1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ አቶኹም፡ እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተብዕል

3. ሹድሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ ሹድሽተ ዓመት ከኣ ወይንኻ ጠጥፍፍሬኣ ድማ ኣክብ

4. በታ ሳብዐይቲ፡ ዓመት ግና ነታ ምድሪ ሰንበት ዕርርፍቲ፡ ሰንበት እግዚኣብሄር ይኹን፡ ግራትካ ኣይትዝራእ ወይንኻውን ኣይትጠጥፍ

5. ባልጋ ቐሪምካ ኣይትዕጸድ፡ እቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥብ። ነታ ምድሪ ዓመት ሰንበት ዕረፍቲ ይኹን።

6. ሰንበት እታ ምድሪ ንኣኻን ንግዙእካን ንግዝእትኻን ንወዓላይካን ነቲ ምሳኻ ዚነብር ስደተኛን ምግብኹም ይኹን።

7. ኲሉ ፍሬኣ ንማልካን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ እንስሳን ቀለብ ይኹን።

8. ድማ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት፡ ንኣኻ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ጌርካ ቚጸርዘበን እቲ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ።

9. ሽዑ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ መለኸት ንፋሕብመዓልቲ ዕርቂ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ

10. ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ

11. እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ኣይትዝርኡ፡ እቲ ባሊጉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸኣ ኣይትዕጸዱ፡ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ።

12. እዚኣ ዓመት እልልታ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ካብ ግራት ዝአተወ ብልዑ

13. በዛ ዓመት እልልታ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ

14. ገለ ንብጻይካ እንተ ሸጥካሉ፡ ወይ ካብ ኢድ ብጻይካ ገለ እንተ ተሻይጥካሓደ እኳ ንሓዉ ኣይዐምጽ

15. ብቚጽሪ ዓመታት ድሕሪ ዓመት እልልታ ኻብ ብጻይካ ተሻየጥ፡ ንሱ ድማ ብቚጽሪ ዓመታት ፍሬኡ ይሽጠልካ

16. ብቚጽሪ ዓመታት ፍረ እዩ ዚሸጠልካ እሞ፡ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣብዝሕ፡ ብመጠን ምውሓድ ዓመታት ድማ ዋጋ ኣውሕድ

17. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዐምጽንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ

18. ሕጋጋተይ ግበሩ ፍርድታተይውን ሐልዉን ግበርዎን። ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም።

19. እታ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ትህብ እሞ፡ በሊዕኩም ትጸግቡ። ኣብኣውን ብህድኣት ትነብሩ

20. እንሆ፡ ኣይዘራእናን ፍረ ድማ ኣየእቶናን፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ደኣ እንታይ ክንበልዕ ኢና፡ እንተ በልኩም

21. ሽዑ በታ ሳድሰይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፡ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ፍረ ኸኣ ከተፍርየልኩም እያ።

22. በታ ሳምነይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡ ኢኹም፡ ካብ ነባር እኽሊ ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። ክሳዕ እታ ታስዐይቲ ዓመት፡ ፍሬኣ ኽሳዕ ዚአቱ፡ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም።

23. ምድሪ ናተይ እያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ

24. ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ እታ ምድሪ ብዋጋ ተበጀውዋ

25. ሓውካ እንተ ተሸገረ እሞ ካብ ርስቱ ገለ እንተሸጠ፡ እቲ ዚቐርቦ ዘመዱ መጺኡ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ይበጀዎ

26. ዚብጀዎ ዘመድ እንተ ዜብሉ፡ ንሱ ግና ኢዱ እንተ መልኣሉ፡ ንምብጃው ዚአክልውን እንተ ረኸበ፡

27. እተን እተሸጠትለን ዓመታት ይቚጸር፡ እቲ ዝተረፎ ነቲ እተሻየጠ ሂቡ፡ ናብ ርስቱ ይምለስ

28. ንመምለሲኡ ዚአክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፡ እቲ እተሸጠ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ኣብ ኢድ ተሻያጢኡ ይጽናሕ። በታ ዓመት እልልታ ሓራ ይውጻእ፡ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ

29. ሰብ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት እንተ ሸጠ፡ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ይበጀዋ፡ ጊዜ ምብጃዋ ዓመት ምሉእ ይኹን።

30. ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይተበጀወት ከኣ፡ እታ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ እተሻየጣ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፡ ብዓመት እልልታ ሓራ ኣይትወጽእን

31. ኣብ ዙርያኤን ቀጽሪ ኣብ ዜብለን ዓድታት ዘለዋ ኣባይቲ ግና ምስ ግራውቲ ሃገር ይተሐሰባበጃ ይውሀበን፡ ብዓመት እልልታ ድማ ሓራ ይውጽኣ

32. ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኺብጀውወንንሌዋውያን ናይ ዘለኣለም ስርዓት ይኹን።

33. እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኸኣ፡ ንሳተን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቶም እየን እሞ፡ ሓደ ኻብ ሌዋውያን እንተ ተበጀወ፡ ሽዑ እታ እተሸጠት ቤትን እታ ናይ ርስቱ ኸተማን ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኣ

34. ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘላ ግራት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እያ እሞ፡ ኣይትሸየጥ

35. ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር

36. ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድንኣምላኽካ ደኣ ፍራህሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር

37. ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦእኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።

38. ኣምላኽ ክዀነኩምን ምድሪ ኸነኣን ክህበኩምን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

39. ሓውካ ድማ ምሳኻ ኸሎ እንተ ደኸየ፡ ርእሱ ኸኣ እንተ ሸጠልካ፡ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ

40. ከም በዓል ዓስብን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት እልልታ የገልግልካ

41. ሽዑ ንሱ፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ካባኻ ሓራ ይውጻእ እሞ፡ ናብ ዓሌቱ ይመለስ፡ ናብ ርስቲ ኣቦታቱ ኸኣ ይመለስ።

42. ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም እሞ፡ ባርያ ኸም ዚሽየጥ ኣይሸየጡ

43. ኣበርቲዕካ ኣይትግዝኣዮንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ

44. ንኣኻ ዚዀኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት፡ ካባታቶም ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ተሻየጡ

45. ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት፡ ካባታቶምን ኣብ ሃገርኩም ካብ እተወልዱ ዓሌቶምን ተሻየጡጥሪት ይኹኑኹም።

46. ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፡ ብኣታቶም ንዘለኣለም ክትግልገሉ ኢኹም። ብናይ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ንሓዉ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ

47. ጓና ወይ ምሳኻ ዘሎ ጸጋዕተኛ እንተ ሀብተመ፡ ሓደ ሓውካ ኸኣ ምስኡ ኸሎ እንተ ደኸየ እሞ ንርእሱ ኣብቲ ምሳኻ ዚነብር ጓና፡ ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና እንተ ሸጠ

48. ድሕሪ ምሻጡ ይበጀውዎሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይበጀዎ

49. ሓው ኣቦኡ ወይ ወዲ ሓው ኣቦኡ ይበጀዎ፡ ወይ ካብ ዓሌቱ፡ ካብ ዘመድ ስጋኡ ሓደ ይበጀዎ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፡ ንርእሱ ይበጀዋ

50. ካብታ እተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት እልልታ ምስቲ እተሻየጦ ዀይኑ ይጸብጽብ፡ እቲ ዋጋ መሸጣኡ ብመጠን ቊጽሪ ዓመታት ይኹን፡ ከም መጠን መዓልትታት ወዓላይ ምስኡ ይኹን።

51. ገና ብዙሕ ዓመታት እንተሎ፡ ብእኤን መጠን ዋጋ መበጀዊኡ ኻብቲ ገንዘብ መሸጣኡ ይምለስ

52. ክሳዕ ዓመት እልልታ ቕሩብ ዓመታት ተሪፉ እንተሎ፡ ምስኡ ጸብጺቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መበጀዊኡ ይምለስ

53. ከም ዓሰባ ዓመት ንዓመት ምስኡ ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ

54. በዚ እንተ ዘይተበጀወ ኸኣ፡ ንሱ ደቁ ኸኣ ምስኡ ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኡ

55. ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።