1. ንእስራኤል ህጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ፣ ንውደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ።
2. ብመጠን እቲ ዝጸውዕዎም ካብ ገጾም ረሐቑ፡ ንበዓሊም ሰውኡ ንጣኦታት ከኣ ዐተኑ።
3. ኣነ ንኤፍረኢም ኣታቴኽዎ፣ ብቕልጽመይ ሐቘፍክዎም፣ ግናኸ ኣነ ኸም ዘሕዌኽዎም፣ ኣይፈለጡን።
4. ኣነ ብገመድ ሰብ፣ ብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም፣ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰንክዎም፣ ብልዒውን ኣቕረብኩሎም።
5. ናብ ሃገር ግብጺ ኣይመለስን፣ ግናኸ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ኣሶራዊ ይነግሶ።
6. ስለ እቲ እተማኸርዎ ምኽሮም ከኣ ሰይፊ ኣብ ከተማታቱ ኼንበጥብጥ፣ ንመሀርሃሪታቱ ድማ ኪዀሞን ኪውሕጦን እዩ።
7. ህዝበይ ካባይ ንምኽዳዕ ልቡ ተሰቕለ፣ ናብቲ ልዑል ጸዊኦኦምዎ ክነሶም፣ ልዕል ዚብል ሓደ እኳ የልቦን።
8. ዎ ኤፍሬም፣ ከመይ ገይረ ክሐድገካ፣ ዎ እስራኤል፣ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ፡ ከም ኣድማዶ ኽገብረካ፡ ከም ጸቦይምዶኸ ኽንብረካ እየ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወጸ፣ ኵሉ ምሕረተይ ነደደ።
9. ኣነስ ኣምላኽ እየ፣ ሰብ ኣይኰንኩን፣ ኣብ ማእከልካውን ቅዱስ እየ እምበር፣ ብነድሪ ቝጥዓ ኣይመጽእን እየ እሞ፣ ሃና ነድረይ ኣይወጽእን እየ፣ ንኤፍረኢም ከጥፍእ ኢለ ድማ ኣይምለስን እየ።
10. ንሱ ይጓዝም፡ እቶም ደቂ ኸኣ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፡ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።
11. ካብ ግብጺ ኸም ዑፍ፣ ካብ ሃገር ኣሶር ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ይመጹ፣ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ክንብሮም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
12. ኤፍሬም ብሓሶት፣ ቤት እስራኤል ከኣ ብተንኰል ከበቡኒ፣ ይሁዳ ግና ነቲ ቅዱስ እሙን ኰይኑ ምስ ኣምላኽ ይነግስ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...