1. ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ከኣ ሰፈሩ

2. ባላቅ ወዲ ጺጶር ድማ፡ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበሮ ዅሉ ረአየ

3. ሞኣብ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ ኣዝዩ ፈርሄሞኣብ ብደቂ እስራኤል ተሸበረ

4. ሞኣብ ከኣ ንዓበይቲ ሚድያንብዕራይ ሳዕሪ መሮር ከም ዚበልዕ፡ ሕጂ እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ንዅሉ ኸምኡ ኺበልዖ እዩ፡ በሎምበቲ ዘበን እቲ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶርንጉስ ሞኣብ ነበረ።

5. ንሱ ኸኣ ናብታ ኣብ ጥቓ ርባ ዘላ ጴጦር ኣብ ሃገር ደቂ ህዝቡ ተቐሚጡ ዘሎ ናብ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ኢሎም ኪጽውዕዎ ልኡኻት ሰደደሉ፡ እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ፡ ንሱ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ አሎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጽረይ ተቐሚጡ አሎ።

6. ንሱ ኻባይ ዚሕይል እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ መጺእካ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽትረግመለይ እልምነካ አሎኹ። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕዝረገምካዮ ኸኣ ርጉም ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባሽ ክወቕዖን ካብ ሃገር ከኣ ከውጽኦን እኽእል እየ።

7. ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ዓስቢ ጥንቊልና ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ ቃል ባላቅ ነገርዎ

8. ንሱ ድማ፡ ሎም ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነገረኒ ነገር ከኣ ክመልሰልኩም እየ፡ በሎምሹማምቲ ሞኣብ ድማ ምስ በላዓም ተቐመጡ

9. ኣምላኽ ድማ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም፧ በለ

10-11. በላዓም ከኣ ንኣምላኽ በሎባላቅ ወዲ ጺጶርንጉስ ሞኣብ፡ እንሆ፡ ካብ ምስሪ ዝወጸ ህዝቢ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ አሎ፡ ሕጂ መጺእካ ንእኡ ርገመለይ፡ ምናልባሽ ክዋግኦን ከውጽኦን እኽእል እየ፡ ኢሉ ለኣኸለይ

12. ኣምላኽ ድማ ንበላዓም፡ ምሳታቶም ኣይትኺድምሩቕ እዩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣይትርገሞበሎ

13. በላዓም ከኣ ብጊሓት ተንሲኡ ንሹማምቲ ባላቅእግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይከይድ ከሊኡኒ እዩ እሞ፡ ንሃገርኩም ኪዱበሎም

14. ሹማምቲ ሞኣብ ድማ ተንስኡ፡ ናብ ባላቅ መጺኦም ከኣ፡ በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩበልዎ

15. ባላቅ ድማ መሊሱ ኻባታቶም ዚበዝሑን ዚኽብሩን ሹማምቲ ሰደደ

16. ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ኣይትተዐገት

17. ኣዝየ ከኽብረካ እየ፡ እትብለኒ ዅሉ ኸኣ ክገብር እየ እሞ፡ በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ፡ ይብል አሎ፡ በልዎ።

18. በላዓም ድማ ንገላዉ ባላቅ መለሰሎም በሎም ከኣ፡ ባላቅ ብቤቱ መሊኡ እኳ ብሩርን ወርቅን እንተ ዚህበኒብንእሽቶ ዀነ ወይ ብዓብዪቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከፍርስ ኣይክእልን እየ።

19. ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር መሊሱ ዚብለኒ ኽፈልጥ ንስኻትኩም በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብዚ ተቐመጡ

20. ኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኪጽውዑኻ መጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ተንሲእካ ምሳታቶም ኪድእቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ግበርበሎ

21. በላዓም ከኣ ብጊሓት ተንስኤኣድጉ ጽዒኑ ድማ ምስቶም ሹማምቲ ሞኣብ ከደ

22. ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ ኲራ ኣምላኽ ነደደ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ኽልተ ገላዉኡ ኸኣ ምስኡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ መልኣኽ እግዚብሄር ኪኽልከሎ ኣብ መገዲ ደው በለ።

23. እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄርምሉሕ ሴፍ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ መገዲ ደዉ ኢሉ ረአየት፡ እታ ኣድጊ ኸኣ ካብ መገዲ ኣግሊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኸደትበላዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኺመልሳ ወቕዓ

24. መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ በዚ መንደቕ በቲ ድማ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ዅዕትቲ መገዲ ደው በለ።

25. እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዔት፡ ንእግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዔት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣራጸመቶ። ንሱ ኸኣ መመሊሱ ወቕዓ

26. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንቕድሚት ሐሊፉንየማን ወይ ንጸጋም እተግልስ ኣብ ዜብላ መገዲ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ደው በለ።

27. እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት። በላዓም ድማ ኰርዩ ተናደደ፡ ነታ ኣድግ ኸኣ ብበትሪ ወቕዓ

28. ሽዑ እግዚኣብሄር ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ፡ ንሳ ድማ ንበላዓም፡ እዚ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካኒኸ እንታይ ገይረካ እየ በለቶ

29. በላዓም ከኣ ነታ ኣድጊስለ ዘላገጽክለይሴፍ ኣብ ኢደይ እንተ ዚህልወንስ፡ ሕጂ እኳ ምቐተልኩኺበላ

30. እታ ኣድጊ ድማ ንበላዓም፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነዊሕ ዘበንካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኰንኩን፧ ከምዚ ኽገብረካዶ ልማድ ነይሩኒ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋልክን፡ በለ

31. ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በላዓም ከፈተ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መገዲ ደው ኢሉ፡ ምሉሕ ሴፉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ረአየፍግም ኢሉ ድማ ብገጹ ተደፍኤ

32. መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፧ እዛ መገዲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ኣይኰነትን እሞ፡ እንሆ፡ ክኽልክለካ ወጻእኩ

33. እታ ኣድጊ ኸኣ ርእያትኒሰለስተ ሳዕ ካብ ቅድመይ ኣግለሰት፡ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፡ ንእኣ ብህይወታ ሐዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ፡ በሎ።

34. በላዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄርንምኽልካለይ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ በደልኩ። ሕጂ ኸኣ ዘጕህየካ እንተ ዀይኑስ፡ እምለስበሎ

35. መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም፡ ምስ እዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፡ ግናኸ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ተዛረብበሎበላዓም ከኣ ምስቶም ሹማምቲ ባላቅ ከደ

36. ባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔኪቃባበሎ ናብታ ኣብ ዶብ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፡ ኣብ ወሰን ዶብ ከደ

37. ባላቅ ድማ ንበላዓምንምጽዋዕካ ኣጽኒዔዶ ኣይለኣኽኩልካን፧ ስለምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመጻእካ፧ ኣጸቢቐ ከኽብረካዶ ኣይክእልን እየ፧ በሎ

38. በላዓም ከኣ ንባልቅ፡ እንሆ፡ ናባኻ መጺኤ አሎኹ። ሕጂ ገለ ነገር ክዛረብዶ እኽእል እየ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዜንብረለይ ቃል ንሱ እየ ዝዛረብበሎ

39. በላዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደቅርያት-ሑጾት ከኣ መጹ

40. ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሐሪዱ ናብ በላዓምን ናብቶም ምስኡ ዘለዉ ሹማምትን ሰደደ

41. ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ባላቅ ንበላዓም ወሲዱ ናብ ባሞት - በዓል ኣደየቦ፡ ኣብኡ ዀይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ