1. ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ኤሁድ ምስ ሞተመሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ

2. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦምሓላቓ ሰራዊቱ ሲሰራ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ሓሮሼት - ጎይም ይቕመጥ ነበረ።

3. ንሱ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺን ነበሮ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብሓይሊ ዕስራ ዓመት ኣጥቅዖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ

4. ዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።

5. ንሳ ኸኣ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን፡ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ደየቡ

6-7. ንባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሐለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሒበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ፡ ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ፡ ኢሉዶ ኣይአዘዘካን እዩ፧ በለቶ

8. ባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ኸድኪክኸይድ እየ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከይድን፡ በላ

9. ንሳ ኸኣ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት

10. ሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖምዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከኣ ደድሕሪኡ ደየቡዴቦራውን ምስኡ ደየበት

11. ሔበር ቄናዊ ግና ካብቶም ቄናውያንደቂ ዮባብ ሓሙ ሙሴተፈልዩ ነበረ፡ ድንኳኑ ድማ ክሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፡ ኣብ ጸዓናይም ዘሎ ድዋ ተኺሉ ነበረ።

12. ንሲሰራ ድማ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበነገርዎ

13. ሽዑ ሲሰራ ንዅሉ ሰረገላታቱትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ካብ ሓሮሼት - ጎይም ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ

14. ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፧ በለቶ። ሽዑ ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ

15. እግዚኣብሄር ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም። ሲሰራ ኸኣ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሀደመ

16. ባራቅ ድማ ደድሕሪ እቲ ሰረገላታትን ደድሕሪ ሰራዊትን ሲሰራ ስዒቡ ክሳዕ ሓሮሼት - ጎይም ሰጎጎም። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብስሕለት ሴፍ ወደቐሓደ እኳ ኣይተረፈን

17. ያቢን ንጉስ ሓጾርን ቤት ሔበር ቄናዊን ኣብ መንጎኦም ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔልሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ሀደመ

18. ያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣጐይታይእቶ፡ ናባይ እቶ፡ ኣይትፍራህበለቶ። ናብኣ ድማ ናብ ድንኳን አተወ፡ ንሳ ኸኣ ወንጮ ኸደነቶ

19. ንሱ ድማ፡ ጸሚኤ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒበላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ ኸደነቶውን

20. ንሱ ድማ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ደው በሊ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ሰብ መጺኡኣብዚዶ ሰብ አሎ፧ ኢሉ እንተ ሐተተኪ፡ የልቦን በሊበላ

21. ንሱ ድቃስ ውሒጥዎ ህልያቱ ጠፍኦ፡ ሽዑ ያዔል ሰበይቲ ሔበር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ሞደሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛቀስ ኢላ ናብኡ አተወት፡ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ ናብ ምድሪ ድማ ኣተወ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ

22. እንሆ ድማ፡ ባራቅ ንሲሰራ ኺሰጎ ኸሎ፡ ያዔል ክትቅበሎ ወጺኣ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓበለቶ። ናብኣ ድማ አተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሲሰራ ሞይቱ ወዲቑ ነበረ፡ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ።

23. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣምላኽ ንያቢንንጉስ ከነኣን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረደ

24. ንያቢን ንጉስ ከነኣን ክሳዕ ዜጥፍእዎ ኸኣ፡ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናረዘነት ከደት