Literature

ARTICLE

ኣብነታዊ ጥንታዊ ሕብረት ኣሕዋት እስራኤላውያን

ብ ፓስቶር ብንያም ገብረንጉስ Download | Comment | Share Share

ካብ ስድራቤት ዝምስርቱ ክልተ ቝጽሪ ጀሚሩ ብእንዳ፡ ዓዲ፡ ዓሌት (ብሄር)፡ ቋንቋ፡ ህዝቢ፡ ኣህዛብ፡ ሓንቲ ዓለም፡ እናበለ ሕብረት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ይቐውም። ካብ ክልተ ብጾት ወይ ሳንዶት ዝጅምር ጉጅለ፡ ማሕበር፡ ውድብ፡ መንግስቲ፡ ሕቡራት መንግስታትን ውድባትን ዝጥርንፉ ሕብረታት ይቖሙ። ዓይነት ሕብረት ብማሕበራዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ወዘተ... ይምደብን ይልለን። ዓይነትን ቅድን ናይ ዝቐውም ሕብረት ድማ ብዕላማን ራእይን እዩ ዝውሰን። ዓይነት ናይ ሓደ ሕብረት ብሉጽ ዝገብሮ ሒዙዎ ዘሎ ራእይ፡ ቴማ፡ ክብሪ፡ ርእየት ዓለም፡ ትሕዝቶ ባህልን ኣተሓሳስባን እዩ። ሕብረት ኣብ ማሕበረሰብኣ’ውን ፖሎቲካውን ሃይማኖታውን ዓብይ ኣገድስነት ኣሎዎ። ዛዕባ ሕብረት ሰፊሕን ዓብይን ኣርእስትን ዘሎዎ እዩ። ውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ድማ ብዝተፈላለዩ ትንታነን ርእየትን ክትዕን ይግለጽ። ነገር ግን ትርጉም ትሕዝቶ ቃሉ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ይኹን ኣብ ዝኾነ ዓይነት ጥርናፈ፡ ከም ብምኽንያት ጥምረት፡ ሓድነት፡ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ምውህሃድን ድሕነትን ዘስምዑ ቃላት ዳርጋ ሓደ ዓይነት ናይ ቴማ ትርጉም ኣሎዎ።

ንኣብነት ክርስትያናዊ ሕብረት እንተወሲድና፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ ደጋዊ ትሕዝቶ ትርጉሙ ሓደ ዓይነት መልእኽትን ትርጉምን እዩ ዝህብ። ቴማ ራእዩ ድማ፡ ካብቲ ንሕብረት ትርጉም ዝህቡዎ ቃላትን ትሕዝቶን ኣይወጽእን እዩ። ውሽጣዊ ትሕዝቶታቱ ይኹን ዛዕባታቱ በቲ ዘበገሶ ራእይ፡ ዕላማ፡ ሰረት እምነት፡ ብድሌታትን ድርኺታትን ክምዘንን ክፍለን ከሎ፡ ንሓቅነቱን ዓይነቱን ብልጫታቱን ናይቲ ዝቐውም ሕብረት ግን፡ ብኣቋዉማ መንፈሳዊ ራእያቱን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረቱን ይምዝንን ይፍለን።

ቀንዲ ትሕዝቶ ጽሑፈይ፡ ኣብነት ሕብረት ኣሕዋት እስራኤላውያን ብምግባር፡ ንትርጉምን ኣገዳስነት ሕብረት ክርስትያናት፡ ብውሽጣዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ንምብርህራህ፡ ከምኡውን ብስምዒታውነትን ረብሓታትን ዝህነጹ፡ ካብ ጉጉይን ሻራውን ሕብረታት፡ ቅኑዕ ምኣዝንን ኣንፈትን ራእይን ዘይብሎም ማሕበራትን ጉጅለታትን፡ መታን ክንሕሎ እዩ።

ሕብረት ኣሕዋት እስራኤላውያን እቲ ዝዓብየ ቅዲ መጽሓፍ ቅዱሳውን ታሪኻውን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ይኹን ናይ ሕጂ ዛንታኦም፡ እስራኤላውያን ከም መሪሕን ሕመረትን መትከሎምን ዝወስዱዎ ንኽብርን ታሪኽን ሕብረት እስራኤላውያን እዩ። ሕብረት ኣሕዋት እስራኤላውያን ኣብዚ እዋን ሃይማኖታውን ዘርኣውን ጥራይ ዘይኮነ ፖሎቲካውን ባህላውን እዩ። ኣብነት ኪኾነና መታን ናብ ሓምለ 4 1976፡ ናብ ሓደ ታሪኻዊ ፍጻሜ ክወስደኩም። ቕድሚ ሰሙን ናይዚ ፍጻሜ ብዕለት 27 ሰነ ንብረት ፈረንሳ ዝኾነት ነፋሪት 248 ገያሾ ብፍልስጠማውያንን ተሓጋገዝቶምን ተጨውያ ኣብ ኤንተበ ጥቓ ካምፓላ ዋና ኸተማ ናይ ኡጋንዳ ትዓርፍ። ድሕሪ ቕሩብ ግዜያት እቶም ኣይሁድ ዘይኮኑ ነጻ ምስ ለቐቑዎም ነቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ጅሆ ሓዙዎም። ድሕሪ እዚ ፍጻመ ሰሙን 100 እስራኤላውያን ኮማንዶ 4000 ኪሎሜተር ተጓዒዞም 90 ደቒቕ ዝወሰደ ስርሒት ኣካየዱ። ኣብዚ ስርሒት 103 ብጅሆ ዝተታሕዙ ኣይሁዳውያን ድሒኖም። 5 እስራኤላውያን ኮማንዶ ቆሲሎም። መራሒ ናይዚ ስርሒት፡ ዓብይ ሓዉ ንበንያሚን ናታናየሁ ለተናል ኮለነል ዮናታን ናታናየሁ እውን ተቐትለ። 4 ካብ ጅሆ ዝተታሕዙን ኩሎም ጨወይትን 45 ወትሃደራት ዩጋንዳ ሞይቶም። 11 ስርሓት ሶቬት ዝኾና ሚግ 17 ዓንየን፡፡ ነዚ ስርሒት ዝፈጸሙ ኮማንዶ እስራኤላውያን ሓድነቶም ንምጉስጓስ፡ መዝሙር 133 እናዘመሩ ን4000 ኪሎሜተር ተጓዕዙ። እዛ ናይ መዝሙር ምድያብ፡ መዝሙር ምስጋና፡ ተባሂላ ትጽዋዕ ምዕራፍ፡ ቴማ ናይ ሕብረት እስራኤላውያንን ሓድነቶምን እያ። ይኹን እምበር ኣብ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ቤተ ክርስትያን እውን ዓቢ ተፈታውነት ዘሎዋን ከም መግለጺ ጣዕሚ ናይ ሕብረትን ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት እትንበብ እያ። እስከ ነዛ ምዕራፍ ንመልከት፡

መዝሙር 133
1. እንሆ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ፡
2. ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፡ ኣብ ጭሕሚ፡ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፡ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ እዩ።
3. እግዚኣብሄር ኣብኣ በረኸትን ህይወት ንዘለኣለም ኣዚዙ እዩ እሞ፡ ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ ጠሊ ሀርሞን እዩ።

ኣብ መጀመርታ ምዕራፍ ናይዛ መዝሙር፡ መዝሙር ምድያብ ዝብል ተጻሒፉ ንረኽቦ። ካብ መዝሙር 120 ዚጅምር ኮይኑ ክሳብ 134 ዚውድእ 15 ምዕራፋት ዝሓዘ እዩ። እዚኣቶም ብድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ካብ ዝተኣኻኸቡ መዛሙራት ናይ ህዝቅያስ፡ ንተወሰኽቲ 15 ዓመታት ዕድመ ናይ ህዝቅያስ ንምዝካር ተባሂሉ ከምዚቖማ ይንገር። ከምዚግመት እተን 10 ናይ ንጉስ ህዝቅያስ ኪኾና ኸሎዋ፡ እተን 4 ድማ ናይ ዳዊት፡ እታ ሓንቲ ድማ ናይ ንጉስ ሰሎሙን እያ። መዛሙር ምድያብ፡ እስራኤላውያን በዓላት ኣይሁድ ንምኽባር ናብ ዮሩሳሌም ኪድይቡ ከሎዉ ዚዝምሩወን መዛሙር እየን። መዝሙር 133 ድማ ሓንቲ ካብተን ናይ ምስጋና መዛሙር እያ። ‘ምድያብ’ ዝብል ቃል ነቲ ናብ ቤተ መቅደስ ዘደይብ ደረጃታት ወይ መሰላል የመልክት።

ኣብ መዝሙር 120፡ ፈላሚት ናይዘን መዛሙር ምድያብ ዝኾነት፡ ንናይ ልማኖን ነስሓን ጸሎት እያ እተመልክት። ትሕዝቶኣ ድማ ዘማራይ ንወስላታ መልሓስን ተንኮላትን ከም ዝፈንፈነን፡ ብኣንጻሩ ምንጋፍ ከምዝደልን እያ ትገልጽ። ኣብ ማእከል ሜሰካውያንን ቄዳራውያን ምንባር ከም ዚጸልኦ እዩ ዚሕብር። ሜሰካውያን ንሓሶት ቄዳራውያን ድማ ንቶንኮላትን ክፍኣትን ዝውክሉ እዮም። ኣይሁድ ናብ ዮርሳሌም ንጸሎት ኪነግዱ ከሎዉ ነቶም ኣህዛብን ጥሪት እንስሳታቶምን ኣብ ታሕቲ ገዲፎሞም እዮም ዚድይቡ። ንተግባር ናይቶም ዘይግዙራት እናፈንፈኑ ምንጋፍ እናለመኑን ድማ ይድይቡ።

ብድሕሪኡ መስዋእቲ ንምቕራብ ኣብ ሓድሕዶም ንዘሎ ጸገማት ይኹን ክስታቶም ሒዞም ኣብ ቅድሚ ፈረድቶም ይቐርቡ። “ኣብኣ ዙፋናት ፍርዲ፡ ዙፋናት ቤት ዳዊት ተነቢሩ ኣሎ” (122፡5) ዕርቂ ይፍጽሙ፡ በቲ ዘቕርቡዎ ኣምልኾን መስዋእትን ስግደትን፡ ምንጻህ ህይወቶምን ምቕዳስን ምሕዳስን ይፍጸም። ህይወቶም ብምስጋና ተመሊአን ንጣዕምን ሰናይነት ሕብረት ኣሕዋት እስራኤላውያን እናስተማቐራ፡ ቅብኣትን ጠሊ በረኸትን ሒዘን ናብ ቦትአን ክምለሳ ከሎዋ ድማ፡ ኣኽራናት ጽዮን ካብ ከረን ሄርሞን ብዝወርድ ኣውልን ጠልን ለስሊሱ፡ ጠለበጊዕን ከብትን ኣብ ኩርባታት ተዘርጊሐን እምበይታ ከስምዓን ክዕንገላን ከሎዋ፡ ኣብ ልቢ እቶም ኣመተን ከይገበሩ ዝቐነዩ ሰብ ሱባኤ ከመይ ዝበለ ታሕጓስን ፍስሓን ከም ዝወርድ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ንምሕረት ኣምላኽ እናድነቚ ንኣምላኾም እናመስገኑ ድማ ናብ ቦትኦም ይምለሱ፡፡

ናብ መዝሙር 133 መጀመርታ ፍቕዲ ዘሎ ሓሳብ እንተመጺእና፡ ሰለስተ ዓበይቲ ቓላትን ኣርእስትን መጽሓፍትን ኪኾና ዚኽእላ እየን። ንሳተን ድማ ሓድነት፡ ሕብረት፡ ምንባር፡ ዝብላ እየን። ሕብረት ሓድነት እንተ ተደመሮ፡ ምንባርውን ፍጻሜ እንተሎዎ፡ ውጽኢቱ ኣዝዩ ሰናይ እዩ ኣዝዩ ጥዑም እዩ። ንኣብነት ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ንውሰድ፡ ሓቢርካ ምንባር ይከኣል እዩ፡ ሓድነት ግን ከይህሉ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ናይ ርሕቐት ምፍልላይ ብኣካል ሓቢርካ ዘይምንባር ክህሉ ይከእል እዩ። ግን ሓድነት ክህሉ ይኽእል እዩ። እምበኣር ሕብረት ንኣካላውን መንፈሳውን ጥርናፈን ሓድነትን የመልክት።

እዚ ሕብረት ብዘይቲን ብጠሊን ተመሲሉ ኣሎ። ክልቲኡ ሓደ መልእኽቲ ኣሎዎ። ብዘይቲ ኣውሊዕ ዝጀመረ ቀንዴል መብራህቲ፡ ክሳብ መንኮርኩር ናብ ሰማይ ዘወንጭፍ ነዳዲ ዘይቲ እዩ። ዘይቲ ሓይሊ ናይ ምንቕስቓስ እዩ። ዘይቲ ንጥዑም ሽቶ የገልግል፡ ዘይቲ የለስልስ፡ የተርክስ፡ የሐድስ፡ ዘይቲ ይቐብእ የንግስ፡፡ ንፍቕሪ ኣሕዋት ምሳለያዊ ብምግባር፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ንኹለንተና ዝትንክፍ ቅብኣት እዩ። ጠሊ ድማ ካብቲ ዝበረኸ ናብ ታሓቲ ዝወርድ ራሕሲ እዩ። ምሳሌያዊ ምሕረት ኣምላኽ እዩ።

የሱስ ብኣካለ ስጋ ኣብ ምድሪ እስራኤል ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ሕብረት ኣሕዋት እስራኤላውያን ብመግዛእቲ ፖሎቲካን ባህልን ሃይማኖታዊ ልምምድን ስርዓትን ዝተጸልወን ዝተዓብለለን እዩ ነይሩ። ንኣብነት የሱስ ናብ ቤት መቕደስ ኣብ ዝደየበሉ እዋን፡ ኩነታት ናይቲ ቤተ መቕደስ ኣዝዩ ኣሕዘኖ። ቅንኣት ተሰሚዑዎ ከምዝገንሖም ንርኢ። የሱስ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ እቲ ቅኑዕ መስመር ንምትሓዝ ብዘርእዮ ዝነበረ ትግሃትን ሓልዮትን ብተመስጦ ይሰምዑዎ ነበሩ። ሕብረት ደቀ መዝሙር የሱስ ብመሎኮታዊ ራእይን ትምህርትን ዝቖመ ነበረ። እዚ ብ12 ሃዋርያት መሪሕነት ደው ዝበለ ሕብረት፡ መተካእታን ሞዴላውን ዝኾነ ታሪኻዊ ሕብረት እስራኤላውያን ኪኸውን፡ ካብ ሕብረት ኣሕዋት እስራኤላውያን ሓሊፉ ንኹሉ ዓለም ዝሓቑፍ ሕብረት ኪኸውን ብየሱስ ዓቢ ተልእኾ ተዋህቦ። ኣብ ጊዜ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ፡ ኣብነታዊ ሕብረት ኣሕዋት እስራኤላውያን ኣብቂዑ እዩ። ናይ ሕጂ ሕብረት ኣሕዋት ንፖሎቲካውን ሉኣላውነት መንግስትን ድኣ እምበር ንመንፈሳውነት ኣይውክልን እዩ። ነዚ መረዳእታ ኪኾነና ኤፈሶን 2፡11—18 ነንብብ።

የሱስ ነቲ ከልካሊ ኮይኑ ዝጸንሐ መንደቕ ሕብረት ኣይሁድ (እስራኤላውያን) ብደሙ ኣፍሪሱ፡ ንኣህዛብን ኣይሁድን ናብ ሓደ ደምበ ኣምጺኡዎም እዩ። ሎሚ ዝብሰረልና ዘሎ ወንጌል እምበኣር ንዂሎም ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ከም ዚቐርቡ ዝገብር ርሑው ባብ እዩ። ከልካሊ የልቦን፡ ዓጋቲ የብሉን። ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢ ብስራት፡ ብዘይ ኣፈላላይ ዘርኢ፡ ዓሌት፡ ቋንቋ ወዘተ... ኣብ ደምበ ኣምላኽ ከልካልን ዓጋትን ዝበሃል ሕብረት የልቦን።

ስድራቤታዊ፡ ምሕዝነታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቤተክርስትያናዊ፡ ሕብረታት ዝበሃሉ ዅሎም ኣብ ጊዜና ዘሎዉ እዮም። ብመሰረት ኣቋውማ ወዲ ሰብ ድማ ቅቡላት እዮም። ብዘየገድስ ብዝኾነ ምኽንያት ንክርስትያናውነት ዝውክል ሕብረት፡ ከም ማሕበር፡ ምትሕግጋዝ ፖሎቲካ ወዘተ... ኪቖሙ ይኽእሉ እዮም። እዚኣቶም ኩላቶም ግን ባብ (አፍደገ) ወንጌል ዘርሕዉ፡ ሓርነትን ጸጋን ዝእውጁ ድኣ እምበር፡ ብሕግን ወግዕን ስርዓትን ተኾልኪሎም ንናይ ውሑዳት ረብሓን መገልገልን ኮይኖም መናድቕን ዓጸውትን ናይ ወንጌል ኪኾኑ የብሎምን።

Comment
Be the first to post your comment!!
item_id = a5vqIUaV0lD