1. በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ እሞ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ኣዳልወለይበሎ

2. ባላቅ ከኣ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረባላቅን በላዓምን ኣብ መመሰውኢ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኡ

3. በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብ ጥቓ እዚ ዚሐርር መስዋእትኻ ደው በል፡ ኣነ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኪራኸበኒ እንተ ወጸክኸይድ እየ፡ እቲ ንሱ ዜርእየኒ ነገር ከኣ ክነግረካ እየ፡ በሎ። ናብ ሓደ መላጥ በሪኽ ድማ ከደ

4. ኣምላኽ ከኣ ንበላዓም ተጓነፎ፡ ንሱ ድማ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኣዳሎኹ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ዝራብዕን ድዑልን ሰዋእኩበሎ

5. እግዚኣብሄር ድማ ቃል ኣብ ኣፍ በላዓም ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ከኣ በሎ

6. ናብኡ ድማ ተመልሰ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ኲሎም ሹማምቲ ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሐርር መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ

7. ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለባላቅ ካብ ኣራምንጉስ ሞኣብ ኣብ ኣኽራን ምብራቕ ኣምጽኣኒመጺእካ ንያእቆብ ርገመለይንዓ ንእስራኤል ጸይፎ

8. ኣምላኽ ንዘይረገሞ ኸመይ ኢለ ኽረግምእግዚኣብሄር ንዘይጸየፎኸ ኸመይ ገይረ ኽጽይፍ

9. ካብ ርእሲ ኣኻውሕ ደኣ እርእዮ፡ ካብ ኲርባታት ከኣ እጥምቶ አሎኹ። እንሆ፡ ንበይኑ ዚቕመጥ ህዝቢ፡ ምስ ህዝብታትውን ኣይቊጸርን

10. ነቲ ሓመድ ያእቆብ መን ኪቘጽሮ ይኽእል፧ ወይ ንርብዒ እስራኤል መን ይጽብጽቦ፧ ነፍሰይ ሞት ጻድቃን ትሙትመወዳእታይ ከኣ ከም ናቱ ይኹን።

11. ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒንጸላእተይ ክትረግሞም ኣምጻእኩኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ፈጺምካ መረቕካዮምበሎ

12. ንሱ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግኣንን እዩ፧ ኢሉ መለሰ

13. ባላቅ ድማ፡ በጃኻ፡ ኣብኣ ዄንካ ኽትርእዮምሲ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ናይ ሓደ ወገን ወሰኖም ትርኢ አሎኻ እምበርንብዘለዉ ኣይትርእዮምን ኢኻ ዘሎኻ፡ ኣብኡ ዄንካ ንኣታቶም ርገመለይበሎ

14. ናብ መሮር ጾፊም ናብ ርእሲ ጲስጋ ድማ ወሰዶሾብዓተ መሰውኢ ኸኣ ነደቐ፡ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ

15. ንባላቅ ከኣ፡ ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሐርር መስዋእትኻ ደው በል ኣነ ኣብኡ ኽራኸቦ ክኸይድ እየ፡ በሎ

16. እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም ተራኸቦቃል ከኣ ኣብ ኣፉ ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦበለ

17. ናብኡ ኸኣ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሐርር መስዋእቱ ደው ኢሉሹማምቲ ሞኣብውን ምስኡ ነበሩ። ባላቅ ድማ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ተዛሪቡካበሎ

18. ሽዑ ምስላኡ ኣልዒሉ በለባላቅተንስእስማዕ ድማ፡ ኣታ ወዲ ጺጶር፡ ናባይ ጽን በል

19. ኣምላኽ ከይሕሱሰብ ኣይኰነንከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶእተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ

20. እንሆ፡ ክምርቕ ተአዚዘ እየ። ንሱ ድማ ባሪኹ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክመልሶ ኣይከአለንን

21. ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይጠመተን፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕሰም ኣይረአየንእግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ እዩ፡ እልልታ ንንጉስ ድማ ኣብ ማእከሉ አሎ።

22. ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦምሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ አለዎ።

23. ኣብ ያእቆብ ኣስማት፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ጥንቊልና የልቦን። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን ብጊዜኡኣምላኽ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረኪብሀል እዩ።

24. እንሆ፡ ህዝቢ ኸም ዋዕሮ ይትንስእ፡ ከም ኣንበሳ ይልዐልዝዘረፎ ኽሳዕ ዚበልዕደም እቶም ቅቱላት ከኣ ክሳዕ ዚሰቲ በጥ ኣይብልን

25. ሽዑ ባላቅ ንበላዓምምርጋም ኣይትርገሞምምራቕ ከኣ ኣይትምርቆበሎ

26. በላዓም ግና ንባላቅእግዚኣብሄር ዚብለኒ ዅሉ እየ ዝገብርኢለዶ ኣይተዛረብኩኻንኢሉ መለሰሉ

27. ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካምናልባሽ ኣምላኽ እንተ ሰመሮ፡ ኣብኣ ዄንካ ኽትረግመለይ፡ በጃኻ ንዓበሎ

28. ባላቅ ከኣ ንበላዓምንበረኻ ኣቢሉ ናብ ዜርኢ፡ ናብ ርእሲ ጴዖር ወሰዶ

29. በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፡ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ከኣ ኣብዚ ኣዳልወለይበሎ

30. ባላቅ ድማ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ