1. ኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹወን እየ።

2. ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾዂ ዝበቘለት ዕምባባ ሹወን እያ።

3. ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ። ኣብ ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቐመጥኩፍሬኡውን ንትንሓገይ ጥዑም እዩ።

4. ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ እዩ።

5. ብፍቕሪ ሐሚመ እየ እሞ፡ ብጐጎ ዘቢብ ኣጽንዑኒብምልዖ ደግፉኒ

6. ጸጋመይቱ ተተርእሰኒየማነይቱ ኸኣ ትሐቚፈኒ

7. ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌምንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኹ።

8. ድምጺ ፈታውየይ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን እናዘለለ፡ ኣብ ልዕሊ ዂርባታት እናተናጠረ ይመጽእ አሎ።

9. ፈታውየይ ንሜዳቚን ነርሕዶ እራብን ይመስል። እንሆ፡ ኣብ ክንየው መካበብያና ደው ኢሉ ብመስኰት ይርኢ፡ ብዓይነ ርግቢ ይጥምት አሎ።

10. ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይተንሲኢጽብቕተየንዒኢሉ ተዛረበኒ

11. እንሆ፡ ክረምቲ ሐሊፉዝናም ዛርዩተወዲኡ

12. ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየጊዜ መዝሙር በጽሔ፡ ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ

13. በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ አሎ። ኣቲ ፍትውተይተንስኢጽብቕተየንዒ

14. ኣቲ ኣብ ቋቚራ ኸውሒ፡ ኣብ መሕብኢ ጸድፊ ዘሎኺ ርግበይድምጽኺ ጥዑምገጽኪውን ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ገጽኪ ኣርእይኒድምጽኺ ኣስምዕኒ

15. ኣታኽልቲ ወይንና ዐምቢቡ እዩ እሞ፡ ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ ነተን ኰራኲር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሐዙልና

16. ፍትወይ ናተይ እዩ፡ ኣነውን ናቱ እየ፡ ንሱ ንመጓሴኡ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹወን የብልዔን

17. ኣታ ፍትወየመዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲከምተን ኣብ ኣኽራን ቤተር ዘለዋ ሜዳቚ ወይስ ኣርሕዶ እራብ ኴንካ፡ ተመለስ