1. እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፣ ይበል እስራኤል፣
2. እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር፣ ሰብ ኪትንስኡና ኸለዉ፣
3. ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ኺነድድ ከሎ፣ ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና፣
4. ሽዑ ማያት መጥሐለና፣ ውሒዝ ብልዕሊ ነፍስና ምወሐዘ፣
5. ሽዑ ዕቡይ ማያት ብልዕሊ ነፍስና ምሐለፈ ነይሩ።
6. እቲ ንምንጫቶ ኣስናኖም ክንከውን ዘይወፈየና እግዚኣብሄር ይባረኽ።
7. ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፣ መፈንጠራ ተበትከ፣ ንሕናውን ኣምለጥና።
8. ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...