Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

almonds


ዘጸአት 25:33-34 | 18 Helpful votes

ኣብ ሓደ ጨንፈር ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን፡ ኣብቲ ካልኣይ ጨንፈር ድማ ከምኡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕንባባን። ነቲ ኻብቲ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበሮ። ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን ይገበሮ።

Translation | Context
መክብብ 12:1-14 | 12 Helpful votes

ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡ በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላብርቱዓት ሰብኡት ዚጒብጡላጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩኵራላጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዚጽልምቱላ፡ ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡ ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱለውዚ ትዕምብብኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልንሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩድሪ ብሩር ከየተበትከፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረመዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐመሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰመንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ። ናይ ከንቱነታት ከንቱነት፡ ኵሉ ከንቱነት እዩ፡ ይብል እቲ ሰባኺምስናይዚ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮኣስተንተነመርመረብዙሕ ምስላታት ከአ ሰርዔ። እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ፡ እቲ ጽሑፍ ከአ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ። ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡ ብሓደ ጓሳ እተወህበ ኸኣ እዩ። ብዝተረፈወደየመጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን፡ ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ፡ ተጠንቀቕመፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮንትእዛዛቱውን ሐልዎኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 17:8 | 11 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ሙሴ ንጽብሒቱ ናብ ድንኳን ምስክር ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊጠጢዓ ጸንሔትቈጽሊ ኸኣ ኣውጽኤት፡ ዕምባባውን ዓምበበት፡ ብሱል ካዕካዕ ድማ ፈረየት

Translation | Context
ዘጸአት 25:31-40 | 11 Helpful votes

ቀዋሚ ቐንዴል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር። እቲ ቐዋሚ ቀንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ይገበር። ጽውኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ምስኡ ብሓደ ይኹን። ካብ ጎቦታቱ ሹድሽተ ጨንፈር ይውጻእ፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ሰለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብኻልኣይ ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይውጻእ። ኣብ ሓደ ጨንፈር ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን፡ ኣብቲ ካልኣይ ጨንፈር ድማ ከምኡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕንባባን። ነቲ ኻብቲ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበሮ። ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን ይገበሮ። ኣብ ትሕቲ እቲ ካብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ካብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹንከበብቱን ጨናፍሩን ምስኡ ብሓደ ይኹን፡ ኵሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ እተሰርሔ ይኹን። ንእኡ ድማ ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ስርሓሉ። እቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ ንቕድሚት ኣቢሉ ከም ዜብርህ ኣብ ልዕሊኡ ይነበር፡ መሳቐይኡን መዋህለል ርስሓቱን ከኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን። ንሱ፡ ምስ እዚ ዅሉ ኣቓሑ እዚ፡ ብሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ይገበር። ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ኽትገብሮ ኸኣ ጠምቶ

Translation | Context