1. እግዚኣብሄር ነቲ ቕቡኡንቂሮስህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝኣሉሕቘ ነገስታት ከኣ ክፈትሕ፡ ደጌታት ከይዕጾዎ ድማ፡ መዓጹ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸርሕወሉ ኢለ ብየማነይቲ ኢዱ ዝሐዝክዎ ኸምዚ ይብሎ አሎ

2. ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድንድንጉር ከኣ ሰጥ ከብሎንመዓጹ ኣስራዚ ሓሸምሸም ከብሎ፡ ንመሸጐሪ ሓጺን ድማ ክሰባብሮ እየ።

3. ኣነ ብስምካ ዝጸዋዕኩኻ እግዚኣብሄርኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲመዝገብ ጸልማትን ኣብ ስውር እተሐብኤ ሃብትን ክህበካ እየ

4. ምእንቲ ያእቆብ ባርያይን እስራኤል ሕሩየይንብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ስም ክብረት ሀብኩኻ።

5-6. እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን።

7. ብርሃን እገብርጸልማት ከኣ እፈጥርደሓን እገብርመዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ

8. ኣቱም ሰማያትካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡደበናታት ከኣ ጽድቂ የዝንሙምድሪ ትጨንዳሕ እሞ ምድሓን የፍርዩጽድቂውን ኣሕቢራ ተብቊል። እዚ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ

9. እቲ ምስ ፈጣሪኡ ዚካታዕ ወይለኡ፡ ንሱ ገልዒ ኣብ ማእከል ኣጋልዕ መሬት እዩ። መሬትዶ ንስራሒኣ፡ እንታይ ትገብር፡ ትብሎ እያ፧ ግብርኻዶኸኣእዳው የብሉንይብል እዩ፧

10. እቲ ነቦእንታይ ትወልድ ንስኻ፧ ንሰበይቲ ኸኣ፡ እንታይ ጽዒርኪ ትወልዲዚብል ወይለኡ

11. እግዚኣብሄር፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ፈጣሪኡንከምዚ ይብልብናይ እቲ ዚመጽእ ሕተቱኒብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ

12. ንምድሪ ዝገበርኩ፡ ኣብኣ ዘሎ ሰብ ከኣ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፡ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፡ ንዂሎም ሰራዊቶምውን ኣዘዝኩ

13. ነዚ ብጽድቂ ዘተንሳእክዎ ኣነ እየመገድታቱ ዂሉ ድማ ከጣጥሓሉ እየ፡ ንሱ ብዘይ ምፍዳይን ገጸ በረኸትን ንኸተማይ ኪሰርሓንምሩኻተይ ከኣ ኪመልሶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

14. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልጻዕሪ ግብጽን ንግድ ኢትዮጵያን እቶም ነዊሕ ዝቚመቶም ሰብ ሳባን ናባኻ ኺሐልፉ ናትካውን ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ደድሕሬኻ ኺስዕቡ፡ ብመቐውሕ ድማ ኪሐልፉ እዮም እሞ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ኣባኻ እዩ፡ ብጀካኡስ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የልቦን፡ እናበሉ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱን ኪልምኑኻን እዮም።

15. ኣምላኽ እስራኤል፡ ዎ መድሓኒብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።

16. እቶም ጣኦታት ዚገብሩ ዂሎም ኪሐፍሩን ኪደሀሉንብሓደ ነዊሮም ኪኸዱን እዮም።

17. እስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን ብእግዚኣብሄር ኪድሕን እዩ። ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለም ኣይክትሐፍሩን ኣይክትደሀሉንውን ኢኹም።

18. እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን።

19. ብሕቡእ፡ ኣብ ስፍራ ዝጸለመተ ምድሪ ኣይተዛረብኩንንዘርኢ ያእቆብብኸንቱ ድለዩኒኣይበልኩንኣነ እግዚኣብሄር ጽድቂ ዝዛረብቅንዕና ዘውሪ እየ።

20. ኣቱም ካብ ህዝብታት ዘምለጥኩምተኣከቡንዑብሓደ ቕረቡ፡ እቶም ንዕጨይቲ ጽሩብ ምስልታቶም ዚጾሩ ኬድሕን ንዘይከኣሎ ኣምላኽ ዚልምኑን ኣእምሮ የብሎምን

21. እስከ ንገሩ፡ ቅረቡ፡ ብሓደውን ይምከሩ፡ ካብ ጥንቲ እዚ ነገር እዚ መን ኣስምዔ፧ ካብ ቀደም ዝነገረኸ መን እዩ፧ ኣይኣነ እግዚኣብሄር እንዶ እየ ዝገበርክዎ፧ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፡ ጻድቕን ዜድሕንን ኣምላኽ ብጀካይ ከቶ የልቦን

22. ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ካልእ ከኣ የልቦን እሞ፡ ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዂላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ ድሐኑውን።

23. ቃል ጽድቂ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣይኪምለስን እዩኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይኲሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ኪምሕል እዩ፡ ኢለ ብርእሰይ መሐልኩ

24. ብዛዕባይ ከኣ፡ ጽድቅን ስልጣንን ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ፡ ኪበሀል እዩ። ናብኡ ኺመጹ እዮም፡ እቶም ነዲሮምሉ ዝነበሩ ዂላቶም ከኣ ኪሐፍሩ እዮም

25. ዘርኢ እስራኤል ኲሉ ብእግዚኣብሄር ኪጸድቕን ኪሕበንን እዩ።