1. የሩብ-በዓል፡ ንሱ ጊዴዎን፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከኣ ሰፈሩሰፈር ሚድያን ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኵርባ ሞሬ፡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።

2. እግዚኣብሄር ንጊዴዎን፡ ኣነ ንሚድያን ኣብ ኢዶም ከይህቦምእስራኤልኢደይ ኣድሐነትኒኢሉ ኸይዕበየለይ፡ እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝቢ እምብዛ በዚሑ

3. እምበኣር ሕጂ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢፈራህን ተሸባርን ዘበለ ይመለስ፡ ካብ ከረን ጊልዓድ ይኺድኢልካ ኣውጅ፡ በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመልሱዓሰርተ ሽሕ ከኣ ተረፉ

4. እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ እዚ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም፡ ኣብኡ ንኣታቶም ክፍትነልካ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣነ፡ እዚ ምሳኻ ይኺድ፡ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፡ እቲ፡ ምሳኻ ኣይኺድ፡ ዝብለካ ዘበለ ኸኣ፡ ንሱ ኣይኺድ፡ በሎ

5. ሽዑ ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶእግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ማይ ብልሳኑ ዚሰቲ ዘበለ፡ ንእኡ ንበይኑ፡ ነቲ ብብርኩ ተደቢሩ ዚሰቲውን ከምኡ ግበሮበሎ

6. ቊጽሪ እቶም ብኢዶም ንኣፎም ማይ ዝሰተዩ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ኰኑ። እቶም ዝተረፉ ዅሎም ህዝቢ ግና ማይ ኪስትዩብብርኮም ተምበርኪኾም ደነኑ።

7. እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ በዞም ብኢዶም ዝሰትዩ ስለስተ ሚእቲ ሰብኣይ ከድሕነኩእየሚድያናውያን ከኣ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ። እቲ ህዝቢ ዅሉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቦታኡ ይኺድበሎ

8. ሽዑ እቶም ህዝቢ ብኢዶም ስንቆምን መለኸቶምን ወሰዱንዅሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም፡ ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ግና ኣትረፎምሰፈር ሚድያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።

9. ኰነ ኸኣ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄርንእኡ ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብቲ ሰፈር ውረድ

10. ንስኻ ምውራድ እንተ ፈራህካ ግና፡ ንስኻ ምስ ግልያኻ ጱራ ናብቲ ሰፈር ውረድ፡

11. እቲ ዚዛረብዎ ኽትሰም ኢኻ። ድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኣእዳውካ ኺጸንዓ እየን፡ በሎ። ሽዑ ንሱ ምስ ጱራ ግልያኡ፡ ናብ ወሰን እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ

12. ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕ ድማ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖምን ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከኣ ቊጽሪ ዜብለን፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሔን ነበራ።

13. ጊዴዎን ምስ መጸ፡ እንሆ፡ ሓደ ሰብ ንብጻዩ ሕልሙ ይነግሮ ይብሎውን ነበረ፡ እነሆ፡ ሕልሚ ሐለምኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጐጎ ስገም ናብ ሰፈር ሚድያን ኣንከራረወ፡ ናብ ድንኳን መጺኡ ወቕዖ፡ ንሱ ድማ ወደቐ፡ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸኣ ገልበጦ፡ እቲ ድንኳን ድማ ወደቐ

14. እቲ ብጻዩ ድማ መሊሱ፡ እዚ ሴፍ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ፡ ናይ እስራኤል ሰብ እዩ እምበር፡ ካልእ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ንሚድያንን ንዅሉ ሰፈርን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦበለ

15. ኰነ ኸኣ፡ ጊዴዎን ነገር እዚ ሕልሚ እዝን ምፍታሑን ምስ ሰምዔሰገደ። ድሕርዚ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱእግዚኣብሄር ንሰፈር ሚድያን ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡበለ

16. ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ድማ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎም፡ ኣብ ኢድ ኵሎም ከኣ መለኸትን ጥራዩ ዳነሱን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዳነሱውን ፋናታት ሀቦም

17. በሎም ድማ፡ ንኣይ ርአዩ፡ ከምኡ ኸኣ ግበሩ። እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈር ምስ በጻሕኩ፡ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ።

18. ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ኰይነ መለኸት ምስ ነፋሕኩ፡ ንስኻትኩምውን ኣብ ዙርያ ዅሉ እቲ ሰፈር ንፍሑ፡ ንእግዚኣብሄርን ንጊዴዎንን ድማ በሉ

19. ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፡ ብኡብኡ ዘብዔኛታት ምስ ተለወጡጊዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰብኣይን፡ ናብቲ ወሰን ሰፈር መጹመለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ዳነሱውን ሰበርዎ

20. ሰለስቲኦም ጭፍራ ድማ መለኸቶም ነፍሑ፡ ነቲ ዳነሱ ኸኣ ሰበርዎብጸጋመይቲ ኢዶም ፋናታት ብየማነይቲ ኢዶም ከኣ፡ ኪነፍሑመለኸት ሐዙሴፍ እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን፡ ኢሎም ድማ ጨደሩ

21. ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቈሙ። ሽዑ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ጐየየጨርሑን ሀደሙን ከኣ።

22. ነቲ ሰለስተ ሚእቲ መለኸት ድማ ነፍሑእግዚኣብሄር ከኣ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩን ናብ ብዘሎ እቲ ሰራዊትን ገበሮ። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ጸረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤት-ሺጣ፡ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤል-መሖላ ዘላ ጣባት ሀደመ

23. ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተአከቡ እሞ ንሚድያናውያን ስዒቦም ሰጐጕዎም

24. ጊዴዎን ድማ፡ ንሚድያን ክትቃባበልዎም ውረዱ፡ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ድማ ሐዙሎም፡ ኢሉ ናብ ብዘሎ ኸረን ኤፍሬም ልኡኻት ሰደደ። ሽዑ ዅሎም ሰብ ኤፍሬም ተአኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ሐዝዎ

25. ንኽልቲኦም ሹማምቲ ሚድያንዖሬብን ዝኤብንማረኽዎም እሞ፡ ንዖሬብ ኣብ ከውሒ ዖሬብ ቀተልዎ፡ ንዝኤብውን ኣብ መጽመቚ ወይኒ ዝኤብ ቀተልዎ፡ ንሚድያናውያን ከኣ ሰጐጕዎምርእሲ ዖሬብን ዝኤብን ግና ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ጊዴዎን ኣምጽእዎ