Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

anointing


1ይ ዮሃንስ 2:27 | 5 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:20 | 5 Helpful votes

ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።

Translation | Context
ሉቃስ 4:18 | 3 Helpful votes

ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒመንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ

Translation | Context
ያእቆብ 5:14 | 3 Helpful votes

ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ

Translation | Context
ማርቆስ 6:13 | 2 Helpful votes

ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም

Translation | Context
ሉቃስ 7:46 | 2 Helpful votes

ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንንእዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት

Translation | Context
ዘሌዋውያን 8:10 | 2 Helpful votes

ሙሴ ድማ ዘይቲ ቕብኣት ወሲዱ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዝነበረ ዂሉን ቀብኦ፡ ቀደሶ ኸኣ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 8:12 | 2 Helpful votes

ናብ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብ ዘይቲ ቕብኣት ከዐወሉ፡ ምእንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1 | 2 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነትንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ

Translation | Context
ዘጸአት 40:9 | 2 Helpful votes

ዘይቲ ቕብኣት ወሲድካ ኸኣ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅባእ፡ ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ይኸውን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 28:18 | 2 Helpful votes

ያእቆብ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ኣብኣ ተተርኢስዎ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኪኸውን ኣቘሞኣብ ርእሱ ኸኣ ዘይቲ ኸዐወሉ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 1:21 | 2 Helpful votes

ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ።

Translation | Context