1. ንእስራኤል ህጻን ከሎ ኣፍቀርክዎንውደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ

2. ብመጠን እቲ ዝጸውዕዎም ካብ ገጾም ረሐቑንበዓሊም ሰውኡ ንጣኦታት ከኣ ዐተኑ

3. ኣነ ንኤፍረኢም ኣታቴኽዎብቕልጽመይ ሐቘፍክዎም፣ ግናኸ ኣነ ኸም ዘሕዌኽዎምኣይፈለጡን

4. ኣነ ብገመድ ሰብብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም፣ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰንክዎም፣ ብልዒውን ኣቕረብኩሎም

5. ናብ ሃገር ግብጺ ኣይመለስን፣ ግናኸ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ኣሶራዊ ይነግሶ

6. ስለ እቲ እተማኸርዎ ምኽሮም ከኣ ሰይፊ ኣብ ከተማታቱ ኼንበጥብጥ፣ ንመሀርሃሪታቱ ድማ ኪዀሞን ኪውሕጦን እዩ።

7. ህዝበይ ካባይ ንምኽዳዕ ልቡ ተሰቕለ፣ ናብቲ ልዑል ጸዊኦኦምዎ ክነሶም፣ ልዕል ዚብል ሓደ እኳ የልቦን።

8. ኤፍሬም፣ ከመይ ገይረ ክሐድገካ፣ ዎ እስራኤል፣ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ፡ ከም ኣድማዶ ኽገብረካ፡ ከም ጸቦይምዶኸ ኽንብረካ እየ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወጸ፣ ኵሉ ምሕረተይ ነደደ

9. ኣነስ ኣምላኽ እየ፣ ሰብ ኣይኰንኩን፣ ኣብ ማእከልካውን ቅዱስ እየ እምበር፣ ብነድሪ ቝጥዓ ኣይመጽእን እየ እሞ፣ ሃና ነድረይ ኣይወጽእን እየ፣ ንኤፍረኢም ከጥፍእ ኢለ ድማ ኣይምለስን እየ።

10. ንሱ ይጓዝም፡ እቶም ደቂ ኸኣ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፡ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ

11. ካብ ግብጺ ኸም ዑፍ፣ ካብ ሃገር ኣሶር ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ይመጹ፣ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ክንብሮም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር

12. ኤፍሬም ብሓሶትቤት እስራኤል ከኣ ብተንኰል ከበቡኒይሁዳ ግና ነቲ ቅዱስ እሙን ኰይኑ ምስ ኣምላኽ ይነግስ