1. ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲደቂ እስራኤል ከሊ ተኸዲኖምሓምድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ብጾም ተኣከቡ

2. ዘርኢ እስራኤል ካብ ኲሎም ደቂ ጓኖት ተፈልዩደው ኢሎም ከአ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ

3. ኣብታ ስፍራኣኦም ኰይኖም ደው ኢሎምራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣንበቡራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ ድማ ተናዘዙንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከአ ሰገዱሉ

4. እያሱባኒቃድሚኤልሸባንያቡኒሸረብያ፡ ባኒ፡ ከናኒ ኾይኖም ከአ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸፍጸፍ ሌዋውያን ደው በሉብብርቱዕ ቃል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ጨርሑ

5. እቶም ሌዋውያን ከአ፡ እያሱቃድሚኤልባኒሓሻብንያሸረብያሆዲያሸባንያፈታሕያ ኾይኖም፡ ከምዚ በሉተንሲኡንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ዘለአለም ክሳዕ ዘለአለም ባርኹ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኹሉ በረኸትን ምስጋናን ክብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ

6. ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቱንምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ዅሉ ብህይወት እተንብሮ ኸኣ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ

7. ኣታ ንኣብራም ዝሓሬኻካብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውጺእካስሙ ድማ ኣብርሃም ዝሰሜኻዮንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ።

8. ልቡን ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ረኺብካዮ፡ ድማ ምድሪ ከነአናውያንሔታውያንኣሞራውያንፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ጌርጌሳውያንን ንዘርኡ ኽትህቦ፡ ምስኡ ኺዳን ኣቶኻንስኻ ጻድቕ ስለ ዝኾንካ ኸኣ፡ ነቲ ቓልካ ኣቖምካዮ

9. ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ርኤኻ፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸኣ ኣውያቶም ሰማዕካ

10. ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኲሎም ገላውኡን ኣብ ኵሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ትኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎምሲ ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻ ስም ኣስሜኻ።

11. ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሜኦም መቐልካዮብማእከል ባሕሪ ኸኣ ብንቑጽ ሐለፉ። ነቶም ዚስዕብዎም ግና ከም እምኒ ኣብ ብዙሕ ማይ ኣብቲ መዓሙቕ ደርቤኻዮም

12. ኣብቲ ዚኸድዎ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃሎምመዓልቲ ብዓንዲ ደበናለይቲ ድማ ብዓንዲ ሓዊ መራሕካዮም

13. ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ኸኣ ወረድካካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮምቅኑዕ ፍርድታትን ሓቀኛ ሕጋጋትን ጽቡቕ ሕጋጋትን ትእዛዛትን ከአ ሀብካዮም

14. እታ ቅድስቲ ሰንበትካ ድማ ኣፍለጥካዮምትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ከአ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም

15. ንጥሜቶም ድማ ካብ ሰማይ እንጌራ ሀብካዮምንጽምኣቶምውን ካብ ከውሒ ማይ ኣውጻእካሎም። እታ ንኣታቶም ክትህቦም ኢድካ ዝዘርጋሕካላ ምድሪ ምእንቲ ኺወርስዋ ድማ ናብኣ ኺአትው ተዛረብካዮም

16. ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዐበዩክሳዶም ድማ ኣትረሩንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን

17. ምስማዕ አበዩ፡ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራት ከአ ኣይዘከሩንክሳውዶም ደኣ ኣትረሩ፡ ብዕልወቶም ናብታ ባርነቶም ኪምለሱሓለቓ ሸሙንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕሬታን ሰናይን መሓርን ኢኻ፡ ንዂራ ደንጓዪብዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፡ ኣይሐደግካዮምን

18. ፍሰሲ ብተይ ገይሮምሲ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካ ኣምላኽካ እዚ እዩ፡ ምስ በሉኣዝዮም ኣኾረዩኻ

19. ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምንብመዓልቲ ንምምራሕ መገዶም ዓንዲ ደበናብለይቲ ዚኸዱላ መገዲ ኼብርሃሎም ከአ ዓንዲ ሓዊ ኻባታቶም ኣይረሓቑን።

20. ዜስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሀብካዮምማናኻ ኸኣ ካብ ኣፎም ኣየጉደልካንንጽምኣቶም ድማ ማይ ሀብካዮም

21. ኣብ በረኻውን ገለ ኸየጉደልካኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ክዳውንቶምውን ኣየእረጉንኣእጋሮም ድማ ኣይሓበጠን

22. መንግስትታት ህዝብታትን ከአ ሀብካዮምግደ ጌርካ ድማ ከፈልካዮም እሞ ምድሪ ሲሆን፡ እታ ሃገር ንጉስ ሔሽቦንን ሃገር ዖግ ንጉስ ባሳንን ወረሱ

23. ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕካዮምናብታ ነቦታቶም ከአትውዋን ኪወርስዋን ዝበልካዮም ምድሪ ድማ ኣእቶኻዮም

24. እቶም ደቂ ኸኣ ኣተውዋ እሞ ነታ ሀገር ወረስዋነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ከነኣናውያን ናብ ቅድሚኦም ኣጥቃዕካዮም። ድማ ንነገስታቶምን ንህዝብታት እታ ሃገርን ዝደለዩ ኺገብርዎም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም

25. እተዐርዳ ኸተማታትን ረጉድ ምድርን ከአ ሐዙኵሉ ጽቡቕ ነገር ዝመልአ ኣባይትን እተኻዕተ ሓጽብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዩ ኣእዋሞን ድማ ወረሱ እሞ በቲ ዓብዩ ለውሃትካ በልዑን ጸገቡን ስብሑን ተሓጎሱን

26. ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮኑን ካባኻ ዐለውንንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደረበይዎ። ነቶም ናባኻ ኺምለሱ ዝመዐድዎም ነብያትካ ቐተልዎም፡ ንኣኻውን ኣዝዮም ጸረፉኻ

27. ስለዚ ናብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ኣጨነቕዎም። ብጊዜ ጸበቦኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ፡ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካ ኸኣ ካብ ኢድ ጸላእቶም ዜድሕንዎም መድሓንቲ ሀብካዮም

28. ዕረፍቲ ምስ ኮነሎም ግና ተመሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፡ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከአ ኣባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካከም ምሕረትካ ኸኣ ብዙሕ ሳዕ ኣድሓንካዮም

29. ናብ ሕግኻ ኽተምልሶም ኢልካ ድማ መዐድካዮምንሳቶም ግና ተዐበዩንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑንነቲ፡ ሰብ እንተ ገበሮ ዚድሕነሉፍርድታትካውን በደሉመንኵቦም ድማ ኣድሓርሓሩ፡ ክሳዶም ኣትሪሮም ከአ ኣይሰምዑን

30. ብዙሕ ዓመታት ድማ ተዐገስካዮምነብያትካ ጌርካ ኸኣ ብመንፈስካ መዐድካዮምኣእዛኖም ግና ኣይመለሱልካንሽዑ ናብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሀብካዮም

31. ግናኸ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡ ብብዝሒ ምሕረትካ ፈጺምካ ኣይወዳእካዮምን ኣይሓደግካዮምን

32. ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና ኪዳንን ምሕረትን ኣትሕሉዓብይን ብርቱዕን መፍርህን ኣምላኽ፡ እቲ ንኣና፡ ንነገስታትና ንሓላቑናን ንኻህናትናን ንነብያትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽቶ ዀይኑ ኣይረኤኻ

33. ንስኻስ በቲ ኣባና ዝመጻ ዅሉ ጻድቕ ኢኻ፡ ንሓና በደልና እምበር፡ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ እሙን ኢኻ።

34. ነገስታትናን ሓላቑናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይገብሩንንትእዛዛካን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝመስከርካዮ ምስክርካን ኣይሐለውን

35. ኣብታ መንግስቶምን ኣብቲ ብብዙሕ ለውሃትካ ዝሀብካዮምን ኣብታ ኣብ ቅድሚኦም ዝሀብካዮም ገፋሕን ረጓድን ምድርን ኣየገልገሉኻንኻብቲ ኽፉእ ግብሮምውን ኣይተመለሱን

36. እንሆ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፡ ኣብታ ፍሬኣን በረኸታን ኪበልዑ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪእንሆ፡ ንሕና ኣብኣ ባሮት ዃንና አሎና

37. እቶታ ድማ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነግስታት ተብዝሓሎም አላ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋናን እንስሳናን ከም ዝደለዮ ይገዝኡ ኣለውንሕና ኸኣ ኣብ ዓብዩ ጸበባ ኢና ዘሎና።

38. በዚ ዅሉ ድማ ኪዳን ኣቖምና ጸሐፍናዮውን፡ ሓላቑናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከአ ሐተምዎ