Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

affliction


መዝሙር 34:17-20 | 10 Helpful votes

ጻድቃን የእውዩእግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎምእግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄንሓንቲ እኳ ኣይትስበርን

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 6 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 5 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምንኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስመውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:18 | 4 Helpful votes

ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:16 | 4 Helpful votes

እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።

Translation | Context
ሮሜ 5:3-4 | 4 Helpful votes

ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነንትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 3 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 34:19 | 3 Helpful votes

ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ

Translation | Context
ያእቆብ 5:11 | 3 Helpful votes

እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 3 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 3 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
መዝሙር 119:71 | 3 Helpful votes

ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀርውርደተይ ሰናይ ኰነለይ።

Translation | Context
መዝሙር 22:26 | 2 Helpful votes

ትሑታት ኪበልዑን ኪጸግቡንንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ኺውድስዎ እዮም፣ ልብኹም ንዘለአለም ብህይወት ኪነብር እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:2-4 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።

Translation | Context
መዝሙር 22:24 | 2 Helpful votes

ንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዐቖንኣየዋረዶን እዩ እሞ፣ ናብኡ ምስ ኣእወየስሰምዖ እምበር፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን

Translation | Context
መዝሙር 34:1-22 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም። ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ። ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየእግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖመልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑንእግዚኣብሄር ፍርህዎኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩንንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምንደቀየፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲንዑ ስምዑኒህይወት ዚፈቱጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን አሎ፧ መልሓስካ ኻብ እከይከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣ ካብ እከይ ርሐቕሰናይ ከኣ ግበርንሰላም ድለያ ስዐባውንኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃንኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን። ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኦስገጽ እግዚኣብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ። ጻድቃን የእውዩእግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎምእግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄንሓንቲ እኳ ኣይትስበርንክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪዅነኑ እዮም። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም ኣብኡ ዜዕቊቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይኵነንን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 10:17-18 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄርመሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽልንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲነእዛንካ ተድንነንንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 2 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
መዝሙር 9:18 | 2 Helpful votes

ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ፣ ተስፋ መስኪን ንዘለአለም ኣይኪጠፍእን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን

Translation | Context
እብራውያን 12:1 | 2 Helpful votes

ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ

Translation | Context
ማቴዎስ 4:23 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።

Translation | Context