1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንኣሮንን ንደቁን፡ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዚቕድሱለይ ቅዱስ ነገር ኪፍለዩን፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ከኣ ከየርክሱን ንገሮም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

3. ብዚመጽእ ወለዶኹም፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ኲሉ ዘርእኹምርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ ኸሎ፡ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚቕድሱሉ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፡ እታ ንፍሲ እቲኣ ኻብ ቅድመይ ክትምንቈስ እያ፡ በሎም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

4. ዝዀነ ሰብ ካብ ዘርኢ ኣሮን ለምጻም ወይ ዘርኡ ዚከዐዎ፡ ክሳዕ ዚነጽህ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕብምዉት ዝረኸሰ ዘበለ ነገር ዝተንከየ፡ ወይ ዘርኡ ኻብኡ ዝወጾ ሰብ

5. ንዜርክሶ ዘበለ ለመምታ ዝተንከየ ሰብ፡ ወይ ዝዀነ ርኽሰት ብዘለዎ ሰብ ዝረኸሰ

6. ነዚ ዝተንከየት ነፍሲ ኽሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን፡ ስጋኡ ብማይ ክሳዕ ዚሕጸብ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ

7. ጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ ይነጽህድሕርቲ፡ ንሱ ምግቡ እዩ እሞ፡ ካብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ

8. ብእኡ ኸይረክስሲሕሉቕን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

9. ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይጾሩ፡ እንተ ኣርከስዎ ድማ፡ ከይሞቱ፡ ትእዛዘይ ይሐልዉ። ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

10. ጓና ዘበለ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ፡ ምስ ካህን ዚነብር ወይ ግዙኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ

11. እቲ ኻህን ብገንዘቡ ተሻይጡ ሰብ እንተ ኣጥረየ ግና፡ ንሱ ኻብኡ ይብላዕ፡ ኣብ ቤቱ እተወልደ ኸኣ ከምኡ፡ እዚኣቶም ካብቲ እንጌራኡ ይብልዑ

12. ጓል ካህን ድማ ሰበይቲ ጓና እንተ ዀነት ካብቲ ናይ ቅዱስ ነገር ዚልዐል መስዋእቲ ኣይትብላዕ

13. ጓል ካህን መበለት እንተ ዀነት ወይ ፍትሕቲውሉድ ከኣ ዜብላ፡ ተመሊሳ፡ ከምቲ ብጓላ ኸላ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተ ተቐመጠት፡ ካብ እንጌራ ኣቦኣ ትብላዕጓና ዘበለ ግና ካብኡ ኣይብላዕ።

14. ዝዀነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ቅዱስ ነገር እንተ በልዔ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሳይ ኣፍ ወሲኹ እቲ ቅዱስ ነገር ንኻህን ይሀቦ።

15-16. ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሂር እየ እሞ፡ ንሳቶም ካብቲ ዝቐደስዎ ነገር ብምብላዖም በደል ዚዀኖም ክፍኣት ከይጾሩስ፡ ነቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚስውእዎ ቅዱስ ነገር ኣየርክሱ

17. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

18. ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልን ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚነብር ጓና መስዋእቱ ዜቕርብመስዋእቲ መብጽዓ ዀነ ወይ መስዋእቲ ፍቓድንእግዚኣብሄር ንዚሐርር መስዋእቲ ዜቕርብዎ

19. ምእንቲ ኺፍተወልኩም፡ ካብ ኣብዑር ኰነ ወይ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣልጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ኣቕርቡ

20. ጐደሎ ዘለዎ ዘበለ ግና ኣይፍተወልኩምን እዩ እሞ፡ ኣይተቕርብዎ

21. ዝዀነ ሰብ ድማ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፡ ካብ ማል ኰነ ወይ ካብ ጤለበጊዕ፡ ምስ ዜቕርብ፡ ምእንቲ ኺፍቶ ጐደሎ ዜብሉ ይኹን፡ ገለ እኳ ጐደሎ ኣይሀልዎ

22. ዕውር ወይ ስቡር ወይ ቊሩጽ ወይ ቊሱል ወይ ዐባቕ ወይ ሻሕራም፡ እዚ ንእግዚኣብሄር እይተቕርቡሉ። ካብ እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣይትግበሩ

23. ብዕራይ ወይ በጊዕ ኣካሉ እንተ ነውሔ ወይ እንተ ሓጸረንመስዋእቲ ፍቓድሲ ግበሮ፡ ንመስዋእቲ መብጽዓ ግና ኣይፍቶን እዩ።

24. ብምጭፍላቕ ወይ ብምቕጥቃጥ ወይ ብምምላሕ ወይ ብምቚራጽ ዝሶረ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ፡ ኣብ ሃገርኩምውን ኣይትግበርዎ

25. እዚኣቶም ጒዱኣት እዮም፡ ጐደሎ አለዎም እሞ፡ ካብ ኢድ ጓና ድማ ካብዚ ዂሉ እንጌራ ኣምላኽኩም ኣይተቕርቡ፡ ኣይፍተወልኩምን እዩ።

26. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

27. ብተይ ወይ ዕየት ወይ ማሕስእ ምስ ተወልደሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ ካብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንንየው ከኣ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ፍትዊ እዩ።

28. ላም ኰነ ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ

29. መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ምስ እትስውኡሉ፡ ከም ዚፍተወልኩም ጌርኩም ሰውእዎ

30. በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፡ ካብኣ ገለ እኳ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣይትሕደጉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

31. ትእዛዛተይ ድማ ሐልዉግበርዎውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

32. ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ምእንቲ ክቕደስሲ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣይተርክስዎዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

33. ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።