1. ንህዝቢ ኺነግሩ ኸለዉ፡ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን መጽዎም

2. ንህዝቢ ስለ ዝመሀሩንትንሳኤ ኻብ ምውታት ብየሱስ ስለ ዝሰበኹንሐሪቖም

3. ኢዶም ዘርጊሖም ሐዝዎም፡ ምድሪ መስዩ ነበረ እሞ፡ ክሳዕ ንጽብሒቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም

4. ካብቶም ነቲ ቓሎም ዝሰምዖዎ ብዙሓት አመኑቁጽሪ እቶም ሰብኡት ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኰነ።

5-6. ንጽብሒቱ ድማ ዀነመኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ምስኦም ድማ ሃና ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ዅሎምን ኣብ የሩሳሌም ተአከቡ።

7. ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ በየናይ ሓይሊ ወይስ በየናይ ስም ኢኹም ነዚ ዝገነበርኩምዎ፡ ኢሎም ሐተትዎም

8. ሽዑ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ በሎም፡ ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ዓበይትን

9. ሎሚ ንሕና ንሓደ ሕሙም ሰብኣይ ብዝዀነ ጽቡቕ ግብሪ ንሱውን ብዝሐወየሉ ኻብ እንምርመር

10. ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኲላትኩምን ኣብ ኲሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ

11. እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዐቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ እዩ።

12. ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

13. ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ አለለይዎም

14. እቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ምስኦም ደው ኢሉ ምስ ረአይዎዚዛረብዎ ሰአኑ።

15-16. ኻብ ዋዕላ ኼግልሱ ኣዘዝዎም እሞ፡ ኣሉ ኽንብላ ዘይዀነልና፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚነብሩ ዂላቶም እተጋህደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ክንገብር ኢና፡ ኢሎም ተመኻኸሩ

17. ኣብ ህዝቢ ምእንቲ እምብዛ ኸይውረ ግና፡ ደጊም ንሓደ ሰብ እኳ ኸይነግሩ ኣምሪርና ንግንሓዮም፡ በሉ።

18. ጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ወይስ ከይምህሩኣዘዝዎም

19-20. ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱበልዎም

21-22. እቲ ናይ ምጥዓይ ተኣምራት እተገብረሉ ሰብኣይ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ስለ ዝነበረኲሎም በቲ ዝዀነ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ እሞ፡ ንሳቶምውን ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኸመይ ገይሮም ከም ዚቐጽዕዎም ምስ ሰአኑ፡ ኣፈራሪሆም ሐደግዎም

23. ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶምሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዂሉተዛረብዎም

24. እዚ ምስ ሰምዑብሓንሳእ ሐቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ

25. ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻስለምንታይ ኣህዛብ ሐረቑህዝብስ ከንቱ ሐሰቡ

26. ነገስታ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሁን ኪጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ፡ ዝበልካዮ፡

27-28. እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ

29-30. ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውንኢድካ ዘርግሕንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም

31. ምስ ለመኑ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸትኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ

32. እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን።

33. ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ።

34-35. ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦምንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።

36. ዮሴፍ ከኣ፡ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለወዲ ምጽንናዕ ዝትርጒሙሌዋዊቆጵሮስ ዝዓሌቱ

37. ነቲ ዘለዎ ግራት ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ