1. ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስን ሓዉ ያእቆብንናብቶም ጽዉዓትብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንየሱስ ክርስቶስ እተሐለዉን

2. ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዛሕኩም

3. ኣቱም ፍቁራተይብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩምናይ ግዲ ዀነኒ።

4. ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።

5. ግናኸ ሓደ ጊዜ እኳ ንዅሉ ፈሊጥኩምዎ ኽነስኹምሲ፡ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑደሓር ነቶም ዘይአመኑ ኸም ዘጥፍኦምከዘክረኩም እደሊ አሎኹ።

6. ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበርመዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቝርዎም አሎ።

7. ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።

8. ምስናይዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎንጕይትነት የቃልሉንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ አለዉ።

9. ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተእግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረብ ኣይደፈረን

10. እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ።

11. ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት ባላዓም ጸደፉብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም

12. እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጻያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦማይ ዜብሉ ደበናዘይፈርያክልተ ሳዕ ዝሞታካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ

13. ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪብርግርግ ዚብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዐቝሩሎም አሎ።

14-15. ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳምነዚኣቶምእንሆጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕብኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም

16. እዚኣቶም መዕዘምዘምቲንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ

17-18. ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱመላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ

19. እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡመንፈስ ዜብሎም ስጋውያን እዮም።

20. ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩምብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም

21. ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ

22. ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዋም።

23. ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩምብፍርሃት ደንግጹሎም።

24. ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩምብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቝመኩም ዚከአሎ

25. ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለም ክብሪግርማሓይሊስልጣን ይኹኖ። ኣሜን