1. ኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹወን እየ።
2. ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾዂ ዝበቘለት ዕምባባ ሹወን እያ።
3. ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ። ኣብ ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፡ ፍሬኡውን ንትንሓገይ ጥዑም እዩ።
4. ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፡ ሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ እዩ።
5. ብፍቕሪ ሐሚመ እየ እሞ፡ ብጐጎ ዘቢብ ኣጽንዑኒ፡ ብምልዖ ደግፉኒ።
6. ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የማነይቱ ኸኣ ትሐቚፈኒ።
7. ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኹ።
8. ድምጺ ፈታውየይ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን እናዘለለ፡ ኣብ ልዕሊ ዂርባታት እናተናጠረ ይመጽእ አሎ።
9. ፈታውየይ ንሜዳቚን ነርሕዶ እራብን ይመስል። እንሆ፡ ኣብ ክንየው መካበብያና ደው ኢሉ ብመስኰት ይርኢ፡ ብዓይነ ርግቢ ይጥምት አሎ።
10. ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንሲኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
11. እንሆ፡ ክረምቲ ሐሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወዲኡ።
12. ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዜ መዝሙር በጽሔ፡ ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ።
13. በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ አሎ። ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንስኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ።
14. ኣቲ ኣብ ቋቚራ ኸውሒ፡ ኣብ መሕብኢ ጸድፊ ዘሎኺ ርግበይ፡ ድምጽኺ ጥዑም፡ ገጽኪውን ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ገጽኪ ኣርእይኒ፡ ድምጽኺ ኣስምዕኒ።
15. ኣታኽልቲ ወይንና ዐምቢቡ እዩ እሞ፡ ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ ነተን ኰራኲር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሐዙልና።
16. ፍትወይ ናተይ እዩ፡ ኣነውን ናቱ እየ፡ ንሱ ንመጓሴኡ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹወን የብልዔን።
17. ኣታ ፍትወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ከምተን ኣብ ኣኽራን ቤተር ዘለዋ ሜዳቚ ወይስ ኣርሕዶ እራብ ኴንካ፡ ተመለስ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...