1. ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዔክዳውንቱ ቐደደ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ

2. ንኤልያቂምነቲ ኣዛዝ ቤትን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ነቶም ሽማግሌታት ካህናትንከሊ ብኽዱናቶም፡ ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ለኣኾም

3. ንሳቶም ከኣ በልዎህዝቅያስ ከምዚ ይብል፡ ውሉድ ኪውለዱ ቐሪቦም ኣለው፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ እዩ እሞ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ዘለፋን ጸርፍን እያ።

4. ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነተን ቃላት ናይቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ጐይታኡንጉስ ኣሶርዝለኣኾ ረብሳቄ ሰሚዑ ይህሉ፡ ስለ እዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዔን ቃላት ከኣ ኪቐጽዖ እዩ። ስለዚ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍሲ ጸሎት ኣዕርግ

5. እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ

6. ኢሳይያስ ድማ በሎምንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ በተን ሓሽከር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝጸረፉለን ንስኻውን ዝሰማዕካየን ቃላት ኣይትፍራህ

7. እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ኪሰደሉ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ኸውድቖ እየ

8. ሽዑ ረብሳቄ ተመልሰንጉስ ኣሶር ካብላኪሽ ከም ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኺዋግኣ ኸሎ ረኸቦ

9. ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያኪዋግኣካ ወጺኡ አሎ፡ ዚብል ወረ ሰምዔ። እዚ ምስ ሰምዔ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብሉ ልኡኻት ናብ ህዝቅያስ ለኣኸ፡

10. ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ከምዚ በልዎእቲ እትውከሎ ዘሎኻ ኣምላኽካየሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሀብን እያ ብምባሉ ኣየስሕትካ

11. እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን ሰሚዕካ አሎኻ፡ ንብዘለዋ ኣጥፊኦምወን እዮም እሞ ንስኻ ዲኻ እትናገፍ

12. ነቶማ ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብእኒጎዛንን ሃራንን ሬጽፍን እቶም ኣብ ቴላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደንንኣማልኽቶምንዶ ኣናጊፎምዎም እዮም፧

13. ንጉስ ሃማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፈርዋይምን ናይ ሃናእን ናይ ኢዋህን ኣበይ ኣለው፧

14. ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፡ ህዝቅያስ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየበኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ

15. ህዝቅያስ ከኣ ከምዚ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ

16. ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘሎኻ፡ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንስኻ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዝገበርካ

17. ዎ እግዚኣብሄርእዝንኻ ጽሎ እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ርኤ፡ ነተን ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዝለኣኸን ኲለን ቃላት ሰናክሬብ ስማዕ።

18. ዎ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራትን ምድሮምን ከም ዘዕነውስሓቂ እዩ።

19. ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርብይዎምስራሕ ኢድ ሰብዕጭን እምንን እዮም እምበር፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም

20. ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽናኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ምዃንካ ምእንቲ ኺፈልጣካብ ኢዱ ኣድሕነና

21. ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸእግዚኣብሄርኣምላኽ እስራኤልከምዚ ይብል አሎ፡ ነቲ ብናይ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ

22. እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዚብሎ ቓል እዚ እዩ፡ እታ ድንግል ጓል ጽዮን ትንዕቀካን ተላግጸልካን አላ፡ ጓል የሩሳሌም ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ አላ።

23. ንመን ኣባጮኻን ጸረፍካንድምጽኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኣልዐልካ፧ በዒንትኻስ ንመን ኣፋጠጥካሉኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።

24. ብሓሸክርካ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደይበ፡ ነቲ ጸጽቡቕ ኣጽሕዱን ነነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርጾ እየ፡ ናብቲ ላዕላይ ጫፉን ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበጽሕ እየ።

25. ኲዒተ ማይ ሰቴኹብኸብዲ ኣእጋረይ ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸንጽፎ እየ።

26. ነዚ ኻብ ቀደም ከም ዘዳሎኽዎ፡ ካብ ጥንቲ ኸኣ ከም ዝደኰንክዎኣይሰማዕካን ዲኻ፧ ሕጂውን ክፍጽሞ እየ፡ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ ኲምራ ዖናታት ክትገብረን ኢኻ።

27. እቶም ኣብኤን ዚነብሩ ሰነፋን ሰምበዱን ሐፈሩንከም ሳዕሪ መሮርን ከም ልሙዕ ቈጽልን ከም ሳዕሪ ናሕስን ከምቲ ኸይበቘለ ዚሀጕጒ ዘርእን ኰነ።

28. ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን ኣብ ልዕለይ ምንዳርካን እፈልጥ አሎኹ።

29. ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነደርካ ድፍረትካውን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበጽሔ፡ ስለዚ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ክገብር እየ፡ በታ ዝመጻእካላ መገዲውን ክመልሰካ እየ።

30. እዚ ኸኣ ምልክት ይኹነልካ፡ ሎምዘመን ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፡ ንዓመታ ኸኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡን ክትዐጽዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም።

31-32. ተረፍ ካብ የሩሳሌም፡ እቶም ድሑናት ከኣ ካብ ከረን ጽዮን ኪወጹ እዮም እሞ፡ እቲ ኻብ ቤት ይሁዳ ዝደሐነ ተረፍ ከም ብሓድሽ ንታሕቲ ሱር ኪሰድድኣብ ላዕሊ ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዚ ኺገብር እዩ።

33. ስለዚ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶርሲ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱንፍላጻ ኸኣ ኣይኪውርውረላንብዋልታ መኪቱ ኣይኪቐርባን፡ ብቐጽሪውን ኣይኪኸባን እዩ።

34-35. ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸድሕናስ ክከላኸለላ እየ እሞ፡ በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኪኣቱን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

36. መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማይናይ ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኣይ ወቕዔንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ ሬሳታት ጸንሕዎም።

37. ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ድማ ነቒሉ ኸደ፡ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸኣ ተቐመጠ

38. ኰነ ድማ፡ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድረሜሌክን ሳሬጽን ብሰይፊ ቐተልዎናብ ምድሪ ኣራራት ከኣ ሀደሙኤሳር-ሃዶን ወዱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ