1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቓላተይ ጽን በሎ፣ ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ።
2. ናባኻ እጽሊ አሎኹ እሞ፣ ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይን፣ ንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ።
3. ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ አሎኹ።
4. ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን።
5. ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፣ ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም።
6. ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም። እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ።
7. ኣነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ፡ ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፣ ንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ።
9. ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣ ውሽጦም ጥፍኣት፣ ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብመልሓሶም የቀባጥሩ።
10. ዎ ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ። ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም።
11. ኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፣ ንስኻ አጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለአለም እልል ይብሉ፣ ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ።
12. ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...