1-2. ወደየምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን

3. ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን

4. ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

5. ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ

6. ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

7. ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ

8. እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ።

9. ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካንንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ

10. ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእመጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡

11-12. ወደየከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ይቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር

13. እቲ ጥበብ ዚረክብኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ።

14. ከምይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ።

15. ካብ ዕንቍ ትኸብርኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን

16. ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።

17. ጐደናኣ ጐደና ሓጐስብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ።

18. ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ።

19. እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣጽንዖ

20. ብፍልጠቱ መዓሙቝ ይኽፈትደበናታትውን ኣውሊ የንጠብጥብ

21. ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየንንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን

22. ንሳተን ንነፍስኻ ህይወትንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን።

23. ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድእግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ።

24. እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ።

25-26. እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውንኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸኣ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ሰምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር

27. ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ

28. ዚወሃብ ከሎካስንብጻይካኪድ እሞ ተመለስጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ

29. ንብጻይካኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ

30. ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ

31. ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእመገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ

32. እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።

33. መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ

34. ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም

35. ጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።