1. ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱጐይታይከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሀሮምምጽላይ ምሀረናበሎ

2. ንሱ ኸኣ በሎምክትጽልዩ ኸሎኹም፥ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦናስምካ ይቀደስመንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን

3. ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና

4. ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ ሓጢያትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ።

5-6. በሎም ድማ፥ መን እዩ ካባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎፈረቃ ለይቲ ናብኡ ኸይዱዓርከይፈታዊ ካብ መገዲ መጺኡንስዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡

7. እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱኣይተድክመኒሕጂ ማዕጾ ተሸጕሩደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይንይብሎ

8. ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦእብለኩም አሎኹ።

9-10. ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበልዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃህዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺውሃበኩምድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ እብለኩም አሎኹ

11. ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖእምኒ ዝህቦወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡

12. ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖዕንቅርቢትዶ ይህቦ

13. እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹምንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧

14. ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ

15. ገሊኦም ግና፥ ነጋንንቲ ብብኤል- ዜቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ

16. ክልኦት ከኣ ኺፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ።

17. ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፥ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእቤት ድማ ንርእሳ እተፋላለይትትወድቕ እያ።

18. ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፈላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም

19. ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቕኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም አለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም።

20. ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት

21. እቲ ሓያል ሰብኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን

22. ካብኡ ዚሕይል መጺኡ እንተ ሰዓሮ ግና፡ ነቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ

23. ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ

24. ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸዕረፍቲ ደልዩናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስይብል

25. ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ

26. ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ካልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ

27. ኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦካየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ

28. ንሱ ግና፥ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ

29. እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ድማ፡ ኪብል ጀመረ፥ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሃቦን

30. ከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ኪዀኖ እዩ።

31. ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽትዅንኖ እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ እሎ

32. ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ኪዅንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዓቢ ኣብዚ አሎ

33. ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን

34. ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ሕምምቲ እንተ ኰነት ግና፡ ስጋኻ ድማ ጸልማት ይኸውን።

35. እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ

36. ኵሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዜብሉ ብሩህ እንተ ዀነከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃኑ ዜብርሃልካ፡ ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ኪኸውን እዩ።

37. ኪዛረብ ከሎሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ጸውዖአትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ

38. እቲ ፈሪሳዊ ቅድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምሕጻቡ ምስ ረአየተገረመ

39. ጐይታ ኸኣ በሎሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያንዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ።

40. ኣቱም ዓያሱእቲ ናይ ዝባን ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ

41. ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሃቡእንሆ፡ ሽዑ ዅሉ ጽሩይ ይዀነልኩም።

42. ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ።

43. ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም

44. ኣቱም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንከም ዘይርኤንሰብ ከይፈለጦ ብልዕሊኡ ዚረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም

45. ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱመምህርእዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና አሎኻ፡ በሎ

46. ነሱ ኸኣ በለ፥ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም

47. ንስኻትኩምውን መቓብር ነብያት ትሰርሑ አሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም

48. ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስካትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ አሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስካትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ አሎኹም።

49. ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለትነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ አሎኹ፡ ንሓያል ካባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጕዎምን አለዉ።

50-51. ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኪደለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኪድለ እዩ፡ እብለኹም አሎኹ።

52. ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊመርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም

53. እዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ኪቕየምዎ ጀመሩ

54. ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፋ ደልዮም እናተጻናተዉ ብብዙሕ ዘረባ ይሐትዎ ነበሩ።