1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረብ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ።

3. ነፍሲ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቦኡን ይፍራህሰናብተይ ሐልዉኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

4. ናብ ጣኦታት ኣይትመለሱኣማልኽቲ ፍሲ ድማ ኣይትግበሩኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

5. ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ምስ እትስውኡባህ ከም ዜብሎ ጌርኩም ሰውኡ

6. በታ እትስውኡላ መዓልትን ንጽባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይንደድ

7. ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔፍንፉን እዩ፡ ኣይቅቡልን እዩ

8. እቲ ዝበልዖ ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኣርኪሱ እዩ እሞክፍኣቱ ይጸውርእታ ነፍሲ እቲአ ኸኣ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።

9. ዓጺድ ምድርኹም ምስ እትዐጽዱ፡ ነቲ ደረት ግራትካ ፈጺምካ ኣይትዕጸዶነቲ ቐሪም ዐጺድካውን ኣይትእረዮ

10. ንወይንኻ ድማ ኣይተዋሕዮ፡ ነቲ ኣብ ወይንኻ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይትእረዮንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

11. ኣይትስረቑን ኣይትጠብሩንሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሐስዉ

12. ንስም ኣምላኽካ ኽይተርክስብስመይ ብሓሶት ኣይትምሐሉኣነ እግዚኣብሄር እየ

13. ንብጻይካ ኣይትጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓላይ ክሳዕ ብጊሓት ምሳኻ ኣይሕደር

14. ንጸማም ኣይትርገሞኣብ ቅድሚ ዕዉር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብርንኣምላኽ ደኣ ፍራህኣነ እግዚኣብሄር እየ

15. ብፍርዲ ኣይትዐምጹንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎነቲ ስልጡን ድማ ገጹ ርኢኻ ኣይተኽብሮንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ

16. ክትሐሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙርናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዐልኣነ እግዚኣብሄር እየ

17. ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮንብጻይካስ፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይትጸውርኣጸቢቕካ ግንሓዮ

18. ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምንንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎኣነ እግዚኣብሄር እየ

19. ሕጋጋተይ ሐልዉማልካ ምስ ካልእ ዓይነት ኣይተታሉንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያካብ ክልተ ዓይነት እተሐወሰ ዓለባ ኣይትከደን

20. ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ብዋጋ ሓራ ዘይወጸትሓራ ድማ ዘይተዋህባባርያ ኽነሳ ንሓደ ሰብኣይ እተሐጽየት ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተራኸባንሳ ሓራ ስለ ዘይወጸት ግና፡ ይቀጽዑ ደኣ እምበር፡ ኣይሙቱ

21. ንሱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉድዑል መስዋእቲ በደል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ

22. ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኸኣ እቲ ኻህን በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆእቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ይሕደገሉ

23. ናብታ ምድሪ ምስ ኣቶኹምኲሉ ዓይነት ዚብላዕ ኦም ምስ ተኸልኩምነቲ ፍሬኡ ኸም ዘይተገዝረ ርአይዎሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ይኹንኩም፡ ኣይበላዕ ድማ።

24. ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ድማ ብዘሎ ፍሬኡ ንምስጋና እግዚኣብሄር ይቀደስ

25. ኣብዚሑ ኺፈርየልኩምሲ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመት ፍሬኡ ብልዑ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

26. ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑኣይትጠንቊሉን ኣይተማርቱን

27. ወሰነ ወሰን ጸጒሪ ርእስኹም ኣይትቚረጹወሰነ ወሰን ጭሕምኻውን ኣይትቚረጽ

28. ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

29. እታ ሃገር ከይትምንዝርእታ ሃገር ድማ ብርኽሰት ከይትመልእንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ

30. ሰናብተይ ሓልዉመቕደሰይ ከኣ ፍርሁኣነ እግዚኣብሄር እየ

31. ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

32. ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብርንኣምላኽካውን ፍርሃዮኣነ እግዚኣብሄር እየ

33. ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ፡ ኣይትግፍዕዎ

34. ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ንነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

35. ብፍርዲ ዀነ፡ ብመለክዒ እመት ኰነ፡ ብሚዛን ኰነ፡ ብምሰ ዀነ፡ ኣይትዐምጹ

36. ቅኑዕ ሚዛንቅኑዕ መምዘኒቅኑዕ ኤፋቅኑዕ ሂን ድማ ይሀሉኹም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

37. እምብኣርሲ ዂሉ ሕጋጋተይን ኲሉ ፍርድታተይን ሐልዉ ግበርዎ ኸኣ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።