1. ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ የሱስጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን

2. ናብ ኣጵያ ሓብትናውን ናብቲ ምሳና ዀይኑ ዚዋጋእ ኣርኪጶስ ከኣ፡ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ማሕበርውን

3. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።

4-7. ኣታ ሓወየልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስ ንዅሎም ቅዱሳትን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዅሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።

8. ስለዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ የሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ

9. ከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስኣረጊትሕጂውን ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱርምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ አሎኹ።

10. ብዛዕባ እቲ ኣብ መቕውሔይ ኰይነ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔስሞስ እልምነካ አሎኹ።

11. ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካንሕጂ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ እሞ፡ ናባኻ መሊሰዮ አሎኹ።

12. ከም ልበይ ጌርካ ተቐበሎ

13. ኣነስ እኳ፡ ኣብዚ መቐውሔይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ።

14. ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ከም ብግዲ ምእንቲ ኸይከውንብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይፈቶኹን።

15. እቲ ንሱ ንሽዑ እተፈልየካ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ እዩ ዚኸውን።

16. ደጊምሲ ኻብ ባርያ ዝበለጸምናዳ ንኣይክንደይ ግዳ ኣብዚሑ ንኣኻ፡ ብስጋን ብጐይታን ከም ፍቁር ሓው ክትረኽቦ እምበር፡ ከም ባርያ ኣይኰነን።

17. እምብኣርሲ ኸም ሓው እትርእየኒ እንተ ዄንካስ፡ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ

18. ግናኸ ገለ በዲሉካ ወይስ ተዓድዩካ እንተ ዀይኑኣባይ ቍጸሮ

19. ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ጸሐፍክዎርእስኻ እኳ ብዓል ዕዳይ ኢኻ ከይብለካ፡ ኣነ እፈድዮ

20. እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐምብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ

21. ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘሎኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒውን ኣሚነ እየ እዚ ዝጸሐፍኩልካ

22. ምስናይ እዚውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሃበኩም ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፡ ስፍራ ሐዘለይ

23. ኤጳፍራስብክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ

24. ከምእውን እቶም መዓይይተይማርቆስኣርስጠርኮስዴማስሉቃስ ሰላም ይብሉኻ አለዉ።

25. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን