዙሕ ተንቲኖም እዮም። እቶም ዝተዛረቡ ክሓልፉ ከለዉ፡ ክሳብ ሕጂ ከይተለወጠ፡ ሓይሉ ከይቀነሰ፡ ንሰባት እናለወጠ ሓቂ ኮይኑ ኣብ ሰማያት ጸኒዑ ዘሎ ናይ ኣምላኽ ቃል ከም ዝምህረና ግና፡ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚረአን ዘይረአን፡ ዙፋናት ኰኑ ወይስ ጒይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኩሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ፡ ኩሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ” ቈሎ.1፡16 ዮሃ.1፡3። ካብቲ ዘገርም ከኣ እግዚኣብሄር ንኩሉ ኪፈጥሮ ከሎ፡ ካብቲ ኪነብረሉ ዘለዎ እዩ ኣውጺእዎ ወይ’ውን ፈጢርዎ። ኣጸቢቁ ክበርሃልና ካብ ዘፍጥረት 1ይ ምዕራፍ ክንጠቅስ ኢና። እዚ ሓሳብ እግዚኣብሄር ካብ መጀመርታ ዝረኣዮ፡ ዝሓሰቦ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ኣገዳስነት ኣለዎ።

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብመጀመርያ ንኣታኽልቲ ኪፈጥር ከሎ፡ ካብ መሬት ኣውጽኦም። ማለት ነቲ ማይ ምስ ፈለዮ እሞ ንቁጽ ምድሪ ምስ ገበረ፡ ነቲ ንቁጽ ምድሪ ሳዕርን ብቁልን ኣታኽልቲ ከውጽእ ተዛረቦ። እቲ ንቁጽ ምድሪ ድማ ከምቲ ዝበሎ ኣውጽአ። ስለዚ ኣታክልቲ ኣብ መሬት መታን ክነብር፡ ካብ መሬት ወጸ። ንኣታኽልቲ ዘድልዮ ዘበለ ኩሉ ኣብ መሬት ኣሎ። ስለዚ ተኽሊ ካብቲ ኣብኡ መታን ክነብር ዝወጸሉ፡ ኣብኡ ኪነብር ናይ ግድን እዩ። ኣታኽልቲ ኣብ መሬት ንዘይምንባር እንተ ኣዲሞም፡ ከም ሰብ ኣብ ገዛ፡ ኣብ ሳሎን እየ ዝቅመጥ እንተኢሎም ሳዕቤኑ ምቅምሳልን፡ ምሕራርን መጨረሽታኡ ድማ ሞት ጥራይ እዩ ዝኸውን።

ካልእ እንተርኣና’ውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ ኢሉ ምስ ተዛረበ፡ ማያት ከኣ በብዓይነቱ እንስሳ ባሕሪ፡ ማለት ዓሳታት ኣውጽአ። ስለዚ ዓሳታት ካብ ማያት ዝወጹ ኣብ ማያት መታን ኪነብሩ እዮም። ንምንባር ዘድልዮም ዘበለ፡ ኣብ ባሕሪ ጥራይ እዩ ዝርከብ። ዓሳታትውን እንተኾነ ንባሕሪ ተባሂሎም እዮም ተፈጢሮም። ስለዚ ዓሳ ካብ ባሕሪ ወጺኡ ክነብር እንተፈቲኑ፡ ሕልኽ እናበለ ምማቱ ዘይተርፍ እዩ።

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሰብ ኪፈጥሮ ከሎ ኸኣ፡ ካብ ካልእ ፍጥረት ፍልይ ብዝበለ መገዲ እዩ ፈጢርዎ። ይኹን ብምባል ዘይኮነ ብገዛእ ኣእዳዉ ሰሪሑ፡ ብእስትንፋሱ ድማ ህይወት ብምስኳዕ እዩ። እግዚኣብሄር ንሰብ ብኽቡር ሓሳብ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ብምኻፋል እዩ ፈጢርዎ። ሰለዚ ሰብ ዝወጸ ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ስለዚ ድማ እዩ እዮብ፡ “መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒ፡ እስትንፋስ እቲ ኩሉ ዝኽእል እዩ ህይወት ዝሃበኒ” ዝበለ። እዮ.33፡4

ሰብ መንፈስ እዩ። ዘፍ.1፡26፡ ዮሃ.3፡6 ማለት ናይ ሰብ እንታይነት፡ ዘልኣለማውነት፡ ዘይተለዋጥነት ኣብ መንፈሱ እዩ ዘሎ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ዘፍ.1፡26 “እግዚኣብሄር. ብመልክዕናን ብምስልናን ሰብ ንፍጠር” ዝበለ”። ናቱ መልኽዕን ምስልን ድማ ኣብ መንፈስ ሰብ ብምንባር ናብ ምህላው ኣምጺእዎ። ኣብዚ ሓሳብ “ሰብ” ኢልዎ ዘሎ፡ መፈሳዊ (spiritual entity)፡ ጾታ ዘይምልኸቶ (genderless) ንዝኾነ ማንነት ማለቱ እዩ። ድሕሪ እዚ ሓሳብ እግዚኣብሄር ንስጋ ሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ከም ዝግበሮ፡ ተባዕታይን ኣንስታይ ጌሩ ከም ዝፈጠሮም ይነግረና። ስለዚ ስጋ ካብቲ ዝወጸሉ ናብ ሓመድ ክምለስ ከሎ፡ መንፈስ ሰብ ግና ንዘልኣለም እዩ ዝነብር። ምኽንያቱ እቲ ትኽኽል ዝኾነ ናይ ሰብ ማንነት ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝወጸ እዩ። ከምቲ እቲ ፈጣሪ ዘልኣለማዊ፡ እቲ ካብኡ ዝወጸ ሰብ ድማ ዘልኣለማዊ እዩ። ሰብ ዝተፈጥረ ብእግዚኣብሄር፡ ካብ እግዚኣብሄር ኮይኑ፡ መንበሪኡ ከኣ እግዚኣብሄር እዩ። ከምቲ ኣታኽልቲ ካብ መሬት ኣብ መሬት፡ ዓሳታት ካብ ባሕሪ፡ ኣብ ባሕሪ ዝነብሩ ፡ ሰብ ከኣ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ እግዚኣብሄር ክነብር እዩ እተፈጥረ። ከምቲ ዓሳ ካብ ማይ ወጺኡ ኪነብር ዘይክእል፡ እንተፈተነ’ውን ዕጻኡ ሞት ዝኸውን፡ ሰብ’ውን ካብ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኪነብር ኣይክእልን እዩ። ንሰብ ዘድልዮ ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ዘሎ ፡ ስለዚ እዩ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ዝወጸን ዝተፍጥረን። ዘዳ.33፡27 “እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ እዩ..” ዝበሎ ነዚ ንብሎ ዘለና ዘጽንዓልና፡ ዘራጉደልና ሓሳብ ንረክብ። ንሕና ኣብ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣባን ክኸውን፡ ዕድሎት ሰብ እዚ እዩ። እዚ ኸኣ ዝዓበየ ንሰብ ዝተዋህበ ዕጻ እዩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሰብ ምስ ፈጠሮ፡ ኣብ ገነት ኤደን፡ ማለት ናቱ እንታይነት፡ ባህርይ፡ ህላውነት፡ ፍቅርን፡ ሓልዮትን፡ ቀረብን፡ ህይወትን፡ ዘደንቅ ግብርን፡ ኣብ ዘለዎ ዘቀምጦ። ስለምንታይ እንተ ኢልና፡ ንሰብ ካብ ብልዕን መግብን ንልዓሊ ዘድልዮን ዘንብሮን ናይ እግዚኣብሄር ማንነት ስለ ዝኾነ እዩ። ሰብ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ማለት ብህላውነቱ ብባህርኡን እናተሓጎሰ፡ ዘድልዮ ካብኡ እናተቀበለ፡ ክነብር እዩ ብእግዚኣብሄር ካብ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ።

ካብቲ ዘሕዝን መግደራ ግና፡ ከምቲ ሕጂ ዝኾኖ ዘሎ፡ ሰብ ብሓሳብን ተንኮልን ሰይጣን ተታሊሉ፡ ካብቲ መንበሪኡ እግዚኣብሄር ወዲቁን ርሒቁን። ብሰንኪ ዘይምእዛዝ፡ እግዚኣብሄር ንሰብ ካብ ቅድሚኡ ሰገጎ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ሰብ ኣብ ባዶነት፡ ሕፍረት፡ ጣዕሳ፡ ፍርሂ፡ ጭንቀት፡ መርገም፡ ሞት ክነብር ጀሚሩ። ሰብ ካብቲ ዝተጨንደሓሉ፡ ዓይኒ ማያቱ ዝኾነ እግዚኣብሄር ብሓጢኣት ምኽንያት ሞይቱ። “ሞት” ማለት እቲ ቀዳማይ ትርጉሙ ምፍላይ፡ ምርሓቅ ማለት እዩ። ሰብ ካብቲ ዓይኒ ማያቱ ዝኾነ እግዚኣብሄር ስለ ዝወጸ፡ ብድኽነት፡ ብጥሜት፡ ብምስኣን ኣሕለልዩ፡ የሕለሉ’ውን ኣሎ። ዘፍ.4፡16 "ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ ተቀመጠ"። "ኖድ" ማለት ምኹብላል ማለት እዩ። እወ ሰብ ካብ ኣምላኽ ምስ ረሓቀ፡ ምስተፈለየ፡ ሰላም፡ ዕረፍቲ፡ ዕቁብ ህይወት፡ ምልኣት፡ ትርጉም ህወይት ንኽረክብ ኮለል ክብል ጀሚሩ፡ ኮለል’ውን ይብል ኣሎ። ሰብ ብምኽንያት ሓጢኣት ዝኸሰሮ ዝዓበየ ክሳራ እንተሃልዩ፡ ካብቲ መንበሪኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ምርሓቁ እዩ። እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ዘሕዝን ተርእዮ፡ ማለት ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ፡ ሓው ምስ ሓዉ፡ ሰብ ምስ ብጻዩ፡ ደቁ፡ ጐረባብቱ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስ ገዛእ ርእሱ ጽልኢ፡ ባእሲ ዝኸውን ዘሎ፡ ሰብ ካብቲ ኣብኡ መታን ክነብር ዝተፈጥረሉ እግዚኣብሄር ስለ ዝወጸን ዝረሓቀ ጥራይ እዩ። ሃጽፊ ሲኦል በርቲዕዎ፡ ኣብ ምረትን፡ ውርደትን፡ ግፍዒ ጸላእን ይነብር ኣሎ። ግፋዕ ጸላኢ ስለ ዝኸበዶን ዘሳቀዮን ድማ እንተ ብጋህዲ ወይስ ብሕቡእ ዘናግፎ ኩሉ ግዜ ምስ ደለየ እዩ። ናይዚ መፍትሒ ድማ፡ “...ናብታ እተፋንጫሕኩሙላ ከውሕን፡ ዝተኮዓትኩሙላ ጒድጓድ ዔላን ኣስተብህሉ።” ኢሰ.55፡1 እዚ ማለት ናብቲ ካብ መጀመርያ ዝወጻእናሉን፡ ዝነታዕናሉ ምንጭና ከነስተብህል፡ ማለት ናብ እግዚኣብሄር ክንጥምት፡ ክንምለስ እዩ ዝመኽረና።

ኣብ ምሳ.15፡24 “ለባም ሰብ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ከምልጥሲ፡ መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ።" ይብል። ሲኦል ምስ ሞትካ እትረኽቦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ምድሪ ከለኻ እትጅምሮ፡ እትምከሮ ናይ ሓጢኣት ፍርዲ እዩ። ኣብ ዮሃ.3፡18 “ብእኡ (ብየሱስ) ዝኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና ብስም ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ”። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ፡ ሃጽፊ ናይ ሲኦል ማለት ጭንቀት፡ ሰላም ምስኣን፡ ሓዘን፡ ጓሂ፡ ባዶነት፡ ማእሰርቲ፡ ኩነኔ፡ ዘይምቅናዕ፡ ሕማም፡ ካልእ’ውን እዩ። ናይ ሲኦል ናብራ ኣብዚ ምድሪ ከለኻ ዝጅመር ኮይኑ፡ ዳሕራይ ከኣ ምልኣቱ ይግለጽ። ናይዚ መፍትሒ ድማ፡ ናብቲ መንበሪናን፡ መጸጊዒና፡ ከውልናን ዝኾነ ጐይታ የሱስ ምጽጋዕ ጥራይ እዩ። ከምቲ ኣብ ምሳሌ ዚብሎ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ከነምልጥ፡ ናብ ላዕሊ ዝመርሓና መገዲ ህይወት ኮይኑ ጐይታ የሱስ ተገሊጹ እዩ። ሓጢኣት ውርደት ህዝብታት ስለ ዝኾነ፡ ካብቲ ክብርና ህይወትናን ዝኾነ ኣምላኽ ፈልዩ፡ ኣብ ሞንጎናን መንጎ እግዚኣብሄርን ክብጻሕ ዘይከኣል ፍልልይ ፈጢሩ እዩ። እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ጐይታና የሱስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ናብ ኣምላኽ መታን ከብጽሓና ማእኸላይ ብሙኻን፡ ነቲ ዝተፈጥረ ጋግ መሊኡ፡ መሰጋገሪ ኮይንና። ስለዚ ናብቲ ናይ መጀመርያ ማዕረግና፡ ቦታና፡ ስፍራን ንምምላስ ጐይታ የሱስ እንኮ መገዲ እዩ።

ንስጋናን ነፍስናን መንፈስና ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ምስ እግዚኣብሄር እዩ ዘሎ። ካብኡ’ዩ ድማ ዝመጽእ። እዚ ስለ ዝፈለጠ ዳዊት፡ “ኣነ ግና ንገጽካ ብጽድቂ ክርእዮ ምስ ነቃሕኩ ድማ ብትርኢት ከጽካ ክጸግብ እየ” ዝበለ። ጽጋብ ነፍስና ገጽ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። እንተ ዘይኮነ ዊንታ ሰብ ኣይረውን እዩ። ስለዚ ድማ ኩሉ ካብቲ ዝወጸሉ፡ ኣብኡ እዩ ዝነብር ዝበልናሉ ምኽንያት ንኽነብር ዘድልዮ ዘበለ ኩሉ ካብቲ ዝወጸሉ ኣብኡ ስለ ዝርከብ እዩ። ሓቂ እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ ሰማይ እንተደየብና ኣብኡ ኣሎ፡ ምድሪ ተወረድና ኣብዚ ኣሎ፡ መንጸፍና ኣብ ሲኦል እንተጸፍና ኣብኡ’ውን ኣሎ፡ ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተወሰድና እሞ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተተቀመጥና የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ትሕዘናን ትመርሓናን እያ። ካብ እግዚኣብሄር ሓሊፍና ናብ እንኸዶን፡ እንኣትዎን የብልናን። የሱስ ንደቀ መዛምርቱ፡ “ንስኻትኩምከ ክትከዱ ትደልዩ’ዶ ኢኹም?” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ጴጥሮስ ዝሃቦ መልሲ እንተ ነይሩ፡ “ጐይታ ንስኻ ናይ ዘልኣለም ህይወት ቃል ኣለካ፡ ካባኻ ሓሊፍናሞ ናበይ ክንከይድ ኢና።" ብምባል ምርጫኡ የሱስ ምኻኑ እተዛረበ። ንህይወትና ዘድልያ ዘበለ ካብኡ ንምርካብ፡ ኣብ ጸጽባሕ ክንፈልጦን ክንደልዮን፡ ኣብ ህላውነቱ ድማ ብምርዳእ ክንነብር ይድለየና። ከም ሓሳብ ርእስናን፡ ድሌትናን ምንባር ገዲፋና፡ ነቲ ናባና ዝተላእከ የሱስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ብንስሓ ተመሊስና፡ ኣብ ጸጽባሕ ንዕኡ ብምፍላጥ እናዓበና፡ ንርኽሰትን ንዓለማውነትን ክሒድና፡ ምስ ሓጢኣት ከይተጸናበርና ብቅድስና ክንነብር ኣለና። ግብ.17፡28

ዳዊት እዚ ስለ ዝፈለጠ፡ ኣብ መዝሙሩ እግዚኣብሄር መንበሪኡ ምኻኑ፡ ካብ እግዚኣብሄር ሓሊፉ ድማ ናብ ዝኸዶ ከም ዘየለ ደጋጊሙ ዘሚሩ ኣሎ።

ናይ ኣምላኽ ሓለዋ ስለምንታይ ከም ዝበዝሓሉ ክዝምር ክገልጽ ክደሊ ከሎ፡
“ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፡ ኣብ ጽላል እቲ ኩሉ ዝኽእል ይነብር፡
ኣነ ንእግዚኣብሄር ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን ይብሎ ኣለኹ” ይብል።

ኩሉ ሃሊዩካ፡ ብዘይ እግዚኣብሄር ግና ኩሉ ከንቱ ምኻኑ ክገልጽ ክደሊ ከሎ፡
“ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ እያ እሞ፡
ኣብ ድንኻን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላዊ ደገ ምኻን ይሕሸኒ” በለ።

ናይ መጨረሽታ ምርጫኡ እንታይ ምኻኑ ኣስሚሩ ክዛረብ ምስ ደለየ፡
“..ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ፡
ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ መቅደሱ ድማ ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ ኣለኹ።” ይብል።

ናይ ውሽጢ ናፍቆቱ ንኣምላኽ ክነግሮ ምስ ደለየ ዝዘመሮ መዝሙር እንተነይሩ፡
“ዎ ኣምላኽ ቤት ማሕድራትካ፡ እቲ ክብርኻ ዝነብረሉ ቦታ አፍቅሮ እየ” ዝብል እዩ።

ኣብ መጨረሽታ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንዘልኣለም ንምንባር ብሓይሉ ብኽእለቱ ክገብሮ ከም ዘይኽእል ስለ ዝተረድአ፡ ብዛዕባ ምሕረት እግዚኣብሄር ከምዚ ክብል ዘሚሩ፡
“ሳህልኻን ምሕረትካን ንምሉእ ዕድመይ ክስዕባሊ እየን፡
ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምልኸይ ድማ ንዘልኣለም ክነብር እየ።"

ሓለፋ ኩሉ፡ ነቲ መንበሪኡ ዝናፍቅ ዝነበረ ዳዊት፡ “ኩሉ ፍቃደይ ዝገብር፡ እዚ ከም ልበይ ዳዊት ወዲ እሰይ ረኸብኩ” ብምባል እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ፡ ድሌትን ጽምኣትን ልቡ እንታይ ምኻኑ ይፈልጥ ስለ ዝነብረ እዩ።

“ልበይሲ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ንገጸይ ድለዮ ይብለኒ ኣሎ፡
ዎ ኣምላኽ ንገጽካ (ምህላውካ) እደሊ ኣለኹ።” ኣሜን!

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = QKoURCTSoDV