1. ጐይታየጸሎተይ ስማዕአውያተይውን ኣባኻ ይብጻሕ

2. ብመዓልቲ ጸበባይ ገጽካ ኣይትኸውለለይእዝንኻ ኣድንነለይ፣ በታ ዘእውየላ መዓልቲ ቐልጢፍካ ምለሰለይ

3. መዓልትታተይ ከም ትኪ ይበና ኣለዋ እሞ፣ አዕጽምተይ ከኣ ከም እያድ ይነድድ አሎ።

4. ምብላዕ እንጌራይ ረሲዔዮ እየ እሞ፣ ልበይ ከም ሳዕሪ ጸምለወን ነቐጸን

5. ካብ ድምጺ ገዓረይ እተላዕለ አዕጽምተይ ኣብ ስጋይ ተጣበቐ

6. ኣባ ጉምባሕ በረኻ መሰልኩ፣ ከም ጉንጓ ዑናታት ኰንኩ።

7. ተጋህኩ፣ ከምቲ ኣብ ናሕሲ በይኑ ዘሎ ዑፍ ከኣ እየ።

8. ምሉእ መዓልቲ ጸላእተይ የላግጹለይ፣ ተጻረርተይ ብስመይ ይረግሙ አለዉ።

9. ንሓመዅስቲ ኸም እንጌራ እበልዖ አሎኹ እሞ፣ ንመስተይ ምስ ንብዓት እሕውሶ አሎኹ።

10. ብምኽንያት ኵራኻን ቊጥዓኻን አልዒልካ ደርቢኻኒ ኢኻ እሞ፣

11. መዓልትታተይ ከም ዚነውሕ ጽላሎት እየን፣ ኣነውን ከም ሳዕሪ እነቅጽ አሎኹ።

12. እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ንዘለአለም ትነብርመዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።

13-14. ጊዜ ምሕረታ እዩ፣ እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፣ ብሓመዳ ኸኣ ጕህዮም እዮም እሞ፣ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ።

15. ኣህዛብ ከኣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኺፈርሁ እዮም።

16. እግዚኣብሄር ንጽዮን ኪሀንጻብኽብሩ ኺግለጽ እዩ።

17. አብ ጸሎት ሽጉራት ኬቕልብ፣ ንጸሎቶምውን ኣይኪንዕቕን እዩ እሞ፣

18. እዚ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ ኺጽሐፍ፣ እቲ ዚፍጠር ህዝቢውን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኖ እዩ።

19-22. ኵሎም ኣህዛብን መንግስትታትን ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር ኣብ የሩሳሌም ድማ ንምስጋናኡ ኺነግሩ ኢሎም፣ ንእግዚኣብሄር ኬገልግልዎ ምስተኣከቡ፣ እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ኪሰምዕ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኺፈትሖም ካብ ልዕልና መቕደሱ ረአየ፣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቊሉ ጠመተ።

23. ንሓይለይ ኣብ መገዲ ኣድከሞንመዓልትታተይ ኣሕጸረን

24. ኣምላኸየ፣ ኣብ ፍርቂ መዓልትታተይ አይትውሰደኒበልኩዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።

25. ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።

26. ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ንስኻ ግና ትነብር፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፣ ኪልወጡውን እዮም።

27. ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን

28. ውሉድ ባሮትካ ኺነብሩ ዘርኦም ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዕ እዩ።