1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮንተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ብገለ ምዉት ካብ ህዝቢ ኣይርከስ፡

2. ብጀካ ብቐረባ ዘመዱ፡ በዲኡ ወይ በቦኡ ወይ ብወዱ ወይ ብጓሉ ወይ ብሓዉ

3. ድማ በታ እትቐርቦ ድንግል፡ ዘይተመርዐወት ሓብቱ፡ ብእኣ ይርከስ

4. ኣብ መንጎ ህዝቡ ጐይታ እዩ፡ ከይገሀስ ርእሱ ኣየርክስ

5. ርእሶም ላጽዮም ኣየብርሑወሰነ ወሰነ ጭሕሞም ድማ ኣይላጽዩ፡ ኣብ ስጋኦም ከኣ ብጣሕ ኣይብጥሑ

6. ንኣምላኾም ቅዱሳት ይኹኑ፡ ስም ኣምላኾምውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊእንጌራ ኣምላኾም፡ የቕርቡ እዮም እሞ፡ ስለዚ ቅዱሳት ይኹኑ።

7. ንኣምላኹ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ኣየእትዉ፡ ወይ ካብ ሰብኣያ እተፈትሔት ሰበይቲ አየእትዉ

8. ንሱ እንጌራ ኣምላኽካ የቕርብ እዩ እሞ፡ ስለዚ ቀድሶ። ኣነ እግዚኣብሄር ዝቕድሰኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹን።

9. ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት። ንሳ ነቦኣ ኣርከሰትብሓዊ ትንደድ

10. እቲ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ቕብኣት እተኻዕዎ፡ ቅዱስ ኣልባስ ኪለብስ ድማ እተቐደሰ፡ ኣብ ኣሕዋቱ ኸኣ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ፡ ንሱ ርእሱ ኣይቕላዕክዳኑውን ኣይቕደድ

11. ናብ ገለ ምዉት ሰብ ድማ ኣይእቶበቦኡን በዲኡን ከኣ ኣይርከስ

12. እቲ ኣኽሊል ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፡ ካብ መቕደስ ኣይውጻእ፡ መቕደስ ኣምላኹ ኸኣ ኣየርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

13. ንሱ ድማ ብድንግልናኣ ዘላ ሰበይቲ የእቱ

14. ሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር፡ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ አመንዝራ ኣየእቱ

15. ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ዘርኡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣየርክስ

16. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

17. ንኣሮን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ብዚመጽእ ወለዶኦም ዝዀነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጐደሎ ዘለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ

18. ዝዀነ ሰብ ጐደሎ ዘለዎ፡ ዕዉር ወይ ሓንካስ ወይ ጥፍሉሕ ኣፍንጫኡ ወይ ኣብ ኣካሉ ገለ ሓለፋ ዘለዎ፡

19. ወይ ስቡር እግሪ ወይ ስቡር ኢድ ዘለዎ ሰብ

20. ወይ ጐባጥ ወይ ድንኪ ወይ ዓይኑ ዝሐበለ ወይ ሻሕራም ወይ ዓባቕ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ።

21. ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጐደሎ ዘለዎ ዘበለ ሰብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ኬቕርብ ኣይቕረብ። ጐደሎ አለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ

22. እንጌራ ኣምላኹ ካብቲ ቅዱስ ቅዱሳንን ካብቲ ቅዱስን ይብላዕ

23. ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ጐደሎ ስለ ዘለዎ፡ መቓድሰይ ከየርክስ፡ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፡ ናብ መሰውኢ ኸኣ ኣይቕረብ

24. ሙሴ ድማ እዚ ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልን ተዛረቦም