1. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ

2. ሰናብተይ ሓልዉመቕደሰይውን ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

3. ብሕጋጋተይ እንተ ኸድኩምትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሐሎኹም፡ እንተ ገበርኩምዎ ኸኣ፡

4. ኣነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩምምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬኤን ይህባ

5. መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይበጽሕምቕንጣብ ወይኒ ኸኣ ክሳዕ ዘርኢ ይበጽሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብ ምድርኹም ከኣ ሀዲእኩም ትቕመጡ

6. ኣብ ምድርኹም ድማ ሰላም ክህብ እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ በጥ ትብሉ፡ ዜፍርሃኩምውን የልቦን፡ ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፡ ሴፍ ድማ ብሃገርኩም ኣይሐልፍን

7. ጸላእትኹም ትሰጉ፡ ንሳቶም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ

8. ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ ይሰጒዎምሚእቲ ካባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ ይሰጒዎም፡ ጸላእትኹም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ

9. ኣነ ገጸይ ናባኻትኩም እመልስ እሞ ከፍርየኩምን ከብዝሓኩምን እየ፡ ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ።

10. ነዊሕ እተዐቚረ ነባር እኽሊ ድማ ትበልዑስለቲ ሓድጽ ከኣ ነቲ ዕቑር ትጒሕፍዎ

11. ማሕደረይ ድማ ኣብ ማእከልኩም ክገብር እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣይትፍንፍነኩምን

12. ኣብ ማእከልኩም ድማ እኸይድኣምላኽኩምውን እኸውን፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ትዀኑኒ

13. መታን ባሮቶም ከይትዀኑ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ቊራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፡ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገበርኩኹም።

14. ግናኸ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ እዚ ዂሉ ትእዛዛት እዚ ኸኣ እንተ ዘይገበርኩም

15. ሕጋጋተይ ድማ እንተ ነዐቕኩም እሞ ኲሉ ትእዛዛተይ ከይትገብሩነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነትኪዳነይ ከኣ እንተ ኣፍረስኩም

16. ኣነ ድማ እዚ ኽገብረኩም እየ፡ ኣነ መሸበርን ሕዱር ሰዓልን ኣዒንቲ ዜሕምቕ ነፍሲ ኸኣ ዜድክም ዓሶን ክሰደልኩም እየ። ጸላእትኹም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ

17. ገጸይ ከኣ ናብ ልዕሌኹም ክመልስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ድማ ክትሰዐሩ ኢኹም። እቶም ዚጸልኡኹም ከኣ ኪገዝኡኹም እዮም፡ ዝሰጐጐኩም ዜልቦ ድማ ክትሀድሙ ኢኹም።

18. በዚ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ።

19. ነቲ ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብሮ እየ፡ ሰማይኩም ከኣ ከም ሓጺንምድርኹምውን ከም ኣስራዚ ኽገብር እየ።

20. ምድርኹም እኽላ ኣይትህብንኦም ሃገር ከኣ ፍሬኣ ኣይትህብን እያ እሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ

21. ክትጻረሩኒ እንተ ኸድኩምክትሰምዑኒውን እንተ ዘይፈቶኹም፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሾብዓተ ሳዕ ክወቕዓኩም እየ።

22. ንደቅኹም ዚዝርፉ፡ ንማልኩምውን ዜጥፍኡ፡ ንቚጽርኹም ድማ ዜውሕዱ ኣራዊት መሮር ክሰደልኩም እየ፡ መገድኹም ከኣ ይባድም

23. በዚ ነገርዚ እንተ ዘይተቐጻዕኩምለይ፡ ግናኸ ንኣይ ብምጽራር እንተ ተመላለስኩም

24. ኣነ ኸኣ ንኣኻትኩም ብምጽራር እመላለስ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩምውን ኣነ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ እወቕዓኩም

25. ሕነ ኺዳነይ ዚፈዲ ሴፍ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ከምጽእ እየ፡ ኣብ ከተማታትኩም ከኣ ትእከቡ፡ ናብ ማእከልኩም ድማ ፌራ እሰድድ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ትወሀቡ

26. በትሪ እንጌራ ምስ ዝሰብረልኩምንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይስንክታኦእንጌራኹም ድማ ብሚዛን ይመልሳልኩምበሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን

27. በዚ ነገርዚ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ እሞ እናተጻረርኩምኒ እንተ ኽድኩም

28. ኣነ ድማ ብቑጥዓ እናተጻረርኩኹም እኸይድ እሞ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሸብዓተ ዕጽፊ እቐጽዓኩም

29. ስጋ ኣወዳትኩም ክትብልዑስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም።

30. በረኽትኹም ኤፍርስ፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኒድኩምውን እሰብርንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ ሬሳ ጣኦታትኩም ክድርብዮ እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ክትፍንፍነኩም እያ።

31. ንኸተማታትኩም ድማ በረኻ እገብረንንመቓድስኩምውን ኤፍርሰን፡ ደጊም ከኣ እቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ኣየጨንዎን

32. ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ጸላእትኹም ከኣ ብእኣ ኺድነቑ እዮም።

33. ንኣኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፡ ደድሕሬኹም ድማ ሴፍ ክመልሕ እየ፡ ሃገርኩም ከኣ ክትባድም እያ፡ ከተማታትኩምውን በረኻ ይዀና።

34. ሽዑ እታ ሃገር በቲ እትዐንወሉ ዅሉ ዘበን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ጸላእትኹም ከሎኹም፡ ንሳ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ሽዑ እታ ምድሪ ትዐርፍብሰናብታ ኸኣ ባህ ይብላ።

35. እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ብሰናብትኹም ዘይዐርፈት፡ በቲ እትዐንወሉ ዂሉ ዘበን ክትዐርፍ እያ።

36. ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ጸላእቶም ከለዉ፡ ምሽባር ናብ ልቦም ከእቱ እየ፡ ደሃይ እተነቓነቐት ቈጽሊ ኸኣ የህድሞም፡ ካብ ሴፍ ከም ዚሀድም ይሀድሙ፡ ገለ ኸይሰጐጎም ከኣ ይወድቁ

37. ሓደ እኳ ኸይሰጐጎም፡ ከም ኣብ ቅድሚ ሴፍ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ይወድቁ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ከኣ ክትቈሙ ኣይትኽእሉን።

38. ኣብ ማእከል ህብታት ትጠፍኡምድሪ ጸላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም

39. እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ብኽፍኣቶም ይምህምኑብኽፍኣት ኣቦታቶም ከኣ ምሳታቶም ይምህምኑ።

40. በቲ ዝበደሉኒ በደሎምን፡ በቲ ዚገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ኪናዘዙ እዮም። ድማ ብምምልላሶም ስለ እተጻረሩኒ

41. ኣነ ኸኣ ብምምልላሰይ ተጻረርክዎም፡ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ኣእቶኽዎምሽዑ እቲ ዘይግዙር ልቦም እንተ ኣትሐቱ፡ ቅጽዓት ክፍኣቶምውን እንተ ተቐበሉ

42. ኣነ ድማ እቲ ኺዳነይ ምስ ያእቆብ እዝክር፡ ኪዳነይ ምስ ይስሃቅ ድማ፡ ኪዳነይ ምስ ኣብርሃም ከኣ እዝክር፡ ነታ ሃገርውን እዝክራ

43. ነታ ሃገር ኪሐድግዋ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ከየለዉ ዖንያ ኸላ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ንሳቶም ከኣ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉንነፍሳቶም ከኣ ሕጋጋተይ ስለ ዝፈንፈና፡ ቅጽዓት ሓጢኣቶም ይቕበሉ

44. እዚ ኽነሱ እኳ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ ፈጺመ ንምጥፋኦም፡ ምሳታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ንምፍራስ ኣይድርብዮምንኣይፍንፍኖምን ድማ።

45. ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ኣውጺኤ ነቲ ምስቶም ቀዳሞት ዝአቶኽዎ ኺዳን ክዝክር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

46. እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሀበ ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕጋጋትን እዚ እዩ።