1. ጾር ቃል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያይት ዝዘርግሖንምድሪ ድማ ዝሰረታንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጢ ዝደኰኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣

2. እንሆየሩሳሌም ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ጽዋእ ስኽራን ክገብራ እየ፣ የሩሳሌም ተኸቢባ ኸላውን ኣብ ይሁዳ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።

3. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ የሩሳሌም ንዅላቶም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፣ ዚስከምዋ ዘበሉ ዅላቶም ኣህዛብ ኣዝዮም ኪቘስሉ እዮም፣ ኵላቶም ኣህዛብ ምድሪውን ንምጽራራ ኺእከቡ እዮም።

4. በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅላቶም ኣፍራስ ብስምባድንዚውሕጥዎም ከኣ ብጽላለ ኽወቕዖም እየ፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ድማ ኣዒንተይ ቋሕ ከብል እየ፣ ንዅላቶም ኣፍራስ ህዝባታት ከኣ ብዑረት ክወቕዖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር

5. ሓላቑ ይሁዳ ብልቦም፣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ሓይለይ እዮም፣ ኪብሉ እዮም።

6. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን ክገብሮም እየ፣ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምውም ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ከኣ ኪውሕጥዎም እዮም፣ የሩሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፣ ኣብ የሩሳሌም፣ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ።

7. ክብረት ቤት ዳዊትን ክብረት እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸይዕበእግዚኣብሄር ቅድም ንድንኳናት ይሁዳ ኼድሕን እዩ።

8. በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነሩ ኺከላኸለሎም እዩ። እቲ ኻባታቶም ድኹም ዝዀነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ፣ ቤት ዳዊት ከኣ ከም ኣምላኽ፣ ኣብ ቅድሚኦም ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ክትከውን እያ።

9. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዚመጹ ዅሎም ኣህዛብ ንምጥፋኦም ክደሊ እየ።

10. ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነሩን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣይ፣ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምቱ እዮም፣ ከምቲ ንሓደ ውሉድ ዚበኽዩሉ፣ ከምቲ ንበዅሪ መሪር ሓዘን ዚሐዝንሉ ኣምሪሮም ኪሐዝኑሉ እዮም።

11. በታ መዓልቲ እቲኣ፣ ከምቲ ኣብ ሃዳድ-ሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶን ዝዀነ ብኽያት፣ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ኪኸውን እዩ።

12. እታ ሃገር ከኣ ክትበኪ እያ፣ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፣ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፣ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፣ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን።

13. ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፣ ኣንስቶም ከኣ ንበይነን፣ ዓሌት ሽምዒ ንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን።

14. ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ነንበይነን።