1. ኣቢሜሌክ ወዲ የሩብ-በዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸደ እሞ፡ ንኣታቶምን ንዅሎም ዓሌት ቤት ኣቦ ኣዲኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም

2. በጃኹም ንዅሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖምሰብዓ ሰብ፡ ኵሎም ደቂ የሩብ-በዓል ኪገዝኡኹምዶ ወይስ ሓደ ሰብኣይ ኪገዝኣኩም፡ ኣየናይ ይሔሸኩም፧ ኣነ ኸኣ ዓጽምኹምን ስጋኹምን ከም ዝዀንኩ ዘክሩበልዎም

3. እቶም ኣኮታቱ ኸኣ እዚ ነገርዚ ዅሉ ንዅሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖም ተዛረቡሉ። ንሱ ሓውና እዩ ኢሎም ድማ፡ ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ዘንበለ

4. ካብ ቤት በዓል-በሪት ድማ ሰብዓ ሲቃል ብሩር ሀብዎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ደድሕሪኡ ዚስዕቡ ከንቱነታት ቀለልቲ ሰባት ተዋዓዐለ

5. ናብ ቤት ኣቦኡ ኣብ ዖፍራ መጺኡ ነሕዋቱ፡ እቶም ደቂ የሩብ-በዓልሰብዓ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተሎምዮታም እቲ ንእሽቶ ወዲ የሩብ-በዓል ግና፡ ተሐቢኡ ነበረ እሞ፡ ተረፈ

6. ዅሎም ሰብ ሴኬምን ብዘላ ቤት ሚሎን ተአከቡከይዶም ከኣ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሓወልቲ ኣንገስዎ

7. ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ፡ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም፡ ኣቱም ሰብ ሴኬምኣምላኽ ኪሰምዓኩምሲ ስምዑኒ

8. ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ እሞ፡ ነውልዕ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስበልዎ

9. እቲ ኣውልዕ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዜኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም

10. ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፡ ንስኻ ንዓ እሞ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስበልዎ

11. እቲ በለስ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም

12. እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስበልዎ

13. እቲ ወይኒ ኸኣ፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሐጕስ ወይነይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም

14. ሽዑ ዅሎም ኣእዋም ንእሾዅ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስበልዎ

15. እቲ እሾዅ ድማ፡ ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ፡ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉእንተ ዘይኰነስ ድማ፡ ካብቲ እሾዅ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮበሎም

16. ሕጂ ኸኣ ንኣቢሜሌክ ብምንጋስኩምሲ ብሓቅን ብቕንዕናን እንተ ጌርኩምዎንየሩብ-ብዓልን ንቤቱን ድማ ጽቡቕ እንተ ጌርኩም፡ ከም ግብሪ ኢዱ ከኣ እንተ ጌርኩምሉ

17. ኣቦይሲ ምእንታኹም ተዋግኤነፍሱ ኣሕሊፉ ሂቡ ድማ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሐነኩም

18. ንስኻትኩም ግና ሎሚ ናብ ቤት ኣቦይ ተንሲእኩም ንደቁሰብዓ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐቲልኩምሲ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ግዝእቱሓውኹም ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ

19. እምበኣርሲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንየሩብ-በዓልን ንቤቱን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም እንተ ዄንኩም፡ ብኣቢሜሌክ ተሐጐሱ፡ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሐጐስ

20. እንተ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎን ይብላዕ፡ ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከኣ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንኣቢሜሌክ ይብልዓዮ

21. ዮታም ድማ ካብ ቅድሚ ሓዉ ኣቢሜሌክ ጐይዩ ሀዲሙ ናብ ብኤር ከደ፡ ኣብአ ኸኣ ተቐመጠ

22. ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝኤ

23. ኣምላኽ ከኣ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ሕሱም መንፈስ ሰደደ እሞ፡ ንኣቢሜሌክ ዐለውዎ

24. እዚ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ የሩብ-በዓል እተገብረ ግፍዒ ምእንቲ ኺፍደደሞም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ኢዱ ዘጽንዑሉ ሰብ ሴኬምን ምእንቲ ኪኸውን እዩ።

25. እቶም ሰብ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድብቕ ኣንበሩሉ፡ ንሳቶም ከኣ ንዅሎም ብእኡ ዚሐልፉ ሰብ መገዲ ይኸትሩ ነበሩ። እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ

26. ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ድማ መጺኦም ናብ ሴኬም አተዉሰብ ሴኬም ከኣ ብእኡ ተአመኑ

27. ናብ ግርሁ ድማ ወፈሩወይኖም ቈሪጾም ከኣ ጾመቑ፡ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፡ ናብ ቤት ኣምላኾም አትዮም ድማ በልዑን ሰተዩንንኣቢሜሌክውን ረገምዎ

28. ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ በለ፡ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ሴኬምከ መን እዩ፧ ዜቡል ዝምስሌነኡ ወዲ የሩብ-በዓል ደይኰነን፧ ንስኻትኩምሲ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደኣ ተገዝኡ፡ ንሕና ንእኡ እንታይ ኢልና ንግዝኦ

29. እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዚኸውን መን ምሀበ፡ ንኣቢሜሌክ ምሰጐጕክዎ ነይረ። ንኣቢሜሌክ ከኣ፡ ሰራዊትካ ኣብዝሕ እሞ ውጻእበሎ

30. ዜቡልሹም እታ ኸተማዘረባ ጋዓል ወዲ ዔበድ ምስ ሰምዔኵራኡ ነደደ

31. ናብ ኣቢሜሌክ ከኣ ብተንኰል ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን እንሆ፡ ናብ ሴኬም አትዮም፡ ነዛ ኸተማ ናባኻ የተንስኡልካ አለዉ።

32. ሕጂ ኸኣ፡ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተንሲእካ፡ ኣብ መሮር ተደበቕ

33. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኣንጊህካ ተንስእ እሞ፡ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ውደቃ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ ወጹኻ፡ ሽዑ ኢድካ ኸም ዝረኸበቶ ግበሮም

34. ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ብለይቲ ተንሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ዀይኖም ኣብ ሴኬም ተደበቑ

35. ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ ወጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፡ ኣቢሜሌክ ከኣ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ምድባቑ ተንስኤ

36. ጋዓል ድማ ነቲ ህዝቢ ምስ ረአየንዜቡል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ኣኽራን ይወርድ አሎ፡ በሎ። ዜቡል ከኣ፡ ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዚርአየካ ዘሎ ጽላሎት ኣኽራን እዩ፡ በሎ።

37. ጋዓል ድማ መሊሱ፡ እንሆ፡ ካብ ማእከል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርድ አሎ፡ ሓደ ጭፍራ ኸኣ ብመገዲ ድዋ ጠንቈልቲ ኣቢሉ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ ተዛረበ

38. ሽዑ ዜቡል፡ እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ዝበልካዮ፡ ሕጂ ደኣ ኣፍካ ኣበይ አሎ፧ እዚ እቲ ዝነዐቕካዮ ህዝብዶ ኣይኰነን፧ እምበኣር ሕጂ ወጺእካ ተዋግኣዮበሎ

39. ጋዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወጸ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግኤ

40. ኣቢሜሌክ ግና ሰጐጎ እሞ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ፡ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ

41. ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠዜቡል ከኣ ንጋዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ሰጐጎም

42. ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እቲ ህዝቢ ናብ ግርሁ ወጸ፡ እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ

43. ነቲ ህዝቢ ወሲዱ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ኣብ መሮር ከኣ ድብቕ ኣንበረ። እንሆ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኺወጽእ ምስ ረአየተንስኦም ቀተሎም ድማ።

44. ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ጭፍራታትን ጐይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በሉ። እቶም ክልተ ጭፍራ ኸኣ ጐይዮም ነቶም ኣብ ግርሁ ዝነበሩ ዅሎም ወድእዎም

45. ኣቢሜሌክ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣ ነታ ኸተማ ተዋግኣ፡ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቐተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸኣ ጨው ዘርአላ

46. እቶም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ዅሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ዕርዲ ቤት ኤል-በሪት ኣተዉ

47. ኵሎም ሰብ ግምቢ ሴኬም ከም እተአከቡንኣቢሜሌክ ነገርዎ

48. ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብ ከረን ጻልሞን ደየበ። ኣቢሜሌክ ድማ ማሕጸ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረጸኣልዒሉ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ገበሮ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ከምዚ ኣነ ኽገብሮ ዝርኤኹምኒ ቐልጢፍኩም ከምኡ ግበሩበሎም

49. ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ከምኡ ጨጨንፈሩ ቘረጸንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ናብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፡ ነቲ ዕርዱ ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኣንደድዎኵሎም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ኣስታት ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ሞቱ

50. ኣቢሜሌክ ድማ ናብ ቴቤጽ ከደ እሞ ንቴቤጽ ሰፈራ ሓዛ ኸኣ።

51. ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ድማ ጽኑዕ ግምቢ ነበረ፡ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትንኵሎም ሰብ እታ ኸተማ ናብኡ ሀደሙ፡ ኣብ ውሽጡውን ተዐጽዉ፡ ናብ ናሕሲ እቲ ግምቢ ኸኣ ደየቡ

52. ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግምቢ መጺኡ ተዋግኦብሓዊ ኼንድዶ ኸኣ፡ ናብ ደገ እቲ ግምቢ ቐረበ

53. ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲድ ሰንዲዳቀረቀራኡ ጨፍለቐቶ

54. ሽዑ ነቲ ጐበዝ ጋሻ ዛግሬኡ ቐልጢፉ ጸዊዑሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስሴፍካ መሲትካ ቕተለኒበሎ። እቲ ጐበዝውን ወግኦሞተ ኸኣ።

55. እቶም ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩነፍሲ ወከፍ ነናብ ስፍራኡ ኸደ

56. ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮኣምላኽ ከምኡ ናብኡ መለሰሉ

57. ኵሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፡ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ዮታም ወዲ የሩብ-በዓል ከኣ ኣብ ረርእሶም በጽሔ