1. ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ሾብዓተ ዓመት ናብ ኢድ ሚድያን ኣሕሊፉ ሀቦም

2. ኢድ ሚድያን ድማ ኣብ እስራኤል በርትዔትደቂ እስራኤል ከኣ ብሰሪ ሚድያን እቲ ኣብ ኣኽራን ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን እምባታትን ገበሩ

3. ኰነ ድማ፡ እስራኤል ምስ ዘርኤሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ደየቡ፡ ናብኦም ደየብዎም።

4. ኣብኦም ሰፊሮም፡ ክሳዕ እቲ ንጋዛ ዜእቱ ፍረ እታ ምድሪ ኣጥፍኡ፡ ገለ ምግቢ ዀነ፡ በጊዕ ኰነት፡ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ ኣብ እስራኤል ኣይሐደጉን

5. ንሳቶም ምስ ከምብቶምን ድንኳውንቶምን ደየቡምብዛሖም ከም ኣንበጣ ዀይኖም መጹ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቊጽሪ ዜብሎም ነበሩ እሞ፡ ኬጥፍእዋ ናብታ ሃገር ኣተዉ

6. እስራኤል ብሚድያን ብዙሕ ተሸገረደቂ እስራኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ

7. ኰነ ኸኣ ደቂ እስራኤል ብሰሪ ሚድያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ

8. እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነብዪ ሰደደሎም። ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ በሎም፡ ኣነ ኻብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ካብ ቤት ባርነት ኣውጻእኩኹም

9. ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኵሎም መጥቃዕትኹምን ኣድሐንኩኹም፡ ንኣታቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐ ምድሮም ሀብኩኹም

10. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ኣብ ሃገሮም ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኣሞራውያን ኣይትፍራህዎም፡ ድማ በልኩኹም። ግናኸ ቃለይ ኣይሰማዕኩምን

11. መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መጺኡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ ዮአስ ኣቢዔዝራዊ፡ ኣብ ዖፍራ ዘላ ድዋ ተቐመጠወዱ ጊዴዎን ካብ ሚድያናውያን ኪሐብእስርናይ ኣብ መጽመቚ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ።

12. ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡ ከኣ በሎ

13. ጊዴዎን ድማ፡ ኣየ ጐይታይእግዚኣብሄር ምሳና እንተልዩ ደኣ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ረኸበና፧ እቲ ኣቦታትና፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ኣደይቡናዶ ኣይኰነን፡ ኢሎም ዝነገሩና ዅሉ ተኣምራቱኸ ኣበይ አሎ፧ ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ሐዲጉናስ፡ ኣብ ኢድ ሚድያን እኳ ኣሕሊፉ ሂቡናበሎ

14. ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልጽ ኢሉ፡ ልኢኸካዶ ኣይኰንኩን፧ በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖም፡ በሎ።

15. ንሱ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ፡ ንእስራኤል ደኣ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፧ በሎ

16. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሚድያናውያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ክትወቕዖም ኢኻ፡ በሎ

17. ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስእትዛረበኒ ዘሎኻ ንስኻ ከም ዝዀንካ ምልክት ሀበኒ

18. መስዋእተይ ኣውጺኤ፡ ናባኻ መጺኤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካስ፡ በጃኻ ካብዚ ኣይትኺድ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ እትምለስክጸንሓካ እየ፡ በሎ

19. ሽዑ ጊዴዎን አትዩ ሓደ ማሕስእን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ቅጫ ሰንኪቱ ኣዳለወ። ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፡ ነቲ መረቕውን ኣብ ቊራዕ ገበሮ። ኣብ ትሕቲ ድዋ ኣውጺኡ ድማ ናብኡ ኣቕረበሉ

20. እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ከኣ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዚ ኸውሒ እዚ ኣንብሮ ነቲ መረቕውን ኣፍስሶበሎ። ከምኡ ድማ ገበረ

21. ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ተንከዮ እሞ ሓዊ ኻብቲ ኸውሒ ወጺኡ፡ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ኣዒንቱ ተሰወረ

22. ሽዑ ጊዴዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ረአየ። ጊዴዎን ከኣ፡ ወይለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ርእየዮበለ

23. እግዚኣብሄር ድማ፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን፡ ኣይትፍራህ ኣይትመውትን ኢኻ፡ በሎ

24. ሽዑ ጊዴዎን ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔእግዚኣብሄር-ሰላም፡ ኢሉ ኸኣ ሰመዮ። ንሱ ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ አሎ።

25. ኰነ ኸኣ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በሎ፡ ናይ ኣቦኻ ኣርሓ፡ እቲ ኻልኣይ ሾብዓተ ዓመት ዝገበረ ኣርሓ፡ ውሰድ፡ ነቲ ናይ ኣቦኻ መሰውኢ በዓል ኣፍርሶ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ኣስታርተ ኸኣ ቊረጾ

26. ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፡ ነቲ ኻልኣይ ኣርሓ ኸኣ በቲ እተቘርጾ ኣስታርተ ጌርካ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕርጎ

27. ሽዑ ጊዴዎን ካብ ገላዉኡ ዓሰርተ ሰብ ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ኸይገብሮስ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሄብለይቲ ገበሮ

28. ንጽቢሒቱ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ፡ እቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ኸኣ ተቘረጹ፡ እቲ ኻልኣይ ኣርሓውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ።

29. ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ ነገር እዚ መን ገበሮተባሃሀሉሓቲቶምን መርሚሮምን ድማ እዚ ነገር እዚ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ እዩ ዝገበሮ፡ በሉ

30. ሽዑ ሰብ እታ ኸተማ ንዮኣስወድኻ መሰውኢ በዓል ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ድማ ቈሪጹ እዩ እሞ፡ ኪመውት ኣውጽኣዮበልዎ

31. ዮኣስ ከኣ ነቶም ኪቃወምዎ ዝተንስኡ ዅሎም፡ ንበዓልዶ ኽትጣበቑሉ ኢኹም፡ ወይስ ክተድሕንዎዶ ደሊኹም፧ እቲ ኺጣበቐሉ ዚደሊ፡ ምድሪ ኸይወግሔ ይሙት፡ ንሱ ኣምላኽ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶበሎም

32. ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በዓል ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶኢሉ የሩብ-በዓል ሰመዮ

33. ሽዑ ዅሎም ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተአከቡተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ሰፈሩ

34. ንጊዴዎን ከኣ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረዶ። ንሱ መለኸት ነፍሔኣቢዔዝራውያን ከኣ ተአኪቦም ሰዐብዎ

35. ናብ ብዘሎ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ከኣ ከቲቶም ሰዐብዎ። ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ኪቕበልዎም ደየቡ

36. ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ንእስራኤል ብኢደይ ተድሕኖ እንተ ዄንካስ

37. እንሆ፡ ኣነ እዚ ቚሩጽ ጸምሪ እዚ ኣብ ዓውዲ ኤንብር አሎኹ። ኵላ ምድሪ ንቕጽቲ ኸኣ ኣብዚ ጸምሪ ጥራይ ዛዕዛዓ እንተ ዀነ፡ ሽዑ ኸምቲ እተዛረብካዮንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ፡ በሎ።

38. ከምኡ ድማ ዀነ። ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነቲ ጸምሪ ጸሞቘ፡ ካብቲ ጸምሪ ኸኣ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውጽኤ።

39. ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽሓንሳእ ጥራይ ክዛረብቊጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፡ በቲ ጸምሪ ሓንሳእ ጥራይ ክፍትን በጃኻ። እምበኣርሲ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ ዛዕዞዓ ይኹን፡ በሎ

40. ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፡ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ ከሎ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዛዕዝዓ ዀነ።